ንዝኽሪ ጅግና ሐርበኛ ስዉእ ስዩም ዑቕባሚካኤል
አብ ከተማ ሳንድየጎ - ሕቡራት ሃገራት አሜሪካ
ምሉእ ሂወቱን ዕድሜኡን ምእንቲ ነጻነት ሃገሩን፣ ሐርነት ህዝቡን ዝተበጀወ፣ ንኽቡር ስዉእ ሐርበኛ ተጋዳላይ ስዩም ዑቕባሚካኤል መስዋእቲ ዝኽሪ ምኽንያት ብምግባር አብ ከተማ ሳን ድየጎ መደብ ተዳልዩ’ሎ።
በዚ አጋጣሚ ዕለት’ዚ ጅግና ሐርበኛ ስዉእ ተጋዳላይ፣ ካብታ ምእንታአ ዝተሰየፈላን ዝተቓለሰላን መሬት ዓደቦኡ አርሒቑ፣ አብ ከተማ ሮተርዳም ሆላንድ ሐመድ አዳም ክለብስ’ዩ።
ኩሎም ግዱሳት ሃገራውያን ኤርትራውያንን፣ ንደሞክራስያዊ ፍትሒን ልዑላውነት ግዝአተ ሕጊን አብ ሃገሮም ኤርትራ ንምስፋንን ንምንጋስን ዝቃለሱ ተቓወምቲን፣ ንጅግና ኤርትራዊ ሐርበኛ ስዩም ዑቕባሚካኤል ብዝኽሪ ሕልና ንምፍናው፣ ተሳታፍነቶም ከርእዩ ብኽብሪን ትሕትናን ንዕድም።
ዕለት/ DATE ዓርቢ 30 ታሕሳስ 2005 (December 30, 2005)
ሰዓት/TIME 5፡00 – 800 አጋ ምሸት (5:00-8:00 PM)
ቦታ/PLACE ሃንድለሪ ሆቴል - HANDLERY HOTEL
501 Hotel circle South
መዘኻኸሪ፡- ኩሎም ተሳተፍቲ አብ ልክዕ ሰዓቱ ንኽርከቡ ነማሕጽን።
ካብ መደብ አዳላዊት ኮሚቴ