ብኤርትራዊ መንእሰይ ስምኦን ንእትምራሕ ጋንታ ሽኒገርስ ኣድምጹላ

 

ናይ ኩዕሶ ኢግሪ ናይ ዓለም ዋንጫ መን ጨበጠ ውድድር ኣብ ጀርመን ኣብ ወርሒ ሰነን ሓምለ 2006 ክግበር ኢዩ:: ኣብዚ ውድድርዚ እተን ተጋጠምቲ ጋንታታት ብዓቢ ናይ ፊፋ (FIFA) ኣርማ ዘንበልብሉ 6 መንእሰያት ተመሪሔን ናብ ሜዳ ክኣትዋ ኢየን:: ነዚ ኣርማ ናይ ፊፋ ንምስካም ልዕሊ 900 ጋንታታት ናይ መንእሰያት ይወዳደራ ኣለዋ:: እተን ዚበዝሔ ብኢንተርነት ዝግበር ድምጺ ዝረኸባ ጋንታታት ድማ እቲ ዕድል ክዋሃበን እዩ::

ሓንቲ ካብዘን ናይ መንእሰያት ጋንታታት ብኤርትራዊ መንእሰይ ስማኦን እትምራሕ ጋንታ ሺኒገርስ (Schnigers) ኢያ::

ኣብዚ ዓቢ ስፖርታዊ ተረኽቦ ጋንታ ሺኒገርስ ተሳታፊት ክትከውን ኩሉ ኤርትራዊ ብኢንተርነት ከድምጸላ ድማ ብትሕትና ንሓትት:: ኢቲ ምድማጽ ክሳብ ዕለት 2 ሚያዝያ 2006 (2 April 2006) ክፉት ኣሎ::

 

 

 

 

 ከምዚ ዚስዕብ ጌርካ ድማ ተድምጽ:-

  1. ነዚ ጠውቕàhttp://www.t-com-news.de/fifa_flagfriend/galerie_voting.php?page=detail&team=3109&pos=1
  2. ኣብ ትሕቲ ስእልናን ኣስማትናን ነታ ቅድሚ 30 ዘላ ነጥቢ ጠውቃ
  3. ነቲ ኣብ ቀይሕ ተጻሒፉ ዘሎ ናይ መቃጻጸሪ ኮድ ኣብቲ ጥቕኡ ዘሎ ቦታ ጸሐፎ
  4. ናትካ ኢመይል ኣድራሻ ጺሒፍካ : ነታ ኣብ ቀይሕ ናይ ኩናት ምልክት à ጠውቕ:.
  5. ድሕርዚ ኢመይል ናትካ ክፈቶ:: ካብ T-Com Fahnenteam ዝለኣከልካ መልእኽቲ ከፊትካ ብቲ ኣብ ውሽጢ ኢቲ መልእኽቲ ዝውሃብ  http://www.t-com------Link: ጠዊካ ምድምጽካ ትውድእ::
  6. መዓልታዊ ሐደ ግዜ ከተድምጽ ትኽእል:: ቁጽሪ 5 ተጠቂሱ ዘሎ ነታ መጀመርያ መዓልቲ ጥራሕ ኢያ ኣገዳሲት:: ድሕሪኡ ዘሎ ማዓልታት ካብ ቁ 1-4 ዘሎ መምሪሒ ኣኻሊ እዩ::
  7. ብሓንቲ ኮምፒተር ናይ ብዙሓት ሰባት ከተድምጽ እንተኾንካ ድሕሪ ነፍስ ወከፍ ምድማጽ - ነት ኩኪስ ክትድምስሶ ኣሎካ:: ነምድሳሱ ድማ( ToolsàinternetOptionàdelete cookiesàok) ግበር::

 

ንጋንታና ንምሕጋዝ ዘጥፋእካዮ ግዜ እንዳ ኣመስግና ክሳብ ምርጫ ዝዕጾ ሓደ ግዜ ንመዓልቲ ድምጽኻ ክትህባና ድማ ነማሕጽን::

 

ምስ ብዙሕ ሰላምታ - ስሞኦን መራሕ ጋንታ ሺኒገርስ