ስውኣት ዓዲ ኣበይቶ ይዘከሩ
ኣመል ምስ መግነዝ
አብ ቀንዲ ትሕቶይ ቅደሚ ምእታወይ ሓንቲ ሓጻር ጽውጽዋይ ከዘንትወልኩም ፍቐዱለይ፡ ሓደ ግዜ ዕንቅሪቢት ኣብ ገመገም ውሕጅ ተዓጊታ ክትሕንብሰ ብዘይ ምኽኣላ ዘሳግራ ሲኢና ነው ነጀው እናበለት ከተዕለብጥ ከላ፡ ወኻሪያ ብገርሃ ሓንቢሳ ናብቲ ስግር ሩባ ቅርብ በለት እሞ ዕንቅሪቢት በጃኺ እንዶ ግዳይ ኣሳገርኒ ብምባል ኣምሪራ ለመነታ። ዋኻሪያ ንዓኺ ንመርዛም ባዕለይ ነገር ከምጽእ ርሓቕለይ ደኣ በለታ፤ ዕንቅሪቢት ግና በጃኺ ድኣ በለታ፡
ንስኺ እንዳ ሓንበስኪ ከሎኺ እንተ ነኺሰክኒ ክልተና ተተሓሒዝና ከም እንጠፍእ ስለ ዝፈልጥ ኣይውዕሎን ኢየ፡ ኣይትሰከፊ እናበለት ኣምሪራ ደጊማ ለመነታ እሞ፡ ወያ ምስኪነይቲ ወኻሪያ ኣሚናታ ኣብ ሕቖኣ ኣወጢሓ ምሕነባስ ጀመረት፤ ኣብ ማእከል እቲ ውሕጅ ምስ በጽሓ ዕንቅሪቢት ከም ኣመላ ነኸሰታ እሞ ዋኻሪያ ተመሪዛ፤ ዓቕሚ ሲኢና ምሕንባሳ ኣቋረጸት እሞ፤ ውሕጅ እናወሰደን ከሎ፡ ወኻሪያ ኣቲ ዕንቅሪቢት እንታይ ክትረኽቢ ድኣ ትነኽስኒ በለታ፤ ዕንቅሪቢት ከኣ ኣመለይ ኮይኑኒ ደኣ እምበር ኣነስ ክጥዕመኒ ዲዩ በለታ ይበሃል ።
መራሕቲ ሕ.ግ.ደ.ፍ ከኣ ኢሳያስ ጨካን መርዛም ኣመል ምህላዉ እናፈለጡ፤ ተደራራቢ ስለጣን እናባርኹ፡ እናጣቑ ብመሃቦም። እኒሆ ኢሳያሰ ፈላጽን ቖራጽን ኮነ፡
ኣብ ሕቖ ሕዝብና ተወጢሑ ከኣ ኣብዚ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ በጸሐ፤ እኒሆ ከኣ ከምታ ዕነቅሪቢት ዝገበረቶ አመሉ ስለ ዝኾነ፤ኣብ ግዜ ቃለሲ መንካዕ ዶ የማናውያን ዶ እናበለ ክንደይ ንጹሓት ኣጥፈአ፤ ድሕሪ ናጽነት ከኣ ኣብ ቅደሚ ኩሉ ሕዝቢ ንኣካለ ስንኩላን ሓርነት ብዘይ ንሕስያ መልዓሰ ኣብ ዓዲ ኣበይቶ ዝተገበረ ማሳካር እውን ሕዝቢ አስመራ ኣብ ቅድሚ ገዝኡ ረኣየ።
ኣብ ቤት ማእስረቲ ተዳጉኖም ዘለዉ ኣሽሓትከ ህለዋት ዲዮም ስውኣት ከኣ ማንም ዝፈልጥ የለን፤ ሓደ ግዜ ከኣ ብግፍዒ ባዕላቶም ዝቐተልዎም ተሰዊኦም ኢዮም ይብሉና ይኾኑ።
ሕዝቢ ኤርትራ ከኣ ከምታ ገርሀኛ ዋኻርያ፡ ኣፍ ዘይበሉ ሕዝቢ ኮይኑ ከስተማስልን ክበክን ክሓዝንን ይውዕልን ይሓድርን አሎ።
ኣብ ዓዘቕቲ ማዕበል ተደርቢዩ ከኣ ይርከብ፤ ኣብ ስደት ዘሎ ኤርትራዊ ከኣ ረብሑ ብምርኣይ መብዛሕትኡ ኣይርአና ! ኣይሰማዕና ! እናብለ ዓይኑ ዓሚቱ ፡ እዝኑ ሓቲሙ ይነብር አሎ።
ስለዚ ሸምዓ ምውላዕ ንሕዝብና ናይ ንብዓቱ መተካእታ ክኾኖ ኣይክእልን ኢዩ፤ ኣብ ግዜ ቃለሲ ንስዉአትና ዝተኣተወ መብጽዓ አብ ግብሪ ምስ ዝትርጎም ኢዮም ዝቐስኑ ስውኣትና።
ዝኽሪ ንስዉአትና
ዓወት ንውጹዕ ሕዝብና
እስቲፋኖስ መንግስትኣብ
ጀርመን