ልክዕ
እዩ እዋኑ እዋን አይዞይ አይዞኻ ስለዝኾነ፣ ከምቲ ቅድሚዓመታት ወይ አዋርሕ ብስምዒት ንጽሕፎን ንዛረቦን ዝነበርና ንነገራት ከም
አታሕዛ እንቛቑሖ ክንሕዞም ጀሚርና አለና፡፡ እቲ ምንታይ’ሲ ነቶም ክሰምሩ ንደልዮም ባህግታትን ሽቶታትን፣ ሽሕ እኳ ጭቡታት
እንተዘይኮኑ፣ ገለ ናይ ተስፋ ጮራታት የርእዩ ብምህላዎም፡፡ ኮንዶ’ኾን ብምባል ካአ ፣ ብጥንቃቐን እናተሓላለኻን እንዳተጸመምካን
ዝብል ልቦና አብ ነብስወከፍና አናሓደረ አብ ዝመጸሉ ጊዜ፣ ምስኡ ዝጻረርን ምስቲ ባህግና ዘይሳነ ባህሪያት ንርኢ አሎና፡፡ ገለ
ካብአቶም እዚ ሎምቅነ ህቡብ ዛዕባ ኮይኑ ዘሎ ናይ’ቲ ፍናኑን ወኑን ዝመስከርናሉ መንእሰይ ዳንኤል ተወልደ ካብ ጉባኤ ምስጓግ
እዩ፡፡ ነዚ ንሙሉእ ደላይ-ለውጢ መንእሰይ ኤርትራ አጉሁዩ ዘሎ ጉዳይ፣ ቀንዲ ሃንዳሲን ወሳኒን ኮይኑ ዘሎ ድማ አቶ እማህጽዮን
ዶሞኒኮ እዩ ተባሂሉ፡፡ ይኹን ዳአ እምበር ብዘይ ዘተን ትልሚን ዝተግብረ አይኮነን፡፡ ድሕሪ ኩነት እኒ መን ነበሩ፣ ቅድሚ
ምባልና ገለ ካብ ሕሉፍ ታሪኽ ናይቶም ተስታፍቲ ጉባኤን ቀንዲ ተዋሳእትን ክንድርጉሕ፡፡
ምኽንያቱ፣ ተወልደ ገብረስለሴ እውን እንተኾነ፣ ቀንዲ ካብቶም ዳነኤል ብህጹጽ አብ ሓለዋ ጸጥታ ክቀርብ አለዎ ዝበሉ እዩ ዝብል
ነፋሲ-ወረ እዝንና የስማዓና አሎ፡፡ ካብ እሙናት ምንጭታት ካብ ዝረኸብናዮ ሓበረታ፣ ሰሙን ቅድሚ ዻንኤል አብዘይሓሰቦ ፈተና
ምእታዉ፣ ተወልደ ገብረስላሴን እማሃጽዮን ዶሞኒኮን ብተለፎን አብ ህልም ዝበለ ዘተን ጉጅምን ከምዝቀነዩ ንሰምዕ አለና፡፡
ብዝኾነ ናይ እማሃ እኳ ጠሊቐ እንተዘየፈለጥኩ ብዘዕባ ተወልደ ገብረሰላሴ ግን ቁሩብ ክብል እየ፡፡ እዚ ድማ ነቲ ብናህሪ ዝጎዪ
ዘሎ መንሰእይ ኤርትራ፣ ማዓላኡ ምስ በዓል መን ከምዘሎ ንምሕባር እዩ፡፡ ብሕጽር ዝበለ ሓረግ ድማ፣ እዞም ሰባት እዚአቶም፣ አብ
መንእሰይ ኤርትራ ዘለዎም አረአእያ ማዕረ ክንደይ ኢና ንፈልጦ? ቅድሚ ጣዕሳን አስናን ምሕርቃምን ድማ ፣ ብአጋኡ ንምሕባር ካብ
ዝብል አምር እየ ተበጊሰ፡፡ ብ1990 ዓ.ፈ እዩ፤ ዋላ’ኳ እቶም ብሕቡእ ብላዕሊ፣ ጽልእን ተንኮልን ዝህንድሱ ዝነበሩ ሓለፍቲ
ወያኔ ሓ.ት ፣በዓል መን ምዃኖም ብጭብጢ እዚኦም እተዘይተባህለ፣ ቀንዲ ግን ሰዩም መስፍን፣ አባይ ጸሃየ፣ ገብሩ አስራትን፣
አቦይ ስብሓት ነጋ ዝርከብዎም ከምዝነበሩ ሓበሬታ ስለያ ሕ.ግ.ሓ.ኤ ይምስክሮ እዩ፡፡
እዚ ተንኮልን
ጽልኢ’ዚ ድማ፣ ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ ክጋሃድ ርኢናዮ፡፡ ብዝኾነ ግን አብቲ እዋን እቲ ፣ 1990 ዓ.ፈ ፣ ተወልደ ገብረሰላሴ፣
አብ ከባቢ ዓዲ ሃገራይ፣ አኽሱምን፣ ሽረ እንዳ አብ ጉና፣ ምስ ውሱናት ብግልጺ፣ ጸረ መንእሰይ ኤርትራን ሕዝባዊ ግንባር
ሓርነት ኤርትራ፣ ዝነበሩ ተጋደልቲ ወያነ ሓርነት ትግራይ፣ ከም’ኒ ባዓል ሓጎስ ጎሚዳ፣ አውቲስታ-አዴታት (መርሰደስ) ናይ
ሕ.ወ.ሓ.ት፣አረጋይ ባህሩ ( ዉቕሮ) አባል ወታሃደርዊ ጸጥታ ወያነ ሓ.ት ዝነበረ ኮይኑ/ተመሻጢሩ ፣ ብትግራይ አቢሎም ንሱዳን
ዚሳገሩ ንዝነበሩ መንእሰያት ኤርትራ ብሓይሊ ክኸትርን፣ ክውድብን ነቶም እምቢታ ዘስምዑ ዝነበሩ መናእሰያት ድማ “ አበይ አዴኻ
ዘለኻ መሲሉካ? እዚ ሓራ መሬት ትግራይ እዩ” ኢሉ እንዳ ሃደደ፣ አብ
‘ጽራጋ’
ብምህጋር ሓንጎሎም ብናይ ሕ.ወ.ሓ.ት አልባንያዊ ፍልስፍና ክሓጽብን፣ ካብኡ ሓሊፉ’እውን ፣ አዋልድ ክዕምጽ ዝፍትን ዝነበረ
ዕሉል ጸላኢ መንእሰያት ኤርትራ እዩ፡፡
አብቲ እዋን አብ ትግራይ አብ ናይ ስለያ ስርሓት አብ ዝነጥፈሉ አብ ዝነበርኩ እዋን ፣መን/እንታይ ምዃነይ ስለዘይፈለጠ ፣ አብ
ዓዲ ሃገራይ፣ አብ እንዳ
ሳይንስ
ትብሃል ዝነበረት እንዳ ሰዋ /ቤት መግቢ ፣ ተራኺብና፡፡ እግረመገደይ ፣ እታ ቤት መግቢ እንዳ ሳይንስ ዝተባህለትሉ
ምኽንያት፣ እታ ምስ አብኡ ብዓባያ ትእለ ዝነበረት ቆልዓ ካብ አስላማይን ክርስትያናይን ተጋደልቲ ወያኔ ሓ.ት ስለትውለድ
እዩ፡፡ ብዝኾነ፣ ንዓርከይ ተወልደ ብናይ ትግራይ መልሓስ/accent ጽቡቕ ጌረ ቀሪበዮ፡፡ ኤርትራዊ ገጽ ስለዝጠርጠረ ድማ፣
ከይቀደመኒ እንከሎ ቅድመ ኩነት፣ አይ አነስ ምስዞም ካብ ባጽዕ ብግፍዒ ናይ ሻዕብያ ዝተሰጎጉ ተጋሩ እየ ኢለዮ፡፡ (ምኽንያቱ
አብ 1990 ኩሉም እቶም አብ ባጽዕ ምስ ደርጊ ኮይኖም ሰብ ዘልምሙ ዝነበሩ ተጋሩ ከምዘለዉዎ እዮም ተባሪሮም) አንፈት
ስለዝሃብኩዎ ድማ ፣ እቲ መርዛዊ ልሳኑ ቐጸለ፡፡ አብ ልዕሊ መንእሰያት ኤርትራ ዝነበሮ ጽልኢ እንናህነሀ “እዚኦም ኩሎም ንሶም
እዮም ዓበይቶም ናእሽቶኦም ትግርኛ ብትግርኛ ምኩሓት”፡፡ ቀጺሉ፣ “ዓፋፍት መንእሰያት ስለዝኾኑ ካአ ነዛ ዘይትጠቅም ወደብ
ባጽዕ ተታሒዛ’ሎም ኩሎም (መናእሰያት) ናብዚ ናይ ከበሳ ብርዧ ውድብ ይውሕዙ አለዉ” ኢሉኒ፡፡ ከምዚ ኢለ ካአ ትርጁግ
ሕቶ ሓቲተዮ፤ “ እዋእ ወያኔን ሻዕብያን ዳአ ሓደ እንድዩ መሱሉኒ ነይሩ? “ ብሙሉኡ’ዚ እንዳ ስዋታት ትግራይ ድማ ፣ ብናይ
ሻዕብያ ካሴት አጥለቕሊቑስ ፣ ኩሎም እዞም አጓብዝ ትግራይ፣ ዋላ እቶም ፍረ-ወያኔ ( ምሩኻት) ከይተረፉ፣ ብናይ ሻዕብያ ደርፊ
ተጎምጸጽ ክሰዕሱዑ እወዕሉ አለዉ ኢለዮ ፡፡”ዓርከይ ተወልደ ቀጺሉ “ንሕጂ እዩ ንሕጂ፡፡ ነዚ ዉድብ’ዚ ከይዓብን ከየዕወትን
አብዚ ሓራ መሬት ትግራይ ኰንና መንሽሮ ክንኮኖ ኢና፡፡ ነዞም ካብ ደርጊ ሃዲሞም ካብ ሸራሮ ንሽላሎ ናብ’ዚ ቡርጇ ዉድብ
ዝሕወሱ ዘለዎ መናእሰያት ድማ አብዚአ ምኽርዳኖም እዩ ኢሉኒ፡፡ ብልበይ ድማ እስሕቕ ነይረ፡፡ ብሓቂ ግን፣ እቲ ባይታን ስርሐይ
ስለዘይፈቕዶ እምበር ምስቲ አብቲ እዋን ዝነበረኒ ረስንን ሕንሕነን ክነኽሶ እውን ነውሪ አይምነበሮን፡፡ ድሕሪ አብ ዓዲ ሃገራይ
ምፍልላይና፣ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ይኸውን፣ ክዳን ቀይረ፣ አብ ሽረ፣ ምስ ብጻይ ንዋቱ (ጀማሂር ህ.ግ.ሓ.ኤ ናይ ሽረ ነበር)
፣አብ እንዳ አቦይ ሃብተ ‘ሰቲት ሆቴል’ ሻሂ እንዳሰተኹ፣ ብማዕዶ ምስረአየኒ ግን፣ ናይ ብሓቂ ሰንቢዱ፡፡ ምኽንያቱ
እቲ አብ እንዳ ሳይንስ ፣ብናይ ትግራይ መልሓስ/accent ዘዕልሎ ዝነበረ እሙን ትግራዋይ ወዲ ራማ፣ቀንዲ ናይ ደም
ጸላኢኡ ሻዕብያ ኮኢኑ ረኺቡዎ፡፡ ሹዑ ንሹዑ፣
ከም ነብሪ ዝርአየት
ጠለቤዱ ነፊጹ ጠፊኡ ፡፡ አይወዓለን ከአ፣ ብናይ ‘ጭውያ ክሲ’ ምስናይ ወያኔ ሓለፍቲ ጸጥታ ፣ አብ ህውከት አእትዩና
ሃዲሙ’ዚ ሃዳሚ፡፡ ዝገደደ፣ ሳልስቲ አይጸንሐን አብቲ እዋን እቲ፣ ናብ ሽረ ንኮንፈረንስ ንዝመጹ አባላት ደ.ማ.ሓ.ኤ
፣ ገለ ካብቶም ዝዝክሮም በዓል አብራሃም አስገዶም፣ ቅድሽ ፣ተስፋገርግሽ ነጋሽ፣ ወዲ ጸዶ ወ.ዘተ ዝነበርዎም፣ ገሊኦም ካብ
ሱዑዲ ገሊኦም ካብ ካናዳ ገሊኦም ድማ አብ ሓራ መሬት ትግራይ ዝነጥፉ ዝነበሩ አባላት ደማሓኤ ፣ ሻዕብያ ብሙሉእ ሓይላ ስለያ
አዋፊራ አላ እሞ፣ ካብ ጭውያ ተጠንቀቑ ዝብል ናይ ራዕዲ መልእኽቲ አመሓላሊፉ ፡፡ንዝተወሰነ ሰሙናት እውን አብቲ ከባቢ ዝነጥፍ
አብ ዝነበረ ሓይሊ ጸጥታ/ስላያ ሕ.ግንባርን ወያኔ መባእታዊ ጎንጽታት ተራእዩ፡፡ ዛንታ ከዘንቱ ኢለ ዘይኮንኩ፣ ከምቲ ምስላ
አቦታትና ዝጸውዮ፣ ‘ስንኩል ንስንኩል ይፋጉኡ ብድንኩል’ እዩ’ሞ፣ ዋላ’ኳ ከምቲ ዝበሃል እምሃን ተወልደን ብብዙሕ ነገር
ፍልልያት ይሃልዎም፣ ሓደ ዝራኸቡሉ ዓቢ ነጥቢ ግን አሎ፡፡ ንሱ ድማ አብ ልዕሊ
መንእሰይ ኤርትራ
ዘለዎም ንዕቀትን ጎዶሎ ሚዛንን እዩ፡፡
ብዓቢኡ ድማ ዝተጎዛዘየትን ሰላም ዘይብላ ፣ መናእሰያታ ዝባደመት ኢርትራ ንክርእዩ ካብ ናይ ኩሉ ህይወቶም ጊዜ ንላዕሊ፣ ሰለምታ
ዘይብሉ ለይቲ ይሓድሩ አለዉ፡፡ ነዚ እዩ ድማ ፣ ብፍላይ መናእሰያትና፣ አብዚ እዋን’ዚ፣ሽሕ ንብሃግን ለውጢ ንድለ ዳአ እምበር፣
ማዓላና ምስ መን ክከውን ከምዘለዎ ከነስተብህልን የማነ ጸጋም ክንርእን፣ ህድአትን ልቦናን ዝጽበየና ዘሎ፡፡ እቶም ናይ’ዞም
ሰባት’ዚኦም ( እማሃን፣ ተወልደ) ድሕረ ባይታ ዝፈልጡ ደቂ ሃገር ኤርትራውያን ድማ፣ አብዚ ሕጂ’እዋን፣ አንፈት መናእሰያትና
ናብ ቅኑዕን ዘየጣዕስን ቃልሲ መታን ከምርሕ ዝፈልጥዎ ክጽሕፉን ክብሉን እላቦ፡፡ ስለምንታይ’ሲ እቲ ጽባሕ ዘይንጾሮ መደራጉሕ
ቅድሚ ምምጹኡ፣ ሕጂ ንደርጉሕ! አይኮነን ግን፣ እቲ ሕጂ ብሃታ ሃታ ንበዓል እማሃን ተወልደን መሰልቶምን አሚንካ ዝግበር ወፍሪ
“ከንቱ ውእቱ” ይመስል አሎ፡፡ ብውግእ-አንጻር-መናእሰያትና ዝፈለመ ቃልሲ ናበየናይ ወሓዚ ይጽንበር ድማ፣ ቅድሚ ዝአገረ
መናእሰያትና ክፈትሕዎ ዘለዎም ሕንቅልሕንሊተይ እዩ፡፡
ስመርርርርርርርር!
አለም ሃብተ ነጋ