እዚ ኹሉ ትጽቢት ህዝብን ሃገርን በኒኑ፡ ድግማ፡ ዝኣረገን ዝጠስጠስን
ፖለቲካ ቀዳሞት፡ ፖለቲካ ኪዳንን ኮሚሽንን ኰይኑ እዩ ክተርፍ።


ህዝብን ሃገርን ካብ መንግስቲ ክንፈሊ ስለ ዘይከኣልና፡ 21 ዓመትና ሕብምሊል ንብል ኣለና። ደጊም ናብ ጥሮታ ኢና። ከም ሃገራዊ ተቃውሞ ፈሺልና ከም ተለጣፊ መንግሰቲ ክልል ትግራይ ደድሕሪ ጀነራል መስፍን አማረን በረኸት ስምኦንን ዘበዘብ ክንብል ንርከብ፡፡ እዞም እግሪ-ተኽሊ ፖለቲካ ዝኾኑ መንእሰያትና: ሃገርን ህዝብን ካብ መንግስቲ ክፈልዩ ይግባእ። ንኽዕወቱ: ነቲ ዝጸርፍዎን ወስ ዝብልዎን ዘሎዉ ህዝቢ: ኣዕጊቦም: ጠለቦም ጠለቡ ከምዝኸውን ጌይሮም ናብ ሰፊሕ ህዝባዊ ምብርባር ክሰጋገሩ ክኽእሉ ኣለዎም።። ካብኡ ዝተረፈ ሰልፍታቶምን ኣኸባታቶምን ንረብሓ እቶም ንወረቐት ክሰኣሉ ኢሎም ጽግዕ-ጽግዕ ዝብለዎም ንረብሓ ጀነራል መስፍን አማረን በረኸት ስምኦንን ክኸውን እዩ። እዚ ኹሉ ትጽቢት ህዝብን ሃገርን በኒኑ፡ ድግማ ዝኣረገን ዝጠስጠስን ዝመሽመሸን ፖለቲካ ቀዳሞት፡ ፖለቲካ ኪዳንን ኮሚሽንን ኰይኑ እዩ ክተርፍ። እዚ ኹሉ ትጽቢትናን ትጽቢት ህዝብን ..ነዚ ኣይነበረን..

በቲ ሓደ ኢድካ ተዓሪ፡

በቲ ሓደ ኢድካ ተፍርስ?

ኤርትራዊት ጓል-ኣንስተይቲ ግዳይ ከተርቲ ኮይና

 ተኽለ ዑቕባሚካኤል ተዓዛባይ Thu, 06 Oct 2011 12:03:01 -0400

ብዕለት 02.10.2011 ኣብ ከተማ ጊሰን ዝተጸንበል „20 ዓመታት ሓበንን 50 ዓመታት መኸተን“ ንምስታፍ ኣብቲ ቦታ ንምኻድ ኣብ መንገዲ ኣብ ዝነበራ ደቀኣንስትዮ ጉድኣት ወሪዱ:: እዚ ብ „ተቓወምቲ“ ኢና ብዝብሉ ወገናት ኣብ ዝተጸወዐ „ሰላማዊ“ ሰልፊ: ክሳተፉ ዝመጽኡ ዘይሓላፍነታውያን ሰባት ዝተተግበረ እከይ ተግባር: ሰላማውያን ሰባት ብፍላይ ደቀኣንስትዮ ዕላማ ብምግባር: ኣብ ፈቐዶ ኣንጎሎታት ተሓቢኦም ብምጽናሕ: ኣብቲ ብኣምባሳደር ኤርትራ ዝተወደበ ጽንብል ከይሳተፋ ምፍርራሕን ኣካላዊ ጉድኣት ምውራድን ዘጠቓለለ ኢዩ ነይሩ:: ብጀካ ጎነጽ እውን: ስልማተን ብምቕንጣጥ ከትሪን ዘረፋን ከምዝተኻየደ እውን ተፈሊጡ::