ምስጋና
ብምኽንያት ሞት ወላዲና ሻም. ባሻ ፍስሃየ ክብሮም ነዚ ዝኽተል ምስጋናና ነቕርብ። ካብቲ ናይ ነዊሕ እዋን ሕማሙ ጀሚሮም ኣብ ሆስፒታል ብምብጻሕ ኮነ ድሕሪ ዕረፍቱ ኣብ ገዛውትና ብምምልላስ ነቶም ኣብ ኣሜሪካ ኮነ ኤውሮጳ ንርከብ ደቁ ብኣካል ንዘጸናንዑናን ዝተፈላለየ መልእኽትታት ዘመሓላለፉልና ፈተውትናን ተኻፈልቲ ሓዘናን ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና፡ ሬሳኡ ንዓዲ ንምልእኽ ዝተሓባበሩናን ካብ ዓስመራ ንዓዲ ተከሌዛን ብምኻድ ኣብ ናይ ቀብሩ ስነስርዓት ዝተኻፈሉን ምሳና ዝደኸሙን ዝሓዘኑን ኵሎም ምስጋናና ነቕርብ።
ስድራ ቤት


ሓጺር መግለጺ ሓዘን ተሓኤ ሰባ ጨንፈር ርያድ
ዝኸበርኩም ኣባላት ተሓኤ ሰባ
ዝኸበርኩም ኣባላት ኪዳን ጨንፈር ርያድ
ዝኸበርኩም ብጾት ተኻፈልቲ ሓዘን
ኣቐዲመ ብስመይን ብስም
መሰረታት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ጨንፈር ርያድ ዝልዓለ ናይ ጽንዓት ሰላምታይ የቕርብ ቀጺለ
ጅግና ይውለድምበር ኣይነብርንዩ ብጅግንነቱ ኸኣ ታሪኽ ይስርሕ ታሪኹ ኸኣ
ንዘልኣለም ይነብር ክብል እደፍር። እወ እታ ብዕለት 17/12/05
ዝተተኮሰት መርድእ ሞት ብጻይና ስዩም ኣብ ሙሉእ ዓለም ዓቢ ምንቅጥቃጥ ከም ዝነበረ ብዝተፋላለየ መግለጺ ሪኢናዮ ኣብ ነፍሲ
ወከፍ ኤርትራዊ መሪር ሓዘን ከምዘሎ ውን ተገንዚብና። ንሕና ንባዕልና ኣባላት ተሓኤ ሰባ ጨንፈር ርያድ ገለ ካብቶም በዚ ወረ
ዝሰምበድናን ንምእማኑ ዘጸገመናን ኔርና ግን ሞት ቆጸራ ስለዘይብላ ንዝወርደና ዓቢ ክሳራ ብዓሚቕ ነድርን ሓዘንን ተቐቢልናዮ።
እወ ሓርበኛ ኣ/መ ብጻይና ስዩም ከምቶም ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ጅግንነት ፈጺሞም ኣብ ቅድመ ግንባራት
ዝሓለፉ ብጾትና ሕጂውን እንሆ ብጻይና ስዩም ኣብ ቅድመ ግንባር ምእንቲ
ፍትሕን ዲምክራስን ሰብኣዊ መሰልን ተሰዊኡና። ሓርበኛ ስውእ ስዩም ሓደ ካብቶም ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ
ኤርትራ ብተወፋይነቱን, ጽንዓቱን, ቆራጽነቱን ዝልለ እምቢ ንመግዛእትነት እወ ንናጽነት ኢሉ ምእንቲ ነጻነታውን ሓርነታውን
ቃልሲ ኣንጊሁ ዝመከተ ሓርበኛ እዩ ነይሩ። ንብሕታዊ ረብሓ ወጊድ ኢሉ ኣንጊሁ ብትብዓት ዘትከለ ሰነድ ጅግና ሓደ ካብቶም
ኣሎው ዝብሃሉ እዩ ነይሩ። ሞት ዘይትተርፍ ጽዋእ ናይ ወዲ ሰብ ከም ምዃና መጠን እንሆ ተራኡ በጺሓ ነቲ ንኣስታት 45 ዓመት
ዝተቓለሰሉ ዕላማ ኣብ ሸትኡ ንምብጽሕ መደቡ እንዳሰርዔን ኣርሒቑ እንዳጠመተን ከሎ እተን ጎየን ዘይድኽማ ኣብራኹ ተዓጺፈን,
እታ ተዛሪባ ዘይትርብርብ ልሳኑ ተቆሊፋ, እተን ንሙሉእ እካላት ደም ዘማሓላልፋ መትንታት ናይ ልቢ ውን ካብ ኩሉ ስርሓተን
ብሃንደበት ኣቃሪጸን ጅግና ሓንሳብን ንሓዋሩን ዓሪፉ። ገለ ካብቲ ቀንዲ መለለዩ ጅግና ስውእ ስዩም ሓራስታይ፡
ስዩም በቲ ክቱር ሃገራዊ ዝምዒት ዝነበሮ ብ1964 ኣብ ሰውራ ተሰሊፉ። ምእንቲ ሃገራዊ ነጻነት ግቡኡ እንዳፈጸመ ካብ1965
ክሳብ 1975 ብባዕዳዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ን10 ዓመታት ትኣሲሩን ተገሪፉን።ድሕሪ ናይ 10 ዓመት ማእሰርቲ በቶም ሰራሕቲ
ቅያን ሰብ ታሪኽን ሰራዊት ሓርነት ብ1975 ካብ ቤት ማእስርቲ ድሕሪ ምውጽኡ ዕላምኡ ንምዕዋት ምስ ሰራዊት ሓርነት ተሰሊፉ።
ስዩም በቲ ብቕዓቱን ክእለቱን ኣብ ዝተፋላለይ ጽፍሒ ተቓሊሱን ኣቃሊሱን። ስዩም ብዝውንኖ ክእለትን ዓቕሚ ኣብ ዝተፋላለይ
ግንባራት ተዋጊኡን ኣዋጊኡን። ስዩም ካብ ውልቃዊ ረብሓን በለጽን ከይተዳህለለ ንዝተፋላለየ መድረኻት መኪቱን ሰጊሩን ንናይ
ጽባሕ መደብ ሰሪዑን። ስዩም በቲ ዝነበሮ ተሪር መርገጽ ምእንቲ ሓድነትን ጥርናፈን ተጸሪፉን ተዘሊፉን ነዚ መድረኽእዚ ውን
ብተወፋይነት ገጢሙ ሰጊሩን መኪቱን ታሪኽ ከኣ ሰሪሑ። ታሪኽ ስለ ዝኾነ ስለዘይምሕር እንሆ ሎሚ ታሪኽ ጅግና ስውእ ስዩም እቲ
ግብራዊ ስርሑን ሕሉፍ ታሪኹን ብቕዓቱን ካብ ግዜ ንእስነቱ ኣትሒዙ ሃገራዊ ስምዒቱን ናይ መጻኢ ራኢኡን በቶም ናይ ቀረባ
ዝፈልጥዎን ናይ ዕላማ ብጾቱን ይዝንቶን ይሕበር ኣሎ። ስለዚ ንሕና መሰረታት ተሓኤ ጨንፈር ርያድ በዚ ኣጋጣሚዚ ንኾሉም
ስድራቤቱ ጽንዓት ይሃብኩም እንዳበልና ከምቲ ናይ ወትሩ ባህጊን ቃል ጅግና
ስውእ ኣቦመንበርና ኣብ ዞናና ርግኣትን ቅሳነትን ዘራጋገጸት ሓድነት መሬታን ህዝባን ዝዓቀበት ዲምክራስያዊት ኤርትራ ንምህናጽ
ሎሚ እዋናዊ ጠለብዩ ዝበሎ ንሕና ኣባላት ተሓኤ ሰ.ባ ነዚ ፍትሓዊ ጠለብዚ ክምህ ከይበልና አሰር ጀጋኑናን
ሕድሪ ስዉእትናን ተኸቲልና ቃልስና ክንቅጽል ምኻና እንዳሓበርና ተኾርሚኻ
ሞት ኣሳፊሕካ ሞት ስለዝኾነ ሞት ሓንቲያሞ ሓንቲ ብሓንቲኣ ግን ታሪኽ ሰሪሕካ ሙማት ጸጋዩ, ጸጋ ጥራይ ዘይኩነ ንውሉድ
ወሎዶ ታሪኽ እዩ ኩሎም ታሪኽ ዝሰርሑ ታሪኽ ክዝክሮም ክነብርዩ።
ዝኽርን ክብርን ንስውኣትና ተሓኤ ሰ.ባ ጨንፈር ርያድ 23/12/2005
بيان هام من رئاسة المجلس
التأسيسي لحزب المؤتمر الإرتري
إستنادا للمشروعية التنظيمية وتحملا للمسؤولية الوطنية والسياسية أمام الأوضاع القائمة في الحزب وبعد مشاورات ومداولات واسعة مع عضوية المجلس التأسيسي وفورع الحزب وقواعده فإن رئاسة المجلس التأسيسي لحزب المؤتمر الإرتري قررت إعلان اتالي :-
01 دعوة عضوية المجلس التأسيسي للحزب لعقد دورة طارئة في الفترة من 05-06 يناير2006م للنظر في أوضاع الحزب القائمة ومعالجتها ومناقشة مستقبل دوره الوطني .
02- دعوة عضوية المجلس التنفيذي كافة لتلبية دعوة الرئاسة للجلسة الطارئة والإلتزام بالمؤسسية التنظيمية .
03- توجه كافة إدارات فروع الحزب لمراجعة رئاسة المجلس في كافة الشئون وإلتزام توجيهاتها .
04- توجه قواعد الحزب للإلتزام بتوجيهات الرئاسة عبر الإدارات الفرعية والتزام الهدوء والحفاظ على وحدتها وممتلكات الحزب .
05- يعتبر هذا الإعلان إخطارا عاما ملزما لكافة الطر التنظيمية للحزب ويعمل به من تاريخ صدوره .
06- تناشد رئاسة المجلس التأسيسي لحزب المؤتمر الإرتري الإشقاء والأصدقاء لدعم بادرتها في معالجة أوضاع الحزب وتعلن إلتزامها التام بثوابت العلاقات النضالية الوطنية الإرترية .
صدر في 01 يناير2005م
المهندس / علي عمر آدم
رئيس المجلس التأسيسي
لحزب المؤتمر الإرتري

L
Hs} }HXk ]M ilLF
mkmkħ ʑXc l AX XK}
EDg S }˗ oKAV
}@ D K }IV
F} oKAU qMBXo o
[}U HD M}M sòN
mk_F L L o[D
FD Xmk Kq mk dF[ sID
mk]DE E KchI M]o]S
ch}ch} Do} lD oLBS
mk{ mkq mk KiI M]
EL M dD] A
k H} KWq EF
mk mkU sD MV[g K]KX
M[| Fo E
MTi {kzX[o [MkF E
}D emk s k cE
[I MX H\lo [|
]D NV[ }@ MAT
s | ]M Hc kqT
KMBX mkD F qT N
}] sqmkV] }pN E
ME sISD MFq | MY
K[p smkD Fq oNY
o |q qAq HD D
e] }os {] o}] smkF
} Ich mk | AT ʑ[
poX }Mi M s|I[
DM D {s HF iL
Klq k mk olX oXL
mkK}q Klo eM HD
s ol | k s
Dog FF mksI skk
iF }kF|] {s qk
X mkD mkħ odhE[
}D }ME mk } cE[
} KD MX o
kI F {D Io
]Xq NV[ mk Bk chL
GT kJM I sD
| AT} Bk} k X }
mk DL kG }p Smk
s M dEq mk M| [T
}p Hc }HgT
M DM mkq mk DM sD|
IFL B M {K|
}p oSk cFϊ
}DM mkq Dkg Amk
A}kq K` Bk o_T
mk AX k }p } {T
pU DM | LBpL }
]g \ch k Bk
AmkpM oNY òLq }ME
D| mkq K]KX iD
oSq} D| M]E npq|
IU {| Nq p |
} {| }eD dF[
IU {| ]Xq NV[
qK| F| }ok|
}pN kX siM| |
q } Bmk|
sDDLg X} mkX} }{|
cq }poVg ]Xq
መልቀስ
ንዝኽረ ስዉእ ተጋዳላይ ሥዩም ዑቕባሚካኤል
30 ታሕሣሥ 2005
ብሃብተማርያም ክፍለ
ወየ'ዶ ክብለልካ ንስለ ክብረቱ፣
ወየ'ዶ ክብለልካ ንስለ ክብረቱ፣
ተጋዳላይ ሥዩም ኣርኪቡ ብጾቱ፣
ንህዝቢ ክብጆ ዘንቀደ ብጊሓቱ፣
ጅግና ጀጋኑ ሕሉፍ ካብ መሳቱ፣
ቈራጽ ተቓላሳይ፡ ዘይዳነ ብጸላእቱ፣
ተባዕታይ ዓንተር በጠስ ኣምዑቱ፣
በሊሕ መትከላዊ፡ ዳይና ሥርዒቱ፣
ንዓዃይ ዘማስሐ መቲሩ ደሪቱ፣
ዋሕስ ሃገር ንርትዒ መጒቱ፣
ደጀን ተቓላሳይ ዘይሕለል ንያቱ፣
ንስሙስ ዓደቦኡ ረኺቡ ነጻነቱ፣
ዓረፈ'ባ ኣብ ልዳት እንዳማቱ፣
ሬሳኡ ተደብያ ኣርሒቓ ካብ መዓትብቱ፣
ወየ!ወየ! ሃገርና ሎሚ ተዘሚቱ።
በሊሕ ኣእምሮኻ ጌና ኣይሰሓተን፣
ንጡፍ ኣጻብዕትኻ ጽሒፉ ኣይረብረበን፣
ህርኩት ኣብራኽካ መሪሹ ኣይደኸመን፣
ትኵር ኣዒንቲኻ ከቶ ኣይፈዘዘን፣
ዘይዳነ መልሓስካ ሕሩም ኣይኮለፈን፣
ልቢ ነይራ ንኹለን መጋቢተን፣
ዓንጋሊት ንመትኒ ንመትረብ ሰራውረን፣
እንታይ ኮን'ዩ ጕዳ ሻቡ ጠሊማተን፤
ወየ! እንታይ ኮን'ዩ ጕዳ ሻቡ ጠሊማተን።
ኣንታ! ሓርበይና ሥዩማይ ዕረፍ ንሓዋሩ፣
ሓርበይና ሥዩማይ ዕረፍ ንሓዋሩ፣
ሰብ ኣይነብርን'ዩ፡ እንትርፊ ቕንብሩ፣
ታሪኽካ ንጹር'ዩ ፍሉይ ማህደሩ፣
ድሮ ብምፍላይካ ወዲ-ኣዳም ሓዚኑ ቈሪሩ፣
ሓቦ ንብጾትካ ዕላማኻ ዘተግብሩ፣
ጽንዓት ንስድራኻ፡ግድዓትካ ዝጾሩ፣
ንዓኻንከ! ኣቦይዝጊ የንብርካ ኣብ ሰማያዊ ክብሩ።
መልእኽቲ
ሓዘን
ብሃንደበታዊ
ሞት
ናይ
ነጻነትን
ሓርነትን
ተቓላሳይ
ኮይኑ
ልዕሊ
ፍርቂ
ዕድሚኡ
ኣብ
ኣገልግሎት
ሃገርን ህዝብን
ዘሕለፈ
ስዉእ ስዩም
ዑቕባሚካኤል
ዝተሰማዓና
መሪር
ሓዘን
ንስድራቤቱን
ብጾቱን
ንገልጽ:
በዚ
ኣጋጣሚ
በዚ
ዘሕዝን
ሞት እዚ
ሓርበኛ
ዜጋ
ኩሉኩም
መዛኑኡ
መራሕቲ
ተቓውሞ
ኤርትራ
እቲ
ንሱ
ከርተት ዝበለሉ
ፍትሓዊ
ቃልሲ
ኣብ
ሸትኡ
ከተብጽሑ
ዘለኩም ሓደራ
ዝያዳ
ረዚኑ ስለዘሎ::
ነዛ
ስጋብ
ሓመድ-ድበ
ሬሳ
ጀጋኑ
ዜጋታታ
ምሕራም
በጺሓ
ዘላ
ሃገርና
ድሕነታ
ዝረጋገጸሉ
መገዲ
ክትናድዩ
ግዜ
ይሓተኩም ኣሎ::
ሲቪላዊ ማሕበር
ኤርትራዊ ህዝባዊ
ምንቅስቓስ
ንደሞክራሲ
ኣብ ሽወደን
ስቶክሆልም
20 ታሕሳስ
2005
ቃለ መሓትት ምስ ሓላፊ ህዝባዊ ጉዳያት መሓመድ ጣህር ሸንገብ (ኣቡሻክር)
ሕቶ፣ ኣብዚ እዋንዚ ኩነታት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ብፍላይ ክኣ ኣብ መዳይ ህዝባዊ ዕዮ ብኸመይ ትግምግሞ?
መልሲ፣ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኣብዚ መድረኽዚ ኣብ ቅድሚ ግዙፍ ሓላፍነት ይርከብ። ካብ ስፍሓቱን ዓቕምታቱን ንላዕሊዩ እንተተባህለ ውን ምግናን ኣይኮነን። ኣብ ወጻኢብፍላይ ድማ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ሓላፍነቶም ተሰኪሞም ዝነበሩ ሸነኻት ዝጠለምዎም ብርክት ዝበሉ ስደተኛታት ኣለዉ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ውን እንተኾነ ህዝብና ምስቲ ኩሉ ኣብ ልዕለኡ ዝፍጸሙ ናይ ማእሰርትን ቅንጸላን ኣሬመናዊ ተግባራት፣ መጀመርያን መወዳእታን ዘይብሉ ባርነታዊ ግደታዊ ሃገራዊ ኣገልግሎትን፣ መነባብሮኡ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ህዝቢ ውን ኣሎ። ዲ.ኪ ድማ ምስቲ ኩሉ ዘለዎ ናይ ዓቕሚ ሕጽረታት ንምቅላሎም ዝለዓለ ጻዕርታት ከካይድ ይርከብ። እንተ ኣብ ሕዝባዊ መዳይ ብዝምልከት ቀዳማይ ሽዱሽተ ወርሒ ካብ ዕድመ ናይ ስርሓትና ስርዒታዊ ክልታት ኣብ ምምስራትን ህዝቢ ኣብ ጎድኒ ዲ.ኪ ደው ንምባል ናይ ምንቕቓሕን ምልዕዓልን መድረኽ እዩ ነይሩ። ብርግጽ ውን ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኤውሮጳን ኣመሪካንወዘተ ጨናፍር ዲሞክራስያዊ ኪዳን ተመስሪተንን ውሽጣዊ መምርሕታትን ቅርጻን ተወሲኑለንን። እንተዚ ሒዝናዮ ዘሎና ካልኣይ መድረኽ ድማ፣ መደባት ዝፍጸምሉ መድረኽ ኮይኑ፣ ነቶም ክፍጸሙ ዘለዎም መደባትን ዕማማትን ዘድልዩ ቅድታትን ኩነታትና ብዝፈቕዶ ሰብኣውን ነገራውን ዓቕምታትን ተቐሪቡሎም ኣሎ። ኣብዚ መዳይዚ ከኣ ኣብ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ መራሕትን ካድራትን ወከልቲ ኣባላት ውድባት ዲሞክራስያዊ ኪዳን ዝተኻፈልዎ ሰሚናር ኣብ ካርቱም ተኻይዱን፣ ተመሳሳሊ ሰሚናራት ድማ ኣብ ከሰላን ገዳርፍን ፖርትሱዳንን ወጻኢ ካብ ሱዳን ንዝርከብ ኩሉ ጨናፍርን ክካየድ እዩ። ከምኡ ውን ናይ ኣስተምህሮ ሳምንታት ንምክያድ ምድላው ይግበር ኣሎ።
ሕቶ፣ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ናይ ማእከላይ መርሒነቱ ናይ ወተሃደራዊ ስርሒት ውሳኔ ኣመሓላሊፉ፣ እዚ ውሳኔዚ ከተብርሃልና ዶ ምኸኣልካ።
መልሲ፣ እቲ ብርግጽ ዝተገብረ ውሳኔ ናይ ወተሃደራዊ ስርሒት ኣይኮነን፣ እንታይ ደኣ ብዛዕባቲ ኣገባብ ኣቀላልሳ ብዝምልከት ኣብ ቻርተር ሰፊሩ ዝነበረ ነጥቢ እዩ ጠቓሚ ክትዕ ተኻይዱ። እዚ ነጥቢዚ ሰባት ኣብ ኣተራጓጉማ ስጋብ ክፈላለዩሉ ዝኽእሉ ዘይንጹር ብዝኾነ መልክዕ እዩ ሰፊሩ ነይሩ። ኣብዚ ዝተጠቕሰ ኣኼባ ከኣ ሽፍንፍን ዘይብሉ ብዝተነጸረ መልክዕ
ዳግማይ ክቕረጽ ተበቒዑ። ትሕዝቶኡ ድማ ዲ.ኪ. ኣብ ስርሓቱ ብረታውን ፖለቲካውን ኩሉ ዓይነት ኣገባብ ቃልሲ ክኽተል ፍቑድ ዝገብር እዩ።
ሕቶ፣ ገለ ገለ ሰባት ምኽንያት ምሕያል ናይ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ድኽመት ናይ ተቓወምቲ ሓይልታት እዩ ክብሉ ይስማዕ፣ ነዚ ብኸመይ ክትገልጹዎ ትኽእሉ?
መልሲ፣ እዚ ሕቶዚ ደምበ ተቓውሞ ሓያል ድዩ ወይስ ድኹም ? ነዚ ንምርግጋጽ ዘብቅዑ መዐቀንታት እንታይን እንታይን እዮም? ተባሂሉ እንተቐረበ ይሓይሽ ይመስለኒ። ካብዚ ብምንቃል ንተቓወምቲ ሓይልታት ምስቲ ስርዓት ከነወዳድርን ሚዛን ሓይሊ ንጥቕሚ መን ከምዘሎ ንምርግጋጽን እንድሕር ኮይኑ ተደልዩ፣ እዚ ብርእይቶይ ዘይቅኑዕ መትከልን መዐቀንን እዩ መፍረዲ ክኸውን ውን ኣይግባእን፣ እቲ ስርዓት መንግስትን ስልጣንን መሬትን ዜናን ዝውንንን ህዝቢ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ቁጽጽሩ ዘእተወን፣ ግዙፍ ሰራዊት ዝሓዘን ስርዓት እዩ። ተቓወምቲ ሓይልታት ድማ ዉሱን ቁጽርን ዓቕምን ዝውንናን መብዛሕቱ ንጥፈታተን ድማ ወጻኢ ካብ ሃገር ዘካይዳን ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣብ ምግጣም ዝሕግዝ እኹል መሳርሒ ዘይውንናን ሓይልታት እየን ። ብኻልእ መዐቀኒ እንተርኢናዮ ግን ሓይሊ ተቓውሞ ሎሚ ኣብ ክሊ ዲ.ኪዳንን ቻርተሩን ብርእይቶን መስርዕን ሓድነቶም ኣረጋጊጾምን፣
ናይ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ህዝቦምን፣ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ናይ ዝርከባ ፖለቲካዊ ፓርትታትን ኣህጉራውያን ሰብኣውያን ማሕበራትን ስጋብ መንግስታትን ውን ከይተረፈ ሰፊሕ ደገፍ ወኒኖም ዝርከቡሉ ዘለዉ ሰዓት ስለዝኾነ ደንበ ተቓውሞ ዝሓየለ እዩ ክብል ይደፍር። ሓይልታት ተቓውሞ ብከምዚ ሎሚ ሰሚረሞ ዘለዉ መልክዕ ኣብ ታሪኾም ሰሚሮም ስለዘይፈልጡ ድማ እቲ ዝድለ ደረጃ ናይ ሓያልነት በጺሖም ኣለዉ ዝብል እምነት ስለዘሎኒ ክዕወቱ ምዃኖም ኣይጠራጠርን።
ሕቶ፣ ኣብ መንጎ ስርዓታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ምስሕሓብ ስጋብ ሕጂ ኣይሃድአን ዘሎ፣ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ሸነኻት ውግእ እንተተሓዲሱ፣ ዲሞክራስያዊ ኪዳን እንታይ ዓይነት መርገጽ ከወስድዩ ትብል?
መልሲ፣ ብርግጽ እቲ ቅልውላው ቀጻሊ ኮይኑሎ፣ ሕቡራት ሃገራት ውን ንምእላዩ ዝግባእ ጻዕሪ ኣካይዱ እዩ፣ ብመሰረትቲ ኣብ ኣልጀርያ ዝተፈራረምዎ ስምምዕ ድማ ከብቅዕ እዩ ዝግባእ ነይሩ። እንተኾነ ግን ንሕቡራት ሃገራትን ክልቲኡ ስርዓታትን ነቲ ስምምዕ ንኸይትግብሩ ዝዕንቅጽ ርኡይ ጸገማት ኣጋጢሙዎም እዩ። ብሸነኽና ነቲ ስምምዕ ኣብ ምትግባር ግዜ ምንዋሕ ብዙሕ ምትሕልላኽ ስለዝፈጠረን፣ ምናልባት ውን ኣብ ዳግማይ ውግእ ከይእቶ ዘስግእ ስለዝኾነን፣ ሕ.ሃ ጻዕርታቱ ከኻዕብት ንርኢ። ብሸነኽና ነቲ ገና ዝቐደመ ውግእ ዝፈጠረሉ ቁስሊ ዘይፈወሰን፣ ካብ ዝፈጠረሉ መሪር ሓዘን ዘይተላቐቐን ኣህዛብ ክልቲኡ ሃገራት ኣብ ከቢድ ሓደጋ ከውድቕ ስለዝኾነ ዳግማይ ክባራዕ ኣይንምነይን።
ሕቶ፣ ምስ ሓይልታት ተቓውሞ ክግበር ዝግብኦ ምትሕብባር ናይ ዞናውን ኣህጉራውን ሸነኻት ስጋብ ሕጂ ድኹም ንረኽቦ፣ ጠንቂ ናይዚ ድኽመትዚ ዶ ክትገልጸልና ምኸኣልካ?
መልሲ፣ እዚ ሓቂ እዩ፣ ጠንቁ ደማ ብርእይቶይ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዝተራእየ ለውጥ እዩ እብል፣ ቅድሚ 1991 ዓ.ም. ዝነበረ ኩነታት ጉዳይ መሬትን፣ ጉዳይ ምእንቲ ብዓመጽ ንዝተመንዝዐ ሕጋውን ፍትሓውን ናይ ነጻነት መሰሉ ንምምላስ ኣንጻር ባዕዳዊ ገዛኢ ዕጥቃዊ ቃለስ ዘካይድ ህዝብን ስለዝነበረ፣ ካብ ዝተፈላለዩ ኣህዛብን ሃገራትን ናይ ገንዘብን ብረትን ሓገዝ ይረክብ ነይሩ። ብድሕሪኡ ግን ኤርትራ ናጻ ሃገር ኮይና፣ እቲ ሕጂ ዝኸይድ ዘሎ ቁሩቁስ ድማ ኣብ መንጎ ቅንጸላዊ ዲክታቶርያዊ ስርዓትን ኣብ መንጎ ምእንቲ ዲሞክራስያዊ
መስርሕን ሰልፋዊ ብዙሕነትን ብሕጊ ትግዛእ ቅዋማዊት ሃገር ክትህሉን ዝጠልባ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ዝካየድ ቃልስን ቁሩቁስን እዩ። እዚ ድማ ጠለብ ናይ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ኣህጉራውን ዞንውን ሃገራትን ማሕበራትን ከኣ ዝገዝአን ቀጥዕታት ስለዝህልወን ነዚ ቁሩቁስዚ ኤርትራዊ ውሽጣዊ ቁሩቁስ እዩ ዝብል ተረድኦ ክህልወን ይኽእል እዩ። ውሽጣውን ዞናውን መዛግብቲ ናይዚ ስርዓትዚ ንኹሉ ልሉይን ብሩህን ስለዝኾነ ግን እዚ ኣረዳድኣዚ ክቕየር ዝግብኦ ኣረዳደኣ እዩ። ኣሰጓጉማ ናይዚ ስርዓትዚ ንኩነታት ናይ ዞናና ብምልኡ ኣብ ዓማሚ ዕንወት ከየብጽሕ ዘስግእ ውን እዩ።
ሕቶ፣ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ኣትሒዙ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ሃገራት ንዝተቛሰለ ዝምድና ንምምሕያሽ ዝዓለመ ልኡኻት ናይ መንግስታት ኤርትራን ሱዳንን ዑደታት ክለዋወጡ ንዕዘብ፣ እዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ክህልዎ ዝኽእል ጽልዋ እንታይ ክኸውን ይኽእል ኢልካ ትግምት፣
መልሲ፣ ዝምድና ስርዓት ኢሳያስን ሱዳንን ደስኪሉ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ምምላስ ገጹ ይኸይድ ኣሎ፣ ብዛዕባ ጽልዋኡ ኣብ ልዕሊ ተቓወቲ ኤርትራ ብዝምልከት ኣሉታዊ ወይ ኣውንታዊ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል እዩ፣ እቲ ቀዳማይ ንኹሉ ብሩህ እዩ ማለት ካብ ሱዳን ንኤርትራ ናይ ምንቅስቓስ ነጻነት እንተተረኺቡ ነቲ ንዕኡ ብምስኣን ኣብ ውሽጢ ዝሳቐ ዘሎ ህዝብና ናይ ስራሕን ናይ ንግዲ ምልውዋጥን ዕድል ክረክብ ስለዘኽእሎ ገለ ጥቕሚ ክረክብ ይኽእል እዩ። እወ እቲ ጉዳይ ኣብ መወዳእታ ንረብሓ ክልቲኡ ሓው ዝኾነ ኣህዛብ እዩ።
ሕቶ፣ ስርዓት ኢሳያስ ነቲ ኩሉ ብጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ልዕሊ ኣብያተ ማእሰርትታቱ ብኣህጉራዊ ማሕበራትን ትካላትን ዝግበር ቀጻሊ ነቐፈታታት ኣነኣኢሱ ክርእዮ ንዕዘብ፣ ነዚ ብኸመይ ክትገልጾ ትኸእል?
መልሲ፣ መንቀሊ ናይዚ ምንእኣስዚ ብርእይቶይ ክልተ ምኽንያታት ኣለዉ ይብል፣ እቲ ቀዳማይ ኣብ አሽጣዊ ኣተዓባብያን ፖለቲካውን ባህላውን ቡቕልን ኣባላት መርሒነት ናይዚ ኣብ ኣስመራ ሰልጣን ገቢቱ ዘሎ ስርዓት እዩ። መዛግብቲ ታሪኾም ብምልኡ ከምዚ ዓይነት ተረድኦታት ዝቕበል ኣይኮነን። እዚ መርሒነትዚ ንኩሉ ሰብኣዊ ተረድኦታትን ክብርታትን ብምጭፍላቕ እዩ ኣብዚ በጺሑዎ ዘሎ ደረጃ ክበጽሕ ክኢሉ። እቲ ካልኣይ ሸነኽ ከኣ እዚ መርሒነትዚ ጉዕዞኡ ብምሉኡ በዚ ተረድኦታትዚ ተገኒዙ ዝቐጸለ መርሒነት ብምዃኑ እዩ። ስለዝኾነ ድማ
ኣዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ስርዓት ከም ሰብኣዊ መሰላትን ልኡላውነት ቅዋምን ሕግን ዲሞክራስያዊ
መስርሕን ዝኣመሰሉ መትከላት ምርግጋጽ ከም ንህላዌኦም ዝድምስስ ኣምር ገይሮም እዮም ዝረይዎ።
ሕቶ፣ ኣብዚ መወዳእታ እዋናት ዲሞክራስያዊ ኪዳን ምስ ስርዓት ኣስመራ ክዛተ ድሉው ከምዘሎ ዝሕብር ዜናታት ተሰሚዑ፣ ኣብየናይ ባይታ ዝተሞርኮሰ እዩ?
መልሲ፣ ኪዳን ምስቲ ስርዓት ንኽዛተ ዘለዎ ድሉውነት ሓድሽ ኣይኮነን፣ ኣንታይ ደኣ ብመጋቢት ናይ 2005 ክምስረት ከሎ ኣትሒዙ ዝወሰዶ ውሳኔን ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ዝተቓንዐ ካልእይ ስሩዕ ኣኼባ ናይ ማእከላይ መርሒነቱ ከም መፍትሒ ናይ ኣብ ሃገርና ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ደጊሙ ዘረጋገጾን መርገጽ እዩ። እዚ ከኣ ብወግዒ ዝተኣወጀ መርገጽ እምበር ምስጢር ኣይኮነን። ይኹንምበር እቲ ኣብዚ ክለዓል ዘለዎ ስነ-ሞጎታዊ ሕቶ እቲ ስርዓት ነዚ ተቐቢሉዎዶ? ወይ ብዝተነጸረ፣ እቲ ስርዓት ምስ ዲ.ክ. ክዛተ ድሉው ድዩ ዝብል ኮይኑ፣ መልስና ብሓፈሻ ነዚ ብዝምልከት ስጋብ ሕጂ ዝተራእየ ዝኾነ ምልክት የለን ዝብል እዩ።
ሕቶ፣ ጽልዋ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኣብ ውሽጢ ሃገር ማዕረ ክንደይ እዩ.. ፖለቲካዊ መደረኡ ከብጽሕ ክኢሉ ዶ ይመስለካ?
መልሲ፣ ኣብ ውሽጢ ዝካየድ ናይ ተቓውሞ ምንቅስቓስ ኣሎዩ፣ ተቛሪጹ ውን ኣይፈልጥን።እንተኾነ ግን ብሰንኪቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና በቲ ስርዓት ዝግበር ቀይድታትን ጸጥታዊ ጥብቂ ምክትታልን ኣብ ትሕቲ ኣዝዩ ከቢድ ዝኾነ ኩነታት ስለዝዕመም ከምቲ ዝድለኳ እንተዘይኮነ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናማዕበለ ይኸይድ ምህላዉ ዝከሓድ ኣይኮነን። ብካልእ ሸነኽ ድማ ዜናዊ ዕዮ ዲ.ኪዳንን ናይ ተቓውሞ ስርሓት ብሓፈሻን እናማዕበለ ብምምጽኡ ኣብ መላእ ኤርትራ ይበጽሕን መላእ ህዝብና ብዓቢ ተስፋ ይቕበሎን ይከታተሎን ኣሎ።
ሕቶ፣ ወጻኢ ካብ ናይ ተቓውሞ ስርሓት ዝርከቡ ዓቕሚ ዘለዎም ብፍላይ ከኣ ምሁራት ኣካላት ኣለዉ፣ ካብ መዓልታዊ ናይ ተቓውሞ ስርሓት ዘርሕቖም ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት እንታይ እዩ ትብል?
መልሲ፣ ሎሚ ኩሎም ምሁራት ኤርትራውያን ኣንጻርዚ ዲክታቶርያዊ ስርዓትዚ እዮም።ዲሞክራስያዊ ኪዳን ከኣ ርእይቶኦም ኣብ ቻርተሩ ዘይፍለዩ ኣካል ተቓወምቲ ሓይልታት እዮም ክብል ኣነጺሩዎ ኣሎ። እንተ ብዛዕባቲ ኣብ መዓልታዊ ስርሓት ክርከቡ ዘይምኽእሎም ጠንቁ ውልቀ ምትእስሳራቶም ዝፈጠሮ ኩነት እዩ። ንሕና ውን ንምሁራትና ኣብ መዓልታዊ ስርሓት ክጽንበሩ ኣይጠለብናዮምን። ይኹንምበር ነፍሲ-ወከፎም ኣብ ቦታ ስርሑ ከኮይኑ ኣብ ጉዳይ ህዝቡ ዘለዎ ሓላፍነት ከይዘንግዐ ገለ ካብ ትርፊ ግዜኡን ጸዓታቱን ንጉዳይ ክህቡ ከወፊ ንጽውዖምን ነዘኻክሮምን። ኣዚ ድማ ብዙሕ ጥቕሚ ኣለዎ።
ናይ ምሕዝነትን ዮሃናን ተለግራም
ንፈጸምቲ ራብዓይ ሰለማዊ ሰልፊ መልቦርን
ናብ ወላ ካብ ሃገሮም ዝረሓቁ እንተረሓቑ ተስፋ ቆሪጾም ዘይፈልጡን ንጉዳይ ህዝቦም ዘጋጥሙ ጸገማት ብንቕሓት ዝብድሁን ጽኑዓት ምዑታትን ደቂ ህዝቢ ኤርትራ፣-
ናብ ነዚ ብልሹውን ብመላእ ህዝቢ ኤርትራን ፈተውቱን ዝተፈንፈነን መርሒነት ዲክታቶርያዊ ስርዓት ፓርቲ ህግዲፍ፣ ብጅግንነታዊ ጽንዓት እትምክቱ ዘለኹም ኣብ ኣውስትረልያ ኣትቕመጡ ኤርትራውያን፣-
ብስመይን ብስም መርሒነት ዲሞክራስያዊ ኪዳንን ምስቲ ነቲ ዘስካክሕ ቁርን ከቢድ መነባብሮን ብምጥሓስ ዘበርከትኩሞ ግደን ዝወሰድኩሞ ሓላፍነታዊ መርገጽን ዘለናቃልሳዊ ምሕዝነት ንገልጽ። እዚ መርገጽዚ ከኣ ኣብ ቃልሳዊ መዝገብኩም ዝውሰኽን ብመንገድኹም ኣቢሉ ድማ ንጽኑዕን ንቑሕን ጉዕዞ ቃልሲ ህዝብና ብብሩህ ቀለም ዘስምረሉን እዩ። ነዚ ብስም ህዝቢ ኤርትራ ናይ ምልማንን ምሽቃጥን ፈስቲቫልዚ ምንጻግኩምን
ብጽንዓት ምምካትኩም ኣድንቖት ዝግብኦ ምዃኑ የርጋግጸልኩምን፣ ዮሃና ድማ ይብለኩምን። ኣንጽርዚ ሰብኣውን ፖለቲካውን ቁጠብውን ባህላውን ሃይማኖታውን መሰላት ህዝቢ ዝግህስን ዝረግጽን ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝወሰድኩም ታሪኻዊ መርገጽ ንፈዋሲ ድምጽኹም ኣብ ምሉእ ዓለም ከስምዕ ክኢሉ እዩ።
ከምኡ ውን ድሌታት ህዝብና ብኣሬመናዊ ተግባራት ስርዓት ኢሳያስን ደቂ መዛምርቱን ክዕገት ከምዘይክእልን፣ ቃንዛን ስቅያትን ናይ ኩሎም ንጹሃትን፣ ደቅን ስድራቤታትን ስዉኣትን፣ ደቅን ስድራቤታትን ዉጉኣት ሓርነትን እሱራትን፣ከንቱ ክተርፍ ከምዘይክእልን ዘረጋግጽ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ደቂ ህዝቢ ኤርትራ ኢኹም ኣመሓላሊፍኩም። ስለዚ ግዜን ቦታን ከይፈለኹም ጸዓታትኩም ቀጽሉን፣ ነዞም መጸይቲ ደም ህዝብን ስዉኣትን ብመንገዲ ሰለማዊ ሰልፍታትኩምን ነጻ ብርዕታትኩምን ብኩሉ መሳርሕታት ዜናን ኣቢልኩም ኣጻብቡሎም ንብል። ካብቲ ፈዋሲ ዝኾነ ጎረሮኹም ዝወጽእ ድምጽን፣ ብብርዕታትኩም ዝሕንጠት ቃላትን ዕድመ ናይቲ ኣብታ ኣብ መንጎ ደቃ ፍቕርን ስኒትን ዝነገሳን፣ ህዝባ ጸጋታት ሓርነትን ዲሞክራስን ፍትሕን ኣናስተማቐረ ክነብራ ዝግበኣ ሃገር ዘውደኽድኽ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርት ኣብ ምሕጻር ዘቀላጥፍ ቀንዲ ጠያይቲ እዩ።
ልባዊ ሰላምታ ነዓኹም ፣ደገፍን ምሕዝነትን ምሳኹም፣ ሓላፍነታዊ መርግጻት ክሳብ ፍጹም ዓወት ይቐጽል፣
ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት-ጽሕፈት
ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን
ሑሰን ኸሊፋ መሓመድ ዓሊ
24 ታሕሳስ 2005
መሪር ሓዘን
መርሒነት ኢርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን መሪር ሓዘን እናተሰምዓ ኣባል ማእከላይ መርሒነት ኤዲኪንን፣ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ሽማግለ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶን ተጋዳላይ ስዩም ዕቕባሚካኤል ብዕለት 17.12.2005 ብምኽንያት ሃንደበታዊ ሕማም ልቢ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተሰውኣ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ትእውጅ።
ስዉእ ስዩም ሓደ ካብቶም ዉፉያት ናይ ዕላማታትን መትከላትን ህዝቦም ዝኾኑ ተጋደልቲ እዩ። ስዩም ኣብ ንኡስ ዕድመኡ ብ1964 ዓ.ም ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብምስላፍ ሃገራዊ ግደኡ ኣብ ምብርካት እንከሎ ብ1965 ብሰበስልጣን መግዛእታዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ተኣሲሩ። ድሕሪ ናይ10 ዓመት ብዙሕ ስቅያት ዝመልኦ ማእሰርቲ ከኣ ብ1975 ብደባይ ተዋጋእቲ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ካብ ማእከል ቤት-ማእሰርቲ ዓዲዃላ ክወጽእ ክኢሉ፣
ስዉእ ስዩም ኣብ መትከላቱ ዝተረረን፣ሓርነትን ልዑላውነትን ሰብን መሬትን ኤርትራ ንምርግጋጽን፣ ኣብ ውሽጢ ዜጋታታ ዲሞክራስን ፍትሕን ማዕርነትን ንምንጋስን ብጽንዓት ደው ዝበለን ዝተቓለሰን፣ ነዚ ቅዱስ ዕላማታትዚ ህያው ንምግባር ብትብዓት ሃገራውን ውድባውን ዕማማት ኣብ ምስላጥ እናነጠፈ እንከል ድማ ዝተሰውአ ሓደ ካብቶም ምዑታትን ልሉያትን ተቓለስቲ እዩ።
በዚ መሪር ኣጋጣሚዚ ከኣ መርሒነት ኤዲኪ ስውእ ስዩም ዝተቓለሰሉ ክቡር ዕላማታት ስጋብ ዝዕወትን፣ ኣብ ናይ ጽባሕ ኤርትራ ሓቀኛ ሓርነትን ዲሞክራስያዊ ኣሰራርሓን ፍትሕን ስጋብ ዝረጋገጽን ቀጸልቲ ምዃኖም ንመላእ ህዝቦም ቃል ይኣትወሉ።
ከምኡ ውን ንኹሎም ብጽቱ ኣባላት ተ.ሓ.ኤ (ሰ.ባ)ን ስድራ-ቤቱን ኩሎም ፈተውቱን መሓዙቱን ጽንዓትን ትዕግስትን ክህቦም ይምነዩን።
&