ናይ ወጻኢ ባጤራ ንምርካብ ዝሽየጥ ዘሎ ኣባይቲ

 

ቤት ጽሕፈት ዜና

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

22.06.2006

 

ኣብ ስደት ዝርከቡ ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ ዝልእክዎ ዝነበሩ ናይ ወጻኢ ባጤራ እናነከየ ስለዝመጸ፡ መንግስቲ ኤርትራ ነዚ መተካእታ ዝኸውን ሓድሽ ብልሓት ኣምጺኡ ኣሎ።

 

ዞባ ሰሜን ቀይሕ ባሕሪ (ሰምሃር) ክልተ ወይ ሰለስተ መደቀሲ ክፍልታት፡ ከምኡ ውን፡ ናይ ሓባር ደዀክንን ናይ ስፖርት መሳለጢታትን ዘለዎም 766 ርሻናት (ፓላሶታት) ንምህናጽ ከም መደብ ሒዝዎ ከምዘሎ ሓሊበት ኮም ዝተባህለ ናይ ኢንተርነት መርበብ ሓቢሩ። ዋጋኡ ካብ 97,000 ክሳብ 139,000 ዶላር ክኸውን። ገምጋም ዓመታዊ ኣታዊ ናይ ሓደ ኤርትራዊ ኣብ ሃገሩ 130 ዶላር ኢዩ። ስለዝዀነ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝቕመጡ ዜጋታት ክገዝእዎ ኢልካ ዘይሕሰብ ኢዩ።

 

ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤምባሲታት ዝዝርግሕዎ ዘለዉ ጽሑፋት፡ እቲ ርሻን ብዶላር ወይ ብዩሮ ወይ ድማ ብፓውንድ ደኣ’ምበር ብናቕፋ ክግዛእ ከምዘይክእል ኢዩ ዝሕብር።

 

ኣብ ካዝናታት ናይ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ዝርከብ ናይ ወጻኢ ባጤራ፡ ካብ ናይ ሓደ ወርሒ ካብ ደገ ዝመጽእ ኣታዊ (imports) ዝበዝሕ ኣይኰነን። ስለ’ዚ፡ ነቲ ዘሎ ሕጽረት ንምሽፋን መንግስቲ ኤርትራ ገለ ብልሓት ከናዲ ግድን ኢዩ ይብል ኣህጕራዊ ናይ ገንዘብ ማዕከን (IMF)።

 

ኣብ ኤርትራ ዝመደበሩ ናይ ኤኮኖሚ ናይ መጽናዕቲ ትካል፡ ናይ ኤርትራ ናይ ወጻኢ ባጤራ ምንጪ፡ ኣብ ስደት ካብ ዝርከቡ ኤርትራውያንን ለቓሕን ኢዩ ይብል። ኣስዒቡ፡ ኣብ 2003 ኤርትራ ኣቝሑት ካብ ደገ ንምግዛእ ዘውጽኣቶ፡ ካብ’ቲ ንደገ ዝሸጠቶ ብ50 ግዜ ከምዝዓቢ ገሊጹ።

 

ምኽንያት ናይ ሕጽረት ናይ ወጻኢ ባጤራ፡ ብኸፊሉ እቲ ምስ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝግበር ዝነበረ ንግድ ደው ምባሉ፤ ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ እቲ ምስ ወጻኢ ሃገራት ዝግበር ንግድታት ብወግዓዊ መስኖታት ስለዘይከይድ ምዃኑ ኣህጕራዊ ማዕከን ገንዘብ ይሕብር። ካብ ለገስቲ ዝውሃብ ዝነበረ ደገፍ ምንካዩ ውን ግደ ኣለዎ ኢሉ።

 

እታ፡ ርእሰ-ምርኰሳ ኢዩ ጭርሖና እትብል ሃገር፡ ምስ ጐረቤታ ዝዀነት ኢትዮጵያ ብሰንክ’ቲ ካብ 1998-2000 እተኻየደ ናይ ዶብ ውግእ ኣብ ወጥሪ ኢያ ትነብር ዘላ። እቲ ክብ እናበለ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ነዳዲ ዋጋ ውን ተወሳኺ ተጽዕኖታት ይፈጥረላ ኢዩ። መግቢ፡ ነዳዲ፡ ብረት ንምግዛእ ናይ ወጻኢ ባጤራ የድልያ ኢዩ።

 

እቲ ብለቓሕ ዝርከብ ናይ ወጻኢ ባጤራ፡ ካብ ናይ ዓለም ባንክን፡ ካብ ከም ኣመሪካን ቻይናን ጣልያንን ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ዝኣመሰሉ ለገስቲ ሃገራትን ኢዩ ዝመጽእ። ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣመሪካን ኣውሮጳን ሓደ ካብ’ቲ ቀንዲ ምንጪ ናይ ወጻኢ ባጤራ ኰይኖም ኢዮም ጸኒሖም። ንስድራ ቤት ዝኸፍልዎ ወፈያታት፡ ኣብ ሃገሮም ገለገለ ሓለፈታት ንኣብነት ገዛ ንምግዛእ ኢሎም ዝኸፍልዎ 2% መሕወይ ግብሪ ኣሎ። እንተዀነ ግን፡ መንእሰያት ኣብ ሃገሮም ዘለዎም ተገዳስነት እናጐደለ ስለዝኸደ፡ እቲ ካብ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ዝርከብ ዝነበረ ኣታዊ ውን ነክዩ ይብል እቲ ናይ ኤኮኖሚ ተመራማሪ ኣካል።

 

ካልእ ምንጪ ናይ ወጻኢ ባጤራ፡ እቶም ኣብ ደገ ዝነብሩ ኤርትራውያን ናብ ቤተ-ሰቦም ዝልእኽዎ ገንዘብ ኢዩ። ኣብ 2003 ዓቐን ናይ’ዚ ገንዘብ 70% ካብ’ቲ ጠቕላላ ሃገራዊ እቶት (GDP) ይበጽሕ ነይሩ ዝብል ገምጋም ናይ ቍጠባ ተመራመርቲ ኣሎ። ገለገለ ዲፕሎማሰኛታት፡ እቲ ኣብ 2003 ዝነበረ 462 ሚልዮን ኣታዊ፡ ኣብ 2005 ናብ 420 ሚልዮን ዶላር ለጠቕ ኢሉ ይብሉ።

 

ንገለገለ ኤርትራውያን፡ እዚ ብሓሊበት ፕሮጀክት ዝፍለጥ ናይ ወጻኢ ባጤራ ናይ ምርካብ መደብ፡ ኣብነት ናይ ምዕብልናን ኣብነት ናይ ሓንቲ ህልውናኣ እተረጋግጽ ዘላ ዕሸል ሃገር ኰይኑ ኢዩ ዝርድኦም።

 

ኣብ’ታ ሃገር ዝርከብ፡ ኪንግናም እተባህለ ናይ ደቡብ ኮረያ ፕርጀክት ወኪል ዝዀነ፡ ናም ሁን ካንግ፡ “ዓማውል ገዛውቲ ይገዝኡ፡ ገንዘብ ይኸፍሉ፡ ይምዝገቡን ስለዘለዉ ተስፋ ዘለዎ’ዩ ዝመስል” ክብል ቻይና ደይሊ እተባህለ ጋዜጣ ጸብጺቡ።