ደምዳሚ ኣዋጅ

ካልኣይ ጠቕላላ ጕባኤ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

 

ብሰንክ’ቲ ጨቋኒ ፖሊሲታት ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ፡ ሃገርና፡ ንኣዝዩ ጽንኩር ዝዀነ ቍጠባዊ ቅልውላዋትን ፖለቲካዊ ሕንፍሽፍሽን ተሳጢሓ ኣብ እትርከበሉን፤ ኣብ ዞናና ኣገደስቲ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ኣብ ዝግሃድሉን ዘሎ እዋን’ዩ ካልኣይ ጕባኤ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ “ኵሉ መሰረታዊ መሰላትን ናጽነታትን ዝኽበረሉ ብዙሕነታዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምምስራት ንቃለስ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ካብ 15-20 ለካቲት 2007 ተኻይዱ።

 

ጕባኤ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዘካየዶም ንጥፈታት ድሕሪ ምግምጋም፡ ናብ ካልኣይ ጕባኤ ንምብጻሕ ብመሪሕነት ኪዳን ዝተገብረ ጸዓታት ኣመጒሱ። ከምኡ’ውን፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ፡ ኣብ ልዕሊ ጐረባብቲ ሃገራት ዝተኸተሎ፡ ምስ ድሌታትን ትጽቢታትን ህዝብና ኣብ ሰናይ ጕርብትና ዘይሳነን፤ ናይ ዞናና ጐብለል ንምዃን፤ ድሌታቱ ኣብ ልዕሊ ጐረባብቲ ብሓይሊ ንምጽዓን ካብ ዘለዎ ባህጊ ዝነቅልን ግርጭታት ምጽሕታር ዝሰረቱን ፖሊሲታት ምዃኑ ገምጊሙ። ከም ውጽኢት ናይ’ዚ ንሃገርና ኣብ ጽንኩር ቍጠባውን ማሕበራውን ጸጥታውን ቅልውላዋት ዝነቈተ ግጉይ ፖሊሲታት’ዚ፡ ማእለያ ዘይብሎም መንእሰያት ሃገሮም ራሕሪሖም ክስደዱን፤ ንሓደጋ ህልቂትን ጥፍኣትን ክሳጥሑን ተገዲዶም ኢዮም። ስለዚ ኸኣ ጉባኤ ሰበ ስልጣን ሊቢያ ናይቶም ሓይራቶም ዘላ መንእሰያት ስደተኛታት ኤርትራውያን ናብኡ ንዝደረኾም ሰብኣዊ ምኽንያት ክግንዘብን ናብ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ከይመልሶምን የማሕጽ። ከምውን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ናይቶም ብመንግስቲ ሊቢያ ተታሒዞም ዘለዉ መንእሰያት ናይ ስደተኛ መሰሎም ከውሕሰሎም ይጽውዕ።

 

ካልኣይ ጕባኤ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ሃገራውን ህዝባውን ሓላፍነት ብዝመልኦ መንፈስ፡ ኣብ ቻርተር ግልጽነት ዘለዎ ምይይጣት ዝተኻየደሉ ዓውዲ ሃገራዊ ዘተ ነበረ። ስለዝዀነ ከኣ፡ ኣብ ኣህጕራዊ ውዕላት ዝተሰረተ መትከላት ዲሞክራሲ፡ ሰላምን ሰብኣዊ መሰላትን ዘውሕስን፤ ሃይማኖትን ባህልን ብሄርን ቀንዲ ካብ’ቶም መንነት ህዝቢ ኤርትራ ዝህነጸሎም ረቛሕቲ ምዃኖም ዘረጋግጽን፤ ናይ ኵሉ ክፍልታት ህዝቢ ኤርትራ ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ማሕበራውን መሰላት ዘኽብርን ምምሕያሻት ኣብ ቻርተሩ ኣታኣታተወ።

 

እዚ ኣብ ቻርተር ተረጋጊጹ ዘሎ ምርድዳእ፡ ነቲ ስርዓት ኢሳያስ ኰነ ኢሉ ንሃገራዊ ሓድነት ንምብታን ኣብ መንጐ እተፈላለዩ ክፍልታት ህዝብና ክነዝሖ ዝጸንሐን ዘሎን ግርጭታት ዝፍውስን፡ ኣብ ጕዕዞ ምዕዛዝ ሃገራዊ ሓድነት ድማ ኣወንታዊ ግደ ዝጻወትን፤ ከምኡ ውን፡ ኣብ መንጐ እተፈላለዩ ክፍልታት ህዝብናን ፖለቲካዊ ሓይልታቱን ሕድሕድ ምትእምማን ንምህናጽ ዝሕግዝን ኣገዳሲ ስጕምቲ ኢዩ።

 

 

 

 

 

ኣብ’ዚ ሓባራዊ ተረድኦታት’ዚ ብምምርኳስ፡ ጕባኤ፡ ብርክት ዝበሉ ኣገደስቲ ውሳኔታት ኣመሓለለፈ። ገለ ካብኦም ድማ፡-

 

1. ስርዓት ኢሳያስ፡ ብዛዕባ ዋንነት መሬት ዝኣወጆም ኣዋጃት ሕጋዊ መሰረት ዘይብሎም ምዃኖም ብምግንዛብ፡ ብዘይ ኣገባብ ዝተመንዝዐ መሬት ናይ ህዝቢ ብሕጋውን ፍትሓውን ኣገባብ ናብ ዋናታቱ ምምላስ።

 

2. ኵሎም ፖለቲካዊ ሓይልታትን እተፈላለዩ ክፍልታት ሕብረተሰብ ኤርትራን ዘሳትፍ ኤርትራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ምክያድ ዝብሉ ኢዮም።

 

ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ጽንኩር ታሪኻዊ ኵነት’ዚ፡ ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ንምግጣም፡ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽን፡ ሰረት ሰላምን ምርግጋእን ንምስፋንን ተጋዳላይ ሓፋሽ ህዝብና ኣብ ጐድኒ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ክስለፍ ጕባኤ ይጽውዕ።

 

ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ኣብ ጐድኒ ጭቁን ህዝቦምን ኣብ ጐድኒ ፖለቲካዊ ተቓወምቲ ሓይልታቱን ደው ክብሉን ንህዝብና ካብ ኣርዑት ዲክታቶርነት ንምንጋፍ ግዲኦም ክጻወቱን ይጽውዕ።

 

ኣብ ኤርትራ ንዝፍጸም ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ንምቅላዕ፡ ጸረ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ፡ ሰላማዊ ሰልፍታት ንዝወደቡን ንዝመርሑን ኤርትራውያን ሲቪላውያን ማሕበራትን ማሕበረ ኮማትን መርበብ ዜናታትን ጕባኤ ክብ ዝበለ ኣድናቆቱን መጐሱን ይገልጽ።

 

ጕባኤ፡ ንመንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ፡ ካልኣይ ጕባኤ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ንምስትንጋድ ብዝገበርዎ ምትሕብባር ዓሚቝ ምስጋናኡ የቕርብ።  ከምኡ ውን፡ ምትሕግጋዝ ፎረም ሰንዓ፡ ህዝብና ንዘካይዶ ዘሎ ፍትሓዊ ቃልሲ ብምድጋፉ መጐሱ የቕርብ።

 

ጕባኤ፡ ኣህጕራዊ ናይ ግብረ-ሰናይ ውድባት ንህዝቢ ኤርትራ ረዲኤት ብምቕራበንን፤ ምዕራባውያን ማሕበራት ሰብኣዊ መሰላት ብቐጻልነት ነቲ ብስርዓት ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ብምቅልዐንን የመስግን። ነዚ ዝጻወትኦ ዘለዋ ኣወንታዊ ግደ ክቕጽሎ የዘኻኽርን።

 

ጉባኤ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጌና ፍታሕ ዘይረኸበ ዘሎ ጉዳይ ዶብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ነዚ ጸገምዚ ብይን ዶብ መሰረት ብምግባር ፍታሕ ንኸናድየሉ፡ ዶፕሎማሲያዊ ጻዕርታቱ ክቕጽል ይጽውዕ።

 

ኣብ መደምደምታ ከኣ፡ ኣህጕራዊ ማሕበረሰብ ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ንምፍታሕ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኢሳያስ ጸቕጥታቱ ከዛይድን፣ ኣብ ኤርትራ፡ ዲሞክራስን ሰላምን ንምስፋን ዝዓለመ ቃልሲ ህዝብና ክድግፍን ይጽውዕ።

 

 

ዓወት ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ

ዝኽርን መጐስን ንስውኣትና

 

 

ካልኣይ ጕባኤ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

20 ለካቲት 2007