
Dq 18-12-2005
mk]M LE lr} KE lEq XqVg Blg M}e]dh]} mkA}kpg Nq oE ]M chlLF nK}kX oD HX{q XqV [Vg lr: o[M| KUX Hs} }D: }]Vko} }| dF[ mko} }q AmkM mkF::| pU' sX] MkX M D [mk HEͧ ]D { mkpU ]M Ik|q |;
mkX} K]} }[Lpq
H~M mkSLXM
ናይ ሓዘንን ምጽንናዕን መልእኽቲ
ብሞት ተጋዳላይ ስዩም ዑቕባሚካኤል ሓዘና እናገለጽና፣ ንቤተ ሰብ ጽንዓት፣ ንመዋቲ ከኣ መንግስተ ሰማይ ከዋርሶ ንምነ። ንኣባላት ሰውራዊ ባይቶ ከኣ ንዕላማኹም በዚ ዘጓነፈኩም መሪር ሓዘን ከይተሰናበድኩም ብትብዓት ንክትቅጽልዎ ነተባብዕ።
ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ባይቶ
12-19-05
ናይ ጽንዓት መግለጺ
ነጸረ ተ/መድህን - 20/12/2005
ኣብ ግምት ዘይጸንሔ፡ ሃንደበታዊ መስዋእቲ ኣቦ-ወንበር ተ.ሓ.ኤ. ሰ/ባ ሓርበኛ ስዩም ዑቕባሚካኤል ብዓሚቑ ነድርን ሓዘንን ተቐቢለዮ። ኣዝዮም ብዙሓት ዜጋታት፡ ከምዚ ናተይ ስምዒታት ከም ዘሕደረሎም ከኣ ዘጠራጥር ኣይኮነን።
ሓደ ካብቶም ንነጻነታዉን ሓርነታዉን ቃልሲ ልዕሊ ብሕታዊ ረብሓታቶም ዝሰርዑ፣ ኣንጊሁ ብትብዓት ዘትከለ፣ ሰነድ ታሪኽ ብረታዊ ቃልስና ከም ዝኾነ መዘናታቱን ናይ ታሪኽ ኪኢላታትን ሓሓሊፎም ብህይወቱ እንከሎ ፈይ ከብሉዎ ጸኒሖምዮም።
ኣብ እዋን ተኣፋፊ ሰዓታት፡ ኩሉ ኣብ ትሕቲ ጭቡጥ ሃገራዊ ዴሞክራስያዊ ዕላማ መደብ ተሰሪዑ ናይ ልቦና ስኒታዊ መስርሕ ንምትላም እጃሞም ከበርክቱ ተስፋ ካብ ዝተገብረሎም መራሕቲ ሓደ ምንባሩ ይምዘን። ኩሉቲ ምጽጻይ ዘድልዮ፣ ዝወዓሉ ይንገሩን ይምከሩን እንድዩ ናይ ቃልሲ ተመክሮ ሃብቲ ዘለዎም ከምኒ በዓል ስዩም (ሓረስታይ) ኣድለይትን ኣገደስትን ምዃኖም ንምዕጋብ፡ ዝፈላሊ ኣርእስቲ ኣይምኾነን።
በዚ መጠን ክምዘን ስለ ዝጸንሔ ከኣዩ መስዋእቲ ሓርበኛ ስዩም ዑቕባሚካኤል፡ ሓደ ካብቲ ኣርሒቕናን ከም ዘይመጽእን ጌርና ክንርእዮ ዝጸናሕና ጉዳይ ስለ ዝነበረ ንኹልና እዚ ሃንደበታዊ ሃገራዊ ክሳራ ክንጸሮ ኣየኽኣለናን። ዉርሻ ዝገደፎም ኣወንታዊ ልሉያት ኣብነታት ጥራሕ ዘይኮኑስ፡ ኣብ ዘይሰዓቱ ምኹላፍ ሓርበኛዊ ስዩም፡ ነቶም ዝተረፍና ተግባራዊ ኣስተምህሮ ክኾነና እዩ።
በል ስዩም (ሓረስታይ)፡ ኣብቲ ነዊሕ ዘይገበረ መስዋእቲ ብጸይትና ኣድሓነት ዓንዱ ብስም ተ.ሓ.ኤ. ሰ/ባ ዘመሓላለፍካዮ ናይ ምሕዛንካ መግለጺ ሓረጋት (Adhanet.com) ትዝ እናበሉኒ ምስቶም ቅድሜኻ ዝሓለፉ ናይ ታሪኽ ኣብነታት ጀጋኑና ክትዝከር ምዃንካ ኣይጠራጠርን።
ንስዉእ ሓዉናን ብጻይናን ስዩም ዑቕባሚካኤል መንግስተ ሰማያት የዋርሶ፤
ንምሉኣት ስድራ-ቤቱን መሓዙቱን ከኣ ጽንዓት ይሃብኩም - እብል
ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና ! !
ሐጺር መግለጺ ሐዘን
ጨንፈር ተ.ሐ.ኤ. ሰ/ባይቶ ከተማ ሳን ድየጎ
ዕለት 17 ታሕሳስ 2005 ዓም.ፈ.፣ ኤርትራ ሐደ ካብቶም መላእ ሂወቶም ዝተበጀዉላን ዝተወከፉላን ሐርበኛታት ደቃ ዝኾነ፣ ክቡርን ጅግናን ተጋዳላይ ስዩም ዑቕባሚካኤል ከሲራ። አብ ከተማ ሳን ድየጎ ሕቡራት መንግስታት አሜሪካ ዝርከብ ጨንፈር ተ.ሐ.ኤ. ሰ/ ባይቶ ነዚ ዘሕዝን ተረኽቦዚ አመልኪቱ፣ እዚ ዝስዕብ መግለጺ አውጺኡ።
ብጸይ ስዩም! እተን ደኺምና ዘይፈልጣ አብራኽካ ተጋዲመን፣ እተን ጺሒፈን ዘይርብርባ አጻብዕካ ተዓጺፈን፣ እተን ፍትሒ፣ ደሞክራሲ፣ ልዑላውነት ግዝአተ ሕጊ አብ ዓደቦኻ ከንግሳ፣ ንአዕኑድ ዲክታተርነት ከአ ክድምስሳ፣ ወትሩ ከይሰልከያ ዝንቀሳቀሳ ድምጺ ከናፍርካ ሎሚ ተኾሊፈን። እወ ነቲ ሰብ ዝሰርሖ ናይ መግዛእታዊ ስርሒትን፣ ነቲ ምልካዊ ዓማጺ ናይ ጭቆና መስርሕን፣ ንሐንቲ ሰከንድኳ ናብ ካልእ ግልጽ ከይበልካ፣ ብትሪ መኪትካ ፈጺምካዮ።አማን ብአማን ሃገራውን ህዝባውን ግቡእካ ፈጺምካ። ዕርዲ ቓልሲ ምስ ሐዘ ነቕ ዘይብል፣ ምስኩር ዘሕይለል፣ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዘፍረዮም ተቓለስቲ ምርኡያት ደቁ ሐደ ምዃንካውን ብተግባር አርኢኻ። ንአምን ጣዕሳውን የብልካን። ግንከ አይከምባህግናን አይከም ትጽቢትናን። ከመይ ኩሉና በብተራ አማስያኡ ናብኡ ገጽና ከምንጉዓዝ ፍሉጥኳ እንተኾነስ፣ አብ ዘይሰዓቱን እዋኑን አመና ቐልጢፍካ ሐዲግካና። ንዓኻ ዘይኮነስ ነታ መሰነይታ ዝኾነትካ ሞትውን እንተኾነ እምቢ ኢላ ዘየታረፈትካ ብምረት ተቐዪምናላ። ናይ ትማሊ ተቓላሳይ ናይ ሕጂ ክቡር ስዉእ ብጻይ ስዩም! ነቲ ዕሸል ከለኻ ዝጎየኻሉ፣ ህቡብ መንእሰይ ኰንካ ተአሲርካ ዝተሞቓሕካሉ፣ ብረትካ ተሐንጊጥካ ከይተሐለልካ ምእንቲ ህዝብኻ ዝተጋደልካሉ መሬት ዓደቦኻ፣ እኳ ንቕሩብ እዋን ተመሊስካ ሸናዕ ዘይበልካሉ ሐሲብናስ፣ ንሐዘንናኳ መስፈሪ ሲኢናልሉ። ምልካዊ ሰረት ተማሕዩ፣እቲ ወትሩ እትዝምረሉን እተስተምህረሉን ናይ ሰላምን ስኒትን ራኢኻ ክዉን ኮይኑ፣ አብ ፖለቲካውን ብረታውን ተጋድሎ ዝተዋሳእካዮ፣ ጻማ ናይ 45 ዓመታት ዕድመ ቃልስኻ ክንዲ ምርአይ፣ ጸሊም ሞት ብአቋራጭ አኳሊሙ፣ መሪር ጽዋኡ አምዒጉ፣ ንዘለአለም ካብ ስድራኻ፣ ብጾትካ፣ ህዝብኻን ሃገርካን ፈልዩ ክወስደካ ምስማዕናስ አመናኳ አስደሚሙና ኽቱርውን ሐዚንና። ስዩም ክምህ ዘይብል ተባዕ ሐርበኛ ተጋዳላይ፣ ስዩም ናይዚ መዋእልዚ ኪኢላ ናይ ፍትሒን ግዝአተ ሕጊን ሐያል ጠበቓ መዳራይ ጽሐፋይ፣ ስዩም ቀደም ንባዕዳዊ መግዛእቲ፣ ሎሚ ንናይ ወዲ ሃገር ምልካዊ ስርዓት ዘይጽዓድ እምቢ አበደን ብሃላይ፣ ድሐን ኩን።
ንዓኻ ድሐን ኩን ብምባል ሎሚ ንመጨረሻ እዋን ክንፋነወካ እንከለና፣ እዚ ተረኽቦዚ ፈጺሙ ዘይውሐጥ፣ አመና ዔር ዝብል መሪር ሐሞትዩ። እቲ ብሐባር ዝተቓለስናሉ ዝደመናሉ፣ እቲ ብሐባር ዝተጨወናሉ ዝተሃደናሉ፣ክቡር ህዝባዊ ዕላማና አብ መዓርፎኡ ክሳብ ዝበጽሕ፣ እቲ ልሙድ ምሳና ሐዲግካዮ ዝኸድካ ከቶውን ዘይልሕልሕ ኤርትራዊ ሐርበኛዊ ዕጥቂ ከነትርሮምበር አይከነዝልቖን ኢና። ናይ ፍትሒን ደሞክራሲን ሰንደቕ ዓላማና ገቲርና፣ ክሳብ ነብሲ ወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ ምዩቕ ከይበለ ቀሲኑ ዝነብረላ፣ ሐራን ሰላማዊትን ኤርትራ ትረጋገጽ ከአ፣ ቃልስና ከም እነሕንን በዚ አጋጣሚዚ ቃል ንአትወልካ።
ስዩም! ከምቲ ወትሩ ዝነበረ ባህግኻን ቃልስኻን አብ ዞናና ምልክት ርግአትን ቅሳነትን ዝኾነት፣ ሐድነት መሬታን ህዝባን ዝዓቀበት፣ ምስ ጐረባብታ ጐኒ ንጐኒ ኰይና ዝተወሃሃደት፣ ልዑላዊትን ምዕብልቲን ድልድልቲን ሰላማዊት ሐያል ሃገረ ኤርትራ ንምህናጽ፣ ክምህ ከይበልና ክንረባረብ ኢና። አብ ናይ ዘለአለም ዕረፍቲ ቦታኻ ኰንካ ኸአ አጆኻ ቅሰን።
በዚ አጋጣሚዚ ነቶም ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝሃሰዮም፣ ወትሩ ካብኦም ተፈሊኻ ብምንባር፣ ተወሊዶም ከም አቡኦም ርእዮም ዘይጸገቡኻ ዕምባባ ደቕኻን ቤተሰብካን ጽንዓት ይሃቦም። ነቶም ትጽቢቶም ዝተቖጽዮም መላእ መቓልስቲ ብጾትካን ውድብካ ተ.ሐ.ኤ. ሰ/ባይቶን አባላቱን ጽንዓት ይሃቦም። ንዓኻ ምስአን ክሳራን ዕንወትን ናይቲ ኩሉ ደላይ ሰላምን ራህዋን ስለዝኾነ፣ ተቓለስቲ ደቁ ንኸድሕንዎ ቁሊሕ ዝብል ውጹዕ ህዝብናን፣ ነቶም ናይ ቃልሲ ጾር መሻኽምትኻ ንዝኾኑ ኩሎም ተቓወምቲ ሐይልታት ኤርትራን ጽንዓት ይሃቦም ንብል።
ስዩማይ አዳም ኢናሞ ክሳብ ተራና በጺሑ ነርክበካስ ድሐን ኩን!!!
ናይ ዘለአለም ቅሳነትን ዕረፍትን ከአ ይሃብካ!!!
ተስፋይ ተኽለ
አቦ ወንበር ጨንፈር ተ.ሐ.ኤ. ስ/ባይቶ
ከተማ ሳን ድየጎ ሕቡራት መንግስታት አሜሪካ