እዝክሮም ንስወአት

 

ስውአት...

ዲኺ ዝበልኪ ሓቀይ

ዲኻ ዝበልካ ዝሓወይ

እቲ ክብጆ'የ ዝብለ ንህዝበይ

እታ ክሓልብፍ'የ ዝበለት ንሃገረይ

እቲ አይዕመጽን'የ ዝበለ እምብለይ

እቲ አይጉዕጸጽን'የ ዝበለ አይፋለይ

ስውእ፡ ስውእቲ፡ ዝወደቁ ምእንታይ

እዝክሮም ኩብራት ስውአተይ።

 

ስውእ...

ካብ ዝማሞቀ ቤትካ ወጺእካ

ዓቅበ_ቁልቁለት ዝወረድካ

ከም አራዊት በረኻ ሰፊርካ

ንዓመታት ምእንታይ ከርቲትካ

አማስያኡ ሂወትካ ዝከፈልካ

ዘንተ እለት ክዝከር እዩ ስምካ።

 

አንታ ስውእ...

ነበረ ከይከወን ታሪኽና

ነበረ ከይኸወን ስምና

ተሓጉሶም ከይሓድሩ ጸላእትና

ጥፍአት ከይኸወን ሕፍስቶና

ሽምዓ ኮንካ፡ መብራሕቲ ንዓና

ይሓልፍ አይነብርን'ዩ ጅግና

ተዘከሩ ዝሓለፍኩም አሕዋትና።

 

ስውእ ተጋዳላይ...

አእጽምቱ ዝዘርኤ ፈቀድኡ

ደሙ ዘስተየ ከርኤና ፍረኡ

ዋልታ ሃገር ዘይድፈር በቂዑ

አብ ከበሳ ሳሕል ፈቀድኡ

ስንጭሮ እምባታት ይመስክር ግደኡ

ጎቦታት አኽራናት ይመስክር ግደኡ

ቀንደል ኮይኑ ብርሃና ወሊዑ።

 

አንታ ስወእ...

ተዋጊእካ ዘድማዕካ

ሞጊትካ ወን ዝረታዕካ

ሰብ ጽሩራ ጀነራላት ዘፍሽልካ

ባዕዳውያን ዘባረርካ ቅያ ዝሰራሕካ

ሕቆ መግዛእቲ፡ ክርትምትም ዘበልካ

ዓኾኻይ ኢልካ ጻብእ ዘባረርካ

ብዃና አዕጽምኻ ሃገር ዝጋረድካ

ዕስራ ሰነ ትዝክር ንዓኻ።

 

አንታ ስወእ...

ደምካ ዘፍሰስካ፡ ሂወትካ ዘይበቀቅካ

አዕጽምቱኻ ዝኸስከሰካ፡ በጃይ ዝሓለፍካ

ጸልማት ቅንጢጥካ፡ ብርሃን ዘልበስካ

ዓወት ንሓፋሽ፡ መዛዘሚት ቃልካ

አብ ልበይ አሎኻ፡ ስጋብ ዘርክበካ

ምስጋና እዩ ዓቅመይ ንሱዶ ዓብይካ።

 

ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ

አእምሮ ኪዳነ