እንታይ ኮን ‘ዩ ዝድለ ዘሎ ? ? ?
ብነጸረ ተወልደመድህን . . . ዕለት፡ 17-04-2007
ኣብ ሃገረ ዚምባብወ ዝቐነየ ግፍዒታትን ፕረሲደንት ሙጋቤ ከርእይዎ ዝቐነዩ ጠገለ ዘይብሉ ገታር ቆይቑታትን ምስ እዚ ናትና መዓልታዊ ተረኽቦታት ኣዝዩ ዝፈላለ መዓስ ኮይኑ። ፕረሲደንት ሙጋቤ፡ ኣብቲ ንሶም ዝመልኩዎን ዝመርሑዎን ክሊ፡ ከይተሓብኡ ዜጋታት ናይታ ሃገር ከድምዩን ክቕንጽሉን ትርፊ ግዜ ተሳኢኑዎም፣ ኢዱ የንብር ምስቲ ኣረጋዊ ዕድሜኦም ክንደየናይ ናይ ኣእምሮ ቅሳነትን ኣካላዊ ጽሮትን ከይህልዎም። ዳሕራዮም ገደደ - ዘይጥዕናዊ ሰንከልከሎም ጉልባቡ ክቕላዕ፣ ንተግባራቶም ሕጋዉነት ከልብሱ ብማለት ግዝኣተ-ሕጊ ዝምእዘዙ ክመስሉ፡ ቤት-ፍርድታቶም ከርሕዉን ክዓጽዉን ቀንዮም። እዚ ናትና ደኣ፡ ዓይንኻ ተደፈን ዝብሎ ዘይብሉ፡ ንኹሉ ብስቱር እንድ’ዩ። ማዕጾ ምስ ተገፍተነ ኩሉ ብጸልማት፡ ናይ እሱር ድምጺ ዘይስመዓሉ፣ ንቡር ናይ ስድራ-ቤት ስንብታ መሰል ዝተነፍጎም፡ ኣዉያቶም ኣብ ኣኻዉሕ ጎዳጉዲ ክራጸም - መን-ገበሮ - ንወላድ ሰማዒ ይጭነቆ። ሓቢእካ ዘይትሓብኦ፡ ኩሉ ሻዕ በጨቕ’ሞ መዓስ ተሪፉ። “መራሕትና” ክተዓዛዘሮም፡ ኣብ ልዕሊ ድምጺ ንጹሃት ሸይሸይ ክብሉ፡ ምስ መላእ ዓለም‘ዉን ክተናኸፉ ምልክት ናይ ዕብዳኖም መዓስ ስሒትናዮ። ኣብ ነጻነታዊ ቃልሲ ህይወቶም ዝኸፈሉ ተጋደልትን ህዝብን፣ ሽግ ወሊዖም ንመላእ ከተማታትና፡ ተር ከም ዓተር፡ ነጻነት ዘበሰሩ - ጀጋኑ ተረሲዖም፤ ዝነበረ ዉዕላትን መብጻዓን ተጠሊሙ፡ ሃገርና ዉሑዳት ዝሕበኑላ ኣብ ናይ ዉልቀ ኩባንያ ዉነና ተለዊጣ ‘ላ።
ኩነታት ሃገር ኣብ ዝበኣሰ፡ “መንግስቲ” ብዘይ-ተኣደኑ መቖምያታት ተደጊፉ ደልዓስዓስ ኣብ ዝብለሉ ዘሎ ሰዓት፡ ወዮም ናይ ቃልሲ ብጾት (ተሃድሶ፣ ተስፋ፣ ቆላሕታ) ብጽሑፍ ኮነ ብመንገዲ ፓል-ቶክ ናይ ሕሹኽታ ወግዒ ሓሳብ ንሓሳብ ክለዋወጡ ጸኒሖም ‘ዮም። ኩሉ’ቲ ዝቐነየ ወግዕታቶም ካብ ብሕሹኽታ ናብ ሓፋሽ እንተ ኣዉረድዎ፡ መኣረምታን ሓበሬታን ይረኽቡ ብማለት እነሆ ከምቲ ዝቐደመ -ሓሳቦም ከካፍሉ ይብገሱ።
ንተሃድሶ ኣብ ዓዱ ንምብጻሕ ምስ ከደ ካብ ዘባህረሩዎን ዘናወጹዎን ሓቅታት ናይ ሃገርና - ህዝቢ ዝብላዕ ቅጫ ስኢኑ፡ ብፍርሂ፡ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ተመቚሑ ከም እንስሳ መዓልታዊ መምርሒ እናተዋህቦ፡ ጽባሕ እንታይ ይፍጠር ዘይፈልጥ ሃገር ብገፋሓ ጸቢባቶ፣ መንእሰይ ሃጽ ኢሉ ናይ ምጥፋእ ባህጊ ዘሕደረላ ሃገር፡ ኮይና ኣላ። ሰብ ቀደም’ዉን ተባሪሮም ገለን ከኣ ተመቚሖም፡ ፈዉሲ ጨና ተወዝ ዝብል ዘየልቦ ብገዛእ ሃገሩ ተጋይሹ ዝወራሓሉ እዩ ዝነበረ። ጸገማት ናይዚ ህዝቢ’ዚ ብኣካል ዝረኣዮን ኣዳቒቑ ዘጽነዖን ክሕለቐሉ እንተ ዝብገስ ደጋፊ ምረኸበ ንብዙሓት ከኣ መበራበረ ዝብል ርእይቶ ኣለዎ። ናይዚ ኣፍልጦን ተረድኦን ዘለዎም ሸነኻት ዳርጋ ከም ዘየሎዉ ኣጸቢቑ ካብ ተመክሮኡ ዝረኣዮ ሓቅታት ከም ዘሎ ’ዉን ደጋጊሙ ኣብሪሁ ነይሩ።
ተስፋ፡- ዝኾነ ይኹን ናይ ምምሕዛዉ ዉዑላት፡ ሕድገታት ብምግባር ጥራሕ ዝፍወስ ከም ዘይ-ኮነ ብሩህ እዩ። እንታይ ንምርግጋጽን ኣበይ ክብጻሕን ጥራሕ እዉን ዘይኮነስ እንታይ ረብሓታት ንምርግጋጽ’ዩ ዝብሉ ሕቶታት ምግምጋሞም ልዑል መድረኻዊ ተደላይነት ኣለዎም። እትገብሮም ዉዑላት ኣብ ምፍራስ ከተልግሶ እትደሊ ስርዓት ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ምትክኡ፡ ዝያዳ ኸኣ ንልኡላዊት ሃገርን ንሕሰም ህዝባን ዘላቒ ራህዋ ዝፈጥር፡ ንዜጋታታ ብምልኣት ዘለሊ፡ መደብ ዕዮ ካብ ሕጂ ምጽጻይ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ጸሓይ በሪቓ ክሳብ እትዓርብ፡ መንግስቲ ከምዚ ገበረ ህዝቢ ብኸምዚ ተሸጊሩ፡ እናበልካ ለለ ምባል ፈይዳ የብሉን። ህዝቢ ነቲ ዝነብሮ ዘሎ ሃለዋት ዘስተማቐሮን ከም ጥምየት ከብዱ ዝፈልጦን ስለ ዝኾነ። እቲ ጉዳይ፡ ፍታሕ ናይ ሽግሩ ዲኻ ወይስ ኣካል ናይቲ ሽግሩ ኢኻ ምፍላጥ ጥራሕ እዩ ዘድልዮ። “ኪዳን” ግን ካብ እትምስረት መቐጽልታ ኣካል ናይ’ቲ ሽግሩ እያ።
ቆላሕታ፡- ዉድባት ምብዛሕ መዓስ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ምኾነ። እቲ-ምንታይሲ፡ ማሕበራዊ ኣተሃላልዋ ብዝፈጥሮም ናይ ረብሓ (ጠቕሚ) ተጽዕኖታት፡ ኣብ መስርሕ ንጹር ዕላማ፡ ናብ ፍጹም ምትሕንፋጽ ኮነ ናብ ንጹር ግዝያዊ ሽርክነታዊ ምትሕቑቛፍ ስለ ዘብጽሑ። ስራሕ ወይ ተግባር - መልክዕን ቅርጻን ናይቶም ተዋሳእቲ ኣብ ምትዕርራይ ኮነ ምሕያል ተመዛዛኒ፡ ማዕረ ‘ዉን ወሳኒ ተራ ኣለዎ እንተ ተባህለ መዓስ ጌጋ’ዉን ኮይኑ ይፈልጥ። ነገር-ግን ክብጻሕን ከይብጻሕን፡ ኣብ ሕልምታት ዓጀዉጀዉ ተተርኢስካ ሃበስ-ቀደስ ደይ ደብዛዝ መንነት እዩ ዝፈጥር። ደሓር ከኣ ጽቡቕ ምንዮት፣ ተግባራዊ ስሐትን ንጹር መርገጽን እንተ ዘይ-ተሳንዮም - ሕልሚ ሕልሚ ምዃኑ መዓስ ይተርፎ።
ተሃድሶ፡- ፈንካሕካሕ ዝበለ ኣወዳድባ “ኪዳን” ንጹር ዝሃርሞ ናይ ሓባር ዕላማን ከመይነት ኣተገባብራኡን ስለ ዘይነበሮ፣ ንኣበርክቶኡ ኮነ ዕብየቱ ጨሪሱ ኣይሓገዘን። ሰላሳ ዓመታት ናይ ቃልሲ ተመክሮ ከምዘይሓለፈ ያኢ፡ ሃገር ልዕሊ ኹሉ ምዃና ተዘንጊዑ፡ ዝወለደት ትዉለድ፡ ጠለባት ህዝቢ ዘይኮኑ ትሕተ ሃገራዉን በታንን ኣርማ ምልጣፍ ኣይግድን። ኣበርክቶ ናይ እዘን ተሓናጊረን ዝኸዳ ወጫሊት፡ ቁንቁኖ ዉሻጠ፡ ንምጥፋእን ሃገር ምምቃልን ስለ ዝኾነ - ካብ ሕጅስ ይኣክል።
ተስፋ፡- ጉዳይ ምሕዝነታዊ ኣሰራርሓ ጌና ዘይተፈትሔን ንብዙሓት ዘጣይቕን ሕቶ ኮይኑ ኣሎ። ንብዙሓት ፖሊቲካዉያን ዉድባትን ባእታታትን መሕለፍ ግዜን ናይ ክርክር መጠዓዓሚ ዛዕባን ኮይኑ ምትራፉ ግን፡ ኣዝዩ የሕዝን። እዛ ኣሕዛኒት - ምቕሉል መልክዕን ቅርጻን ዝሓዘ ምሕደራ ዝሓረማ፡ ነቀይ-ነቀይ እትብል ዘላ ሃገር - ልቦናዊ ዕዙዝ ቆላሕታ ካብ ተቓዉሞታት ኮና ምሁራን ደቂ-ሃገር፡ ዘይግበኣ መዓስ ኮይኑ። ኣብ ክንድኡ፡ ምስ መሰረታዊ ጠለባት ህዝብና ዝራጸሙ ሃይማኖታዊ ተሓልቖታት ብንዕቀት ክትከላኸልን ከተሳስን ምፍታን ኣበይ ንምብጻሕ ኮን ‘ዩ?
ቆላሕታ፡- ጉባኤ “ኪዳን” ካብቲ ካለኦት ዝሐለፈ ተመክሮታት ጉባኤ ዉድባት ዝፈልያ ነገራት የልቦን። ተመክሮና ከም ዝሕብሮ፡ ጉባኤ መጸ ጉባኤ ክሓልፍ ናይ ምፍልላይ ድቂ ክጽፈ፣ ዉሕሉል ተመሳጊንካ ናይ ምዉጻእ ሸጣፊ ፖሊቲካዊ ባህሊ ጸኒሑ‘ዩ። ለብዘበን ዝተቐየረ ነገራት እንተ ሃልዩ ግን - መጋባኣያ ናይ መፈላለይኻ መጉልሒ መስትያት ኮይኑ፡ ከም ዓዉደ ኲናት ናይ ሰዓርን ተሰዓርን ከበሮ ዝድሰቐሉ፡ ኣብ ኤርትራዊ ባህሊ ዘይነበረ ነዉራም ተርእዮ ይደጋገም ኣሎ። ተመክሮ ጉባኤ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቃስ (EPM) ተግባራዊ ኣሉታዊ ኣብነት ምዝካር ኣኻሊ እዩ። ካብ ኣብ ዘይንጹር ጃምላዊ ምትእኽኻብ ዝፍጠር ‘ምሕዝነት’ ግዳ ኸኣ እንታይ ፋይዳ ከይህልዎ።
ተሃድሶ፡- ኣብ ባህርያዊ ድኽመታት ሕብረሰብ እናተሓባእካ፡ ንተኣምር ሓንቲ መዓልቲ እኳ ትኹን ብስሕታን ርእይቶኻን ዕግበትካን ከይነጸርካ ኣብቲ ወይለኹም ኣብቲ ኸኣ በይዛኹም - ንዉድብ፣ ንምሕዝነት ኮነ ሃገር ከመይ ጌርካ’ዩ ዝምራሕ? ንሃገርና ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘጻጥሕ እምበኣር በቶም ግብረ-እከያት ዝግበር ፈላላይን በታንን ወፈራ ዘይኮነስ፡ በቶም ነዚ ተግባራት’ዚ ክፍጸም ስቕ ኢሎም ዝዕዘቡ እዩ። ሃገር ብድልየት ዉልቀ-ሰባት ጥራሕ ትህሉን ዘይትህሉን - ክትከዉን እትኽእል ነይራ እንተ ትኸዉን ናይ ሓባር ክሊን ብዝሔ ተሳትፎ ብዘሎዎ ሓባራዊ ጠቕሚ ዘረጋግጽ ምትእኽኻብ ኣይምተሓስበን። ኤርትራ ኸኣ ኣብዚ ርትዒ ‘ዚ እያ ትነብር። “ሓንቲ ሃገር እያ ዘላትና፣ ክልተ ክንገብራ ኣይኮናን፣ እንተ ፈተና ‘ዉን ክትከዉን ኣይትኽእልን ‘ያ”። ዓብደላ ኣደም
ተስፋ፡- ንሓቂ ሓቂ፡ ንጌጋ ኸኣ ጌጋ ከይበለ ንኹሉ ከም ሻሙ፡ ዝሓለፈ ተራ ዓበይትን ማእከሎትን ካድራት ደኾን ሕዱር ሕማም ገዲፉሉ ’ዩ? ዓገብ - መሰረት ደኣ ዘዕቆቦም መትከላት ዝሕሉን ናይ ስራሕ ጽብጽብ ብዘይ ንሕስያ ዝቆጻጸርን ደኣ ‘ምበር መምስ እዋኑን ጠገለ ዘይብሎም ናይ ስራሕ ዉዕላትን ምብትታንን ተተቐቢሉ ብጸቢብ ነታ ዘሎዋ ዉድብ ጥራሕ ክሕለቕን ክከላኸልን መኣስ ምተገብኤ። መሰረት ዓቕሊ ክህልወካ ንቡር ባህርያትካ ኮይኑ ይስመዓኒ፡ የግዳ ኸኣ ሃገር ኣብ ከምዚ በጺሓቶ ዘላ ሃለዋት ክሳብ እትበጽሕ ዓቕልኻ ክጸሮ ይኽእል እዩ ኢለ ኣይኣምንን። ብዕድሜኻ ኮነ ዓቕምኻ ካብቶም ዝመርሑኻ ዘለዉ ዝፈልየካ ነገራት ‘ዉን የልቦን። እኳ ደኣ ዘሰክፍ ናይ ታሪኽ ገበናት የብልካን። ሓድሽ ናይ ቃልሲ ፖሊቲካዊ ባህሊ ከተተኣታቱን፣ ንጉዳይካ በዓል ዉራይ ኴንካ ክትመርሖን ከተማእክሎን፣ ግቡእ ኣቕጣጫኡ ኸኣ ከተትሕዞ መድረኽ ይጽወዓካ።
ተሃድሶ፡- ጌጋ ይኽለኣለይ፡ ዉልቀ-መሓዙት ኮኑ ዝምድና ዉድባት፡ ኣብ ተግባር ተለኪዑ ዝግበር ምንቅስቃሳት‘ዩ ዝዉስኖ። ኣብ ተግባራዊ ስረሓት ዘይዓኾኸን ዘይሰጠመን ናይ ጽሑፋት ጥራሕ ዝምድና፡ ቀለሙ ከይነቐጸ ብሕሹኽሹኽ፣ በለካ ለኽዓካን ናይ ትንኩልና ሃንደሳን ተፋሒቑ እዩ ዝማስን። ዝምእክሎ መለለዩ፡ ናይ ስራሕ ባህልን ልምድን ዘየጥረየ “ኪዳን”፡ ክበኣስን ክዕረቕንሲ ይትረፍ፣ ዘተሓትት መዝገብ ናይ ስራሕ ጽብጽብ ዘይብሉ፡ ኣብ ሑጻ ከም ዝተሃንጸ ኣባይቲ ኮይኑ ‘ዩ ጸኒሑ። ኣብ ነበረያ-ነበረ፣ ሕሉፍ ያታታት ተቐይድካ ምትእምማን ዝጎደሎ ሃዋህዉ ከተሳሲ፣ ለበምኩ ንማለት’ዉን መልሓስ ከተጠዓዕም፣ ጠለባትን መስዋእትን ህዝቢ ኤርትራ ጠማዚዝካ ንሓደጋ ናይ ምብትታን ምጽጥሑ፡ ዘይተኣደነ ጻዕርታት ክግበር ተሓግዩ እዩ።
ቆላሕታ፡- ሕማቕ ዝመጋብሩ ዓማጺ፡ ሰባት ክጣለሙ የጋፍር እንድዩ - ኣብ ሓደ እዋን ክልተ ኴንካ መዓስ ይኽየድ። ነቲ ንባዕሉ ከም ፍጡር ንዘሎካ ክብረት ዘነኣእስ፡ ከም ዝሃጎገ እኽሊ እናሓደርካ ትፈኩስ’ሞ ሞራላዉን ኤቲካዉን ጥፍሸት ዝበከሎ ናይ ዕንቅፋት መደልደል - ኣዕኑድ ኢኻ ትኸዉን። ጽፈት ኩሉ ግዜ ኣደ ኣብነት’ያ። እንተ ቆዶ ቆዶ፡ እንተ ዘይቆዶ ኸኣ ናብ ዝበረቐልካ ክትዛዙ ክልተ ዓይኒ ምርኣይ፡ ኣይ ንምሕዝነት ኣይ ከኣ ንሓድነት - ንተነጽሎ ኢኻ ተንቆልቑል።
ተሃድሶ፡- ዉደባ ሕጂ ‘ዉን ዉደባ - ኣብ መሰረተ ምክብባርን ማዕርነትን ዝተነድቀ፡ ንሃገራዊ ክብሪ ልዕልና ዝሃበ፡ ንዜጋታታ ብምልኣት ዘኽብር፡ ጽኑዕ ዉደባ - ናይ ዓወት ብስራት ከኣ’ዩ። ምሕዝነት (ኪዳን) ኣብ መጀመርያ ምስርሑ ዝፈረሰ ምትእኽኻብ ናይ ምጽጋኑ ነጻ ክፍሊ ዘይብሉ ብናይ ጽልእን ተንኮላትን “ቶኖኮ” ዝተለጠፈ፣ ናይ ህልኽ ዳንኬራ - ወርቃዊ ዓመታት በሊዑ ‘ዩ።
ተስፋ፡- ሓያል ዉድብ ምህናጽ ኮነ ንዴሞክራስያዊ መትከላትካ ምጥባቕ ንቡር እንድዩ። ነዚ ጭረሖ ‘ዚ ዘልዓለ ዉድብ ኣኻእሎ ይሃብ፣ መዓስከ ይንጸግን ይፍራህን። ኣእዳዉካ ዘርጊሕካ ኣገናዕ ትብሎን ተመጉሶን ‘ምበር። ጉዳም፡ ሕንከት ዘይብሉ ናይ ለንቀነ ጉስጣዊ ክሲታት፡ ነዚ ዝነቅፍን ዝፈርህን ጽሑፋት ክቀላቐል ቀንዩ።
ቆላሕታ፡- ተቓወምቲ ናይ ተቓዉሞ (OTTO) እንዳ’ሉ፡ ብዓምባኹ ክለሳ-ሓሳባዊ ኣምር፡ ሉሕ ምስ ዚንጎ ብኮላ ከላግቡ ዝጸንሑ ወሓሉ - ሕጂኸ እንታይ ክምህዙ እዮም? ዘሎናዮ መድረኽ ዝሓቶ ዓይነት ምምሕዛዉን ጠለብን - ንምልኪ ዝትክእ ምቕሉል ዴሞክራስያዊ ምሕደራ ምትእትታዉ፡ ንሃገረ ኤርትራ ዘቖሙ ኤትኒካዊ ኮኑ ኣዉራጃዊ ኣቀማምጣ ብናይ ኩሎም ዕግበትን ተሳታፍነትን ዝብጻሕ፣ ሃገራዊ ሓልዮት ዘሰነዮ ብጽኑዕ ትካላዊ ሓለዋ ዝጓሰ ቅዋም ምርግጋጽ ጥራሕ እዩ። ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት፡ ንኤትኒካዊ ጠለባትን ሕቶታትን ጠገለ ብዘይብሉ 3ተን፡ 4ተን ጸኒሑ ኸኣ 4ተን፡ 5ተን ዓንቀጻት እናተባህለ ደባሊቕካ ክጽርገፍ ምዕዛብ፡ ትዕዝብትን ቆላሕታን ናይ ገለ ዴሞክራስያዉያን ምኩራትን ምምሁራንን ኣይማረኸን ማለት ኣይኮነን። ብቕኑዕ መንፈስ ዝመጽእ ጠለባት፡ ብህዱእን ተኸባባርን መንፈስ፣ ንሃገራዊ ዕብየት ብዘጣይስ ኣቕጣጫ፣ ዓቕሚ ሃገር ዘፍቅዶ ፍተሓት ምንዳይ ናይ ኩሉ ሸነኻት ሓላፍነት ‘ዩ። እንተ ‘ቲ ብዛዕባ ሃይማኖት ብዝምልከት ግን “ባዕልኽን ሰራሒት፡ ባዕልኽን ከ ፈንጣሒት” ኮይኑና ‘ሎ። ብቐደሙ እዚ ኩሉ ሃልከት እንታይ ኣምጸኦ? “ሃይማኖት ናይ ግሊ፡ ሃገር ከ ናይ ኩሉ” እንድዩ። ንኽብደት ናይ “ኪዳን” ባይታ ዘጥዓመ፡ ናይ በዓላት ዉራይ፡ ሕማማት ክጸሓትሩ ናይ ዘበኑ ሰብ ቆለ ዘምጽኡዎ ጸረ-ሃገራዉነትን ጸረ-ልዑላዉነትን መሰረተ-ኣልቦ ጠለባት፡ ኣብ ዋኒን ሃገራዊ ጉዳያት ጽላሎት ዘምበረ ናይ ኣርባዓታት ጠንቂ - ማርሻ እንዴትሮ - ተሓምበለ ሓግዩ። ዝኾነ ይኹን ኣብ ፖሊቲካዊ ቁሩቁስ ሃይማኖታዊ ተንከፍ ኣወዳድባ ዘማእክል ሸነኻት፡ ናይ እዋኑ ጸገማትና ስለ ዘይኮኑ ፖሊቲካዊ ዉድባት ኮኑ ሃገራዉያን ዓበይትን ምሁራትን፡ መራሕቲ ሃይማኖታትን ሲቪካዊ ትካላትን፡ ክዉግዙዎን ክንጽሉዎን ሃገራዊ ግዴታኦም እዩ።
እንታይ ኮን ‘ዩ ዝድለ ዘሎ ? . . . ህዝብስ ሰላምን ቅሳነትን ኣዩ ዝደሊ፡
ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና ! ! !
ይቕጽል . . .