ካብ ሃገር እንግሊዝ ዝተላእከልና ብሩጡብነቱ እንተኣማመነሉ ሓጺር
ሪፖርት
ሎንዶን ዓዲ-እንግሊ 26/2/12
ክሳብ ሎሚ ዘይመጽሓፍየይ ገለ’ዶ ኾን ለውጢ ይረከብ ይኽውን ብማለት ኢዩ ነይሩ። ዋላ ሓንቲ
ለውጢ ገና የልቦን።
ክትሓትት ተባሂሉ ዝተላአከት ጓል መዋቲ ጌና አይተመልሰትን። ክሳብ ሎሚ ከኣ አበይን
መአስን ከም ዝቕበር አይተፈልጠን።
መጀመርታ ወይ ምስ ዓረፈ፡ አምበሳደር ተ. ገራህቱ ምስ ብጾቱ ብወግዒ ከም ዘበጽሐን፤
መብልዕ ቁርሲ ምስ ረአየ ድማ “ሓላፍነት መንግስቲ ስለ ዝኾነ አልዕሉዎ ደአ” ከም ዝበልን ላዕለዎት ሓለፍቱ
(ማንኪን ናይ ወጻኢ ሚኒስተርን አሰኒዩ ከም ዝበጽሕዎን ተረጋጊጹ። ሬሳ መዋቲ ንፍትሓት ናብ ቤተ-ክሪስቲያን ምስ
ከደን፤ ፍትሓት ምስ ተወድአን፡ ታሪኽ መዋቲ ክንበብ ምስ ተሓተ፤ ስለ ዘየዳለዉን ዘይነበሩን ከይተነበ ጥራይ
ዘይኮነስ ገለ ዘይንቡርን ዘይተጸበዩዎን ከም ዘሎ ተረጋገጸ።
ካብታ መዓልቲ ፍተሓት ንደሓር እዩ ድማ እቲ ጉዳይ ናብ (ፓብሊክ) እቲ ወረ ዝተዘርግሐ።
እቲ ሽማግለ ካብ ህዝቢ (አተውቲ-ወጻእቲ ኤምባሲ) ንኽሓቱ ከይዶሞ ዝበሃል ከኣ፡ ሓቂ ክነሱ
ብስሩዕ ወይ እውን ብጥርናፈ ዝተላእኩ ዘይኮነስ በቢመንገዶም ስለ ዝንበረን ብዝተፈላለዩ ሰባትን አብ ዝተፈላለየ
እዋንን ብምንባሩ በዚ መዓልትን ሰዓትን ክበሃል አጸጋሚ ኮይኑ ረኺበዮ አሎኹ።
|