ነግ ፈረግ ከይበልኩም ኣብ ዘተ ኣትክሉ

 

 

ካብ ምረት ናብ ምረት ኣንዳ ተወሰኾ ናይ ተስፋ ምቑራጽ መገዲ ቃልሲ ኣብ ዕጹው ንምብጻሓ ዝተወስደ ዘይምለስ ወርቓዊ ዓመታት ዘይምለስ ኾይኑ ኣሎ ። ኣብ ክንዲ ሓቢርካ ጸረ ጸላኢ እተትኽል ፡ ንሓድሕደን ውድባት ክማናጨታን ክኻሰሳን ኣነ ይዓቢ ንዓይ እዩ ዝግባ ፡ ብምባል ብትምኽሕቲን ጽበትን ዝዓወሩ እዮም ። ርብሓ ህዝቢ ዘይኾነስ ርብሓ ውድባቶንም ውን ኪኮኑ ኣይክእሉን እዮም ። ነዚውን  ዓወት ተወሲዱለሲ ምህትፍታፎምን ምግዓሮን ይገድድ ።   ምሕያልን ምዕባይን   ጽቡቕ ግን ክንዲቲ ዝልፍልፎኦን ዳንኼራ ዝገብርኦሮን ክዲኡውን ከድምዓ ኪኽእላ  ይግባእ ።  ጥራይ ናብ በለካ ለኽዓካ ኣቦ መንበራት ክትኸውን ኣይግባእን ። እቲ ዓቢ እየ ዝብል ውድብ ነቶም ኣትኺሎም ዝቓለሱ ውድባት ዓይኖም ደም ብምምላእ ክስን ወዲ ክስን እንዳ ጻሕትሩን  ናብ ኢትዮጲያን ኸድምይዎ ከጥፍእዎ ዘይምሃዝዎ መንገዲ ናይ ፍሽለቶም ዘይፈጸዎ ብልሃት የልቦን ።

ብኣመራርሓን ዝፈሸሉን ፈሺልና ኢና ዝበሉ   እቲ ንሶም ዝመርሕዎውን ከም ዝፍሽል  ርግጽን ሓቕን እዩ እንርእዮ ዘሎና እዩ ።  

ወረ ትማሊ ትማሊ ምስ ናይ ሃይማኖታውያንን ብሄራትን ሕቶ ዘለዎም ኮፍ ኣይንብልን ኢና ዝበሃለሉ ዝነበረ ክንደይ ዳንኸራ ዝነበሮ ፡ንሶም ወሃብቲ መሰል ከላእቲ መሰል ኾይኑ ዝስምዖም ዝነበረ ፡ እቲ ባህርያዊ ተፈጥራዊ መሰል ወዲ ሰብ  ዝኮነ ።ዝኮነ ይኹን ናይ ጊዜ ሕቶ እንተ ዘይኾይኑ  ዘልምሶ ዋላ ሓደ የልቦን ። ንሱ ስለ ዝኾነ ኸኣ ብቓልሶም ዘረጋግጽዎ ካብ ምሕዝነት ክሳብ ኪዳን ኣብ ሓደ ጣውላ ኮፍ ምባልን ምዝታይ ዝተፈጥረ። ካቢኡ ኸኣ 3ን4ን ዘለዋ ዓቐጽ ከይተላዕላ ሓንቲ ነገር ክንገብር ኣይንክእልን ኢና ብምባል ብዙሑ ሰሚናራት እባጋሮን ተካይዱሉ ። ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ኣዲስ ኣበባ ኣኼባ 3ን4ን ተላዒለን ተባህለ ቃላት ቐይሮም እሞ ተላዒለን ቕያ ክንርኢ ኢና ። እንተ እቶም 3ን4ን ዝበሃሉ ንጸላኢ በታ ዓቕሞም ዘድምዩ ዘለው እዮም ። ነዚኦም ከ መሬቶም ነብሶምን ናበይ ከልዓልዎም እዮም ። ግቡኡን መሰልን ዝሓትት ሰብ ኣይስዓርን እዩ ። ሕጂ ውን ኤርትራ ናይ ብዙሓት ህዝብታት መሬት እያ ።  

ጉባኤ ብሓንሳብ ተኣኪብካ እትዛተየሉ እዩ ። ገደብ ውን የብሉን ምኽንያቱ እቲ ዝለዓለ ናይ ቓልሲ መርሖ ስለ ዝኾነ ። ኣብ ጉባኤ ሕልኽልኽ ዝበለ ሓሳባት ክህሉ ዝኽእል እዩ ፡ ክህልውን ኣለዎ ፡ ብከመይ ክፍታሓ ኣለዎ ብዝብል ተሪር ልዝብ ብምኽያድ ጥራይ እዩ  ዝፍታሓ ፡ እዚ ተሪር ልዝብ ዘብሎ ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ኣይተፈትሔ ናብ ካላኣይ መዓልቲ ተተሓላልፎ ኣይሰለጠን ናብ ሰሙን ተተሓላልፎ ኣይተኻእለን ናብ ካላኣይ ሰሙን ተተሓላልፎ ኣይተኻእለን ናብ ወርሒ ተተሓላልፎ ኣይተኻእለን ናብ ካልእ ወርሒ ተሰጋግሮ ኣይተኻኣለን ከም ዘለዎ ክፉት ገዲፍኻ ዓበይቲ ለባማትን ሸምግለን ብምግባር ብኸምኡ እንዳ ገበርኻ እዩ እቲ ዝበሰለን ሓሳባት ትረኽቦ ፡፡ ንእትገብሮ ኣትኺልካ ክትዝቲ ይግባእ ። ምክንያቱ ተሰኪምካዮ ዘሎካ ሓላፍነት ሃገር ዘድሕን ስለ ዝኾነ ከምቲ ምስላ ኣቦታት ጭጉራፍሲ ነፍሳ ሃሪማ ተኤዊ ከም ዝበሃል ንእትገብሮ ሓቂ ከም ዘሎኻ ከተምስል ብቕልጡ ሽግራትካ ምቕላዓ  ድክመት እንተ ዘይኾይኑ ኣብ ሓቂ ንክትሰርዖ ኣጸጋሚ እዩ ፡፤   

እዚ ኹሉ እንታይ ኣምጸኦ እንተተባህለ ስርዓት ህግደፍ ናይ መወዳእታኡ እዩ ብምባል ስልጣን ከየምልጣና ብምባል ዝተጠጀኤ ውደባ ኣብ ልዓሊ ኪዳን ብምግባር እቲ ውጺኢት ኸኣ ናይ ህዝብና ተስፋ ዘቁርጽ ኾይኑ ወጸ ። መመሊሶም ኣብ ኣኼባ ዝፈሽሉ ኾይኖም ወጹ   ። ብሕጂውን ካብዚኦም ብጀካ ምፍልላይ እንተዘይኮይኑ ዘስዕብዎ ዘምጽእዎ ቁም ነገር የልቦን ። ብኸምሲ ኣመራርሓን ዝመርሑ  መራሕቲ ነዚ ስርዓት ኣብ ባጽዕ ዘሎ ክምኽቱ ዘይሕለም እዩ ። ስለዚ ሕጅውን ካብዚ ዓይነት ጭርጭር ዓበደ ክንወጽእ እንተ ኾይኑ ልዝብ ብምክብባር ዘለዎ ክንውንኑ መታን ካብ

ትምክሕትን ጽበትን ክላቐቑ ይግባእ    ።

                              

               ገ/የሱስ መስፉን  ሽቱትጋርት ጀርመን

               

                  

ዓውት ንቁዑ ቓልሲ

                ዘልኣለም ዝኽሪ ንስውኣትና 


--