
NationalEr Interest 03/31/2025
መወከሲ ሆስፒታል ድሕቶም፡ ኣብ ዞባ ደ/ቀ/ባሕሪ – ወደባዊት ከተማ ዓሰብ ተደኲና ትርከብ ኮይና፡ ብኤርትራዊ ኩባኒያ ህንጻ ሙሳ ዓሊ (Musa Ali Construction Company) ብዋጋ 175-ሚሊዮን ናቕፋ ዝተሰርሐት ዘመናዊት ሆስፒታል ኢያ።
መወከሲ ሆስፒታል ድሕቶም፡ ኣብ 32-ሄክታር ተደኲናት ትርከብ። 212-ክፍልታት፡ 2-ዓበይቲ መኽዘን መድሃኒት፡ ላባላቶሪ፡ ፋርማሲ፡ ካልእ ሕክምናዊ ዋርድታት ዘጠቃለለት፡ ኣብ ሓደ እዋን – ክሳብ 200-ሕሙማን ክተአንግድ ድማ ትኽእል። ድሕቶም፡ ብዕቤታ ካብ መላእ ሃገር፡ ኣብ 4ይ ደረጃ ትስራዕ ሆስፒታል ኢያ።







