Photo: IRIN                                                                      
             

May 13-19-07   .. ARCHIVE                                                                          FORUMS Meskerem   Adal
                            free geez  www.geezsoft.com  unicode webmaster  Google  Tigrinya ,  Arabic   Updated 05/29/2007 22:01    እንታይ እዩ ወሪድና?

TV-RAHWA | TV-ADAL| TV-ZETE | VOICE OF DEMOCRATIC ERITREA INTERNATIONAL  |  VOICE OF LIBERTY  |  VOICE OF    AMERICA |  

ቀደማይ ሕቶ፡ ብጉዳይ ስግአት ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡
( እዚ ሕቶ ብመገዲ ኢመይለ ናብ ኩሎም ተላኢኹ፡ አድራሻ ኢመይለ ግልጺ ከይገበረ ከም ሰነድ ንህዝቢ ክቐርብ እዩ።)


ናብ ዝኸበርኩም ( ደቂ አንስትዮ ሰለዘየለዋ)፡

  • ብመገዲ ተጋዳላይ መንግስትአብ አስመሮም፡ ጊዜያዊ አቦ-ወንበር ኪዳን ቁ1፡ ንአቦ ወንበራት ንኪዳን ቁ1 ዘቖማ 2 ውደባትን 1 ሰልፍን

  • ብመገዲ ተጋዳላይ ሑሰን ከሊፈ፡ አቦ-ወንበር ኪዳን ቁ2፡ ንአቦ ወንበራት ንኪዳነ ቁ2 ዘቖማ 7 ውድባትን ምንቅስቓሳትን

  • ተ/አቦ ወንበራት ካብ ኪዳን  ወጻኢ ዝርከባ ውደባትን፡ ሰልፍታተን፡ ምንቅስቐሳትን

  • አቦ ወንበራት አብ መረብብ ኢንትርነት ነፍሰን ዘላለያን ሰተዋስአን ሲቪካዊ ማሕበራት    


ሕቶ ቁ1፡ አብዚ ዝሐለፈ ቅንያት፡ መሪሕነታት ኪዳን አኸባታት አብ ዘካየደሉ ጊዜ፡ ሓደ አገዳስን መሰረታውን ዝኾነ ሕቶ ተሓቲቶም ቀጥታዊ ዝኾነ መልሲ ከይሃቡ ሸተት-መተት ኢለም ዘሐለፈዋ ደጊምና ከንሐታ ኢና። እታ ሕቶ ኸአ ከምዚ ትስዕብ እያ። (ብዛዕባ ህግድፍ ዘየተጠቕሰ ተባሂሉ አብ "ቀሚሽ" ቆይቂታት ከይንሕባእ ሓደራ፡ ቦ ጊዜ ለኩሉ።)

ኩናት አብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጽያን እንተተጀመረ፡ መርገጸኩም እንታይ ይኸውን?

     ሀ) አብ ጎኒ ህዝብኹምን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ደው ብምባል ንሃገር ትከላኸሉዶ?

     ለ) አብ ክለሰ-ሓሳበዊ መሕቢኢታት ተኸዊልኩም፡ መርገጽ ከይሐዝኩም፡ ካበ ምክልኻል ሃገር ዓዲዶ ትውዕሉ? ወየስ

    ሐ) ምስ ኢትዮጵያ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ መገዲ ብምወጋን፡*   ንሃገርን ህዝብን ኤርትራ ብምኽዳዕ ምስቲ አብ ቅደሚ ዓለም ንገባር ህዝቢ ሶማል ንሕሰያ ብዘይብሉ ናይ ሕነ-ፍደ ኢሰበአዊ ስጉምቲ ብምወሳዱ በዎር ክራይመስ ዝኸሰስ ዘሎ  ወራሲ  ናይቲ አብ ልዕሊ ህዝብና አራዊታዊ ስገምቲ ዝወሰደ ጦር ስረዊት ተሰሊፍኩም ንሃገረ ኤርትራ ተወግኡ፡ 

*(ከምተን ክልተ አባላት ምሕዘንት-ነበር ናይ ብሔር ውድባት አብ ጊዜ  ኲናት ባደመ ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ተሰሊፈን ንሃገር ዘወግአ ( ሰነድ አኸባ በይ አርያ ተወከስ፡ )

 
   ዕለተ ናጽነት ንምብዓል አብ አንዳለወሉ፡ ውራይ ክንገብርን ክንስዕስዕን ጥራይ ዘይኮነ፡ ብቐዳምነት፡ ነቲ ናጽነት ንምርግጋጽ ዘተኸፍለ ሰፍ ዘይብል መስዋእትን መውጋእትን ብርሰት ንብርትን እንዝክረሉን እነስተነትነሉን፡ አብ ውራያትና፡ ንዝኽሪ ስዉአት ርእስና አብ እነድንነሉ ደቒቕ፡ ኣእምሮና ናብ መድረኽ ብረታዊ ተጋድሎ መሊስና፡ ነቶም ብደም ዝጠልቀየት ኩሹኮም ጠቕሊልና ቀቢርናዮም ዝመጻእና፡ ካብ ቤተ-ሰበና ዝይዳ አንፍቅሮምን አንፍቅረንን ዘነበረና ብጾትና ጀጋኑ ተጋደልቲ ሰራዊት ሐርነት፡ ጀጋኑ ህዝባዊ ሰራዊት፡ጀጋኑ መለሻ፡ ከምኡ'ውን ናይ ሓፋሽ ውደባት አንዝክረሉ ጊዜ እዩ። ካባና ዘይውሕድ መስዋእትን ሕሰምን ዘረኸበ ህዝብና መጎሰ ይኹንካ፡ አታ ጅግና ህዘቢ! አንብለሉ ዕለት'ውን እዩ።
   
    ዑና አይክትድገምን እያ፡ ሓፍታ ጻዕዳ ክስታን'ውን አይክትድገምን እያ። ከምቲ አጥባት አደታትናን አሐትናን ዝተዘለዘለ፡ ከምቲ ኤርትራዊ ሕጻን ከይውልድ ከብዲ ጥኑሳተና ብሳንጃ  ዘተጠብሐ፡ ከምቲ ከሳውዲ መንእሰያትና ብናይ ፒያኖ ሰልኪ ዝሐለቐ፡ ከምቲ ደቂ አንስትዮና ተዐሚጸን ተሐኒቐን ዝተሰወራ፡ ብተካእቲ ጦር ሰራዊትን ቀይ ሽበርን ይኹን ካልእ ግዳማዊ ሓይሊ ደጊም አይክደገምን እዩ ኢለና ንስዉአትናን ንግዳይ አራዊታዊ ግፍዒ ኢትዮጵያ ዝነበረ ህዝብና ማሕላና እነሐድሱሉ ሰሙንን ዕለተን እዩ፡፡ ብስዉአትና ንዝተዋህበና ሕደሪ ደጊምና ገጥ አንብለሉ። አብሽሩ አንብለሉ'ውን፡፡

    እዚ መድረኽ፡ ብሰንኪ'ቲ አብ ከባቢና ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት፡ አብ መንጎ ኤርትራን አትዮጰያን ውግእ ከይጅመር ስግአታት ዝረአየሉ ዘሎ መድረኽ እዩ። ናጽነትና ክቕልብሱ ዝደልዩ ኢትዮጵያውያን፡ አብ ልዕሊ'ታ ከም ብለን ዓይንና ንርእያ ሃገርና ወረራ ኽግበር ዓው ኢሎም ብጉሃድ ክፍክሩን፡ መንግስቲ ኢትዮጰያ ወረራ ኸካየድ ክጽውዑን፡ ዲገመን አይረኸባአን እየን ኢሎም ክብድዑን ንሰምዕን ነንብብን አለና፡፡ ገለ ውሑዳት ሸነኻት፡ ንነፍሰም ከም አካላት ደንበ ተቓወሞ ኤርትራ ዝፈልጡ፡ ናይዞም ኢትዮጵያውያን መሳርሒ ብምዃን፡ ሃገርና ክትውረር፡ መሬትና ተቖሪሱ ገጸ-በረከት ከውሃብ ሰገጥ ከይበሉ፡ ምሰቶም አብ ልዕሊ ሃገርናን ልዕላወነትናን ዝሕንሕኑ ዘለዉ ኢትዮጵያውያን ተሰሊፈም አብ ልዕሊ መቓበር ስዉአትና ክሕንበጡ ንርእይን ንሰምዕን ከአ አለና።

   ጅግና ሰራዊት ሓርነትን ህዝባዊ ሰራዊትን፡ ሃገር ናጻ ናይ መውጻእ እጀሙ ገይሩ፡ ናጽነትናን ልዕላወነትናን ዝከላኸሉ ጀጋኑ ወሊዱ፡ በሉ ሕድሪ፡ ሃመማ'ውን አብ ከባቢአ ከይዝነቢ አሉ፡ ናይ ሃገር ምክልኻል ሓለፍነት ንዘሰኮሞም፡ መቐጸልታኡን መተካእቱኡን ዝኾኑ መንእሰያት ጀጋኑ ናይ ኤርትራ ናይ ምክልኻል ሓይልታት፡ በዞም አብ ላዕሊ ዘተጠቕሱ ክነኣአስ፡ ክቆናጸብ፤ ማይ ከምዝዓሞኸ፤  ከም ጸላኢ'ወን ክቐርብ ይስማዕ።

   ነዚ ክድዓትን ጥልመትን ምሻራውን፡ ዛጊት፡ በኪዳናት፡ ብውዳባት፡ ብማሕበራት (ውሑዳት ገዲፍካ) ተቓውሞን ምቅላዕን ስለ ዘይተራእየ፡ ህዝብና አብ ልዕለና፡ አብ ልዕሊ ናይ ኤርትራ ተቓውሞ፡ ስክፍታን ምጥርጣርን ከስምዕ ይርከብ። ትማሊ፡ ብሰንኪ'ቲ አብ ቻርተር ኪዳን ሰፊሩ ዝነበረ ናይ ሸሪዓን ኢትኒካዊ ኲናት ንምብራዕ ዘዓለመ ኢትኒካዊ ምፍንጫል ዘፍቅድ ዓንቀጻትን፡ ነቲ ሓቀኛ ዲሞክራስያዊ ቃልስና ዘይመልክዑ ብምሃብ ህዝብና ከም ዝነጽገናን ዝርሕቀናን ገቢርዎ። ሕጂ ኸአ፡ ብሰንኪ እዞም ውሑዳት ከዳዓት፡ እቲ ሓቀኛ ናይ ለውጥን ዲሞክራስን ቃልስና ዘይናቱን ዘይመልክዐን ይሕዝ ሰሎ ዘሎ፡  ንሕና፡ አብ ህዝባዊ መድርኽ ወጺእና፡ ብጉዳይ ልዕላውነት ሃገርና፡ ብጉዳይ ስግአት ኲናት ኤርትራን ኢትዮጰያን፡ ብጉዳይ ሓድንት ህዝበና ብጉዳይ ምክልኻለ ሓይለታተ ኤርትራ ዘለና ሓቀኛ መረገጻት ብወግዒ አብ ቅደሚ ዓለምን ታረኽን ንህዝብና፡ ክንሕበሮን ከነፍልጦን ይድለ።

    እምበአርከስ፡ መስከረም ብመሰረት እዚ እብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ፡አብ ቅድሚ ህዘብን ታሪኽን  ንደንብ ተቓወሞ  ብአኽብሮት ነዞም ዝስዕቡ  2 ሕቶታት የቕርብ።

 

 
 
አብ ናይ 2002 አኸባ ምሕዝነትን ድሕሪኡን ተወገደን ተተከአን
ካብ ቻርተርን መርገጻትን ምሕዝነት ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራ
...ንምንታይ? ሕቶ ቁ2
( ሕቶ ቁ1፡ ብመገዲ ኢመይል ናብ ኩሎም  ዝምልከቶም ድሕሪ ምልአኹ ናብ  ሕቶ ቁ2 ክንሰግር ይፈቐደልና)
ካብ ሃገራዊ ምሕዝነት ሓይልታት ኤርትራ ናብ ዲሞክራስዊ ኪዳን ኤርትራ፡፡   ምንቁልቋል  ሃገራውን ህዝባውን አጀንዳን ስግአት ላሕኲ/ጭዉያ ብኢትዮጵያዊ አጀንዳን
ዝተወገደ ..ዘልገሰ ካብ ቻርተር ምሕዝነት ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራ ድሕሪ ናይ 2002 አኸባ ምሕዝነት - ኪዳን ዝተተከአ
  1. ባድመ መሬት ኤርትራ እያ። ( መእተዊ ቻርተር ምሕዝነት ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራ)

  2. ልዕላውነትን ሓድንት ህዝብን ምዕቃብ ( ዓንቀጽ ቻርተር)

  3. አብ ውሽጣዊ ጉዳያት ጎረባብቲ ሃገራት ምትእትታው ዘይፈቅድ( ፖለቲካዊ ይኹን ወተሃደራዊ) አብ ምክብባርን ሓባራዊ ረብሐን ዝረገጸ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ (ዓንቀጽ ቻርተር)

  4. አብ ዜ ኵናት፡ ኢትዮጵያ ካብቲ አብ ውሽጢ አትያ ሒዛቶ ዝነበረት ልዕላዊ መሬት ኤርትራ ብዘይ ቀድመ ኩነታት ክትወጽእ ምጽዋዕ፡ (ኢብራሂም መሐመድ ዓሊ አ/ወ ምሃሓኤ)

  5. አብ ልዕሊ እቶም አብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኤርትራውያን ዝተወሰደ ኢሰበአዊ ናይ ምስጓጔ ስጉምቲ ምኹናን (ጋዜጣዊ መግለጺ)

  6. እሩም ዲፖሎማሲን ምሕያል ዝምድና ምሃሓኤ ምስ መንግስቲ ሱዳንን

  1. ብመሰረት'ቲ ብኢትዮጵያ ዝቐረበ 5  ነጥቢ፡ ብጉዳይ'ቲ ቻርተር ምሃሓኤ "መሬት ኤርትራ"  ዝበሎን ብውሳነ ዶብ ኮሚሽን ደጊሙ ተረጋገጸን ጉዳይ ባድመ፡ ዘተ ኽግበር ምሰ ናይ ኢትዮጵያ እማመን "አጀንዳን" ምሰምማዕ

  2. ለውጢ ብዋጋ ልዕላውነትን ሓድነት ህዝብን ዘይምንጻግ

  3. አብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኤርትራን ተቓወሞ ኤርትራን  ናይ ኢትዮጵያ  ኢድ ምትእትታው ምዕዳም፡  ምፍቃድ

  4. ብመሰረት ውሳነ  ናይ ዶብ ኮሚሽን፡ ኢትዮጵያ ካብቲ ሒዛቶ ዘላ ልዕላዊ መሬት ባድመን ካልእ ከባቢታትን ክትወጽእ ዘይምሕታት፡ ይግባይ ዘይፈቅድ ወሳነ ክነሱ ደረት ዘይብሉ ዳግማይ ዘተ ኽግበር፡ አሞ ኸአ እቲ ተዛታያይ እቲ  አይንፈልጦን አንብሎ ስርዓት አስመራ

  5. ብአይውግእ አይሰላም፡ አብ ልዕሊ ህዘቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ መከራ ሓላፍነቱ እንተላይ'ቲ  ዶብ ክይሕንጸጽ ዝሕንድ ዘሎ መንግሰቲ ኢትዮጵያ ምኻኑ ዘይምእን፡ መርገጽ ዘይምሓዝ

  6. ምድኻም ምሕነት ምሰ መንግሰቲ ሱዳን፡ አብ  ትሕቲ ፍጹም ምሕረት ኢትዮጵያ ምእታው።

አብ ወርሒ መጋቢት 1999፡ ምሕዝነት ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ አብ ኢትዮጵያ ብምድፍፋእ መንግስቲ ኢትዮጵያ አኸባ ድሕሪ ምግባር፡ ናይ ፈለማ አዋጁ ናብ ህዝቢ ምስ ዘርገሓ፡ ዋላኳ ጌና አብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ውግእ እንተነበረ፡ ዋላውን አብ ኢትዮጵያ አኸባኡ እንተአካየደ፡ ወጽኢት አኸባኡን መሰረታዊ መቐሚታቱን ቻርተሩን ብመልክዕ አዋጅ ናብ ህዝቢ ምስ ዘርግሓ፡ ካብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፋለይ ካብቲ አብ ወጻኢ ዘነበረ ህዝቢ፡ ቅድሚኡ ተራእዩ ብዘይፈልጥ፡ ድሕሪኡ ክድገም ይኽእል ኢዩ ኢልካ ተቢት ክግበረሉ ዝይኽእል ተቐባልነትን ደገፍን ረኸበ። ጨናፍር ምሕዝነት ብድፊኢታት ህዝቢ አብ ሙሉእ ዓለም ተፈጥራ። ሲቪካዊ ማሕበራትን፡ ናይ ሰብአዊ መሰል ትካላትን ፈቖድኡ በቖላ። በተብግሶ ጨንፈራት፡ ኮንፈርነሳትን፡ ሰላማዊ ሰልፍታትን፡ በዓላትን ተገብረ። ከም ሓደ አካል።  ሕጂ እዚ ኹሉ አዝዩ ተዳኺሙ፡ ንምንታይ? መበጊሲ ስለዝተሳሕተ?

እቲ ቻርተር ዘጠቓለለ ብመጋቢት1999 ዘተአወጀ አዋጅ፡ አብ ሃገርነትን ሃገራዊ ሓድነትን ሓድነት ተቓወምትን ማእከሉ ዝገበረ ናይ ለውጢ አዋጅ ነበረ። ካብቲ ቐነዲ..

  • አብ መእተዊ እቲ አዋጅ፡ ዋላ’ኳ አብተ ግዜ'ቲ ባድመ ድሕሪ ውግእ ባድመ አብ ትሕቲ ኢትዮጵያ እንተነበረት፡ "ባድመ መሬት ኤርትራ እያ" ዝበል ሰፊሩ ነበረ፡

  • አብ ቻርተር እዚ ዝስዕብ መሰረታዊ ጉዳያት ሰፊሩ ነበረ፦

    • ልዕላውነትን ሓደነት ህዝብን ምዕቃብ..  ቀዳምይ ዓንቀጽ

    • አብ ውሽጣዊ ጉዳያት ጎረባብቲ ሃገራት ኢድ ምትእትታው ዘይፈቃድ አብ ምክብባርን ሓባራዊ ረብሓን ዘተመስረተ ናይ ወጻኢ ዝምድና

    • ንሐድነት ዘይፈታትን ዓንቀጽ ብጉዳይ ሸሪዓን ብሄራትን

ብ ዝኸበርኩም ( ደቂ አንስትዮ ሰለዘየለዋ)፡

  • ብመገዲ ተጋዳላይ መንግስትአብ አስመሮም፡ ጊዜያዊ አቦ-ወንበር ኪዳን ቁ1፡ ንአቦ ወንበራት ንኪዳን ቁ1 ዘቖማ 2 ውደባትን 1 ሰልፍን

  • ብመገዲ ተጋዳላይ ሑሰን ከሊፈ፡ አቦ-ወንበር ኪዳን ቁ2፡ ንአቦ ወንበራት ንኪዳን ቁ2 ዘቖማ 7 ውድባትን ምንቅስቓሳትን

  • ተ/አቦ ወንበራት ካብ ኪዳን  ወጻኢ ዝርከባ ውደባትን፡ ሰልፍታተን፡ ምንቅስቐሳትን

  • አቦ ወንበራት አብ መረብብ ኢንትርነት ነፍሰን ዘላለያን ሰተዋስአን ሲቪካዊ ማሕበራት