ኣዴኺ ዶ ሓትነኺ ይሕሻ

ኩለን ሓደ ብጥይት ይላሓሳ

 

መቸም ዕድመ እንተሂቡካ ጽቡቕ’ዩ ከምቲ ደራፋይ ወዲ ገብሩ ዝበሎ ንኹሉ እንቋዕ ኣርከብኩሉ እንድዩ እንሆ ኸኣ ሎሚ እንቋዕ ኣርከብናሉ እቶም ትማሊ ኣብ ሜዳ ከለና እዛ ሃላሊት ግንባር እንዳበሉ ኣብ ሓዊ ዝጠብሱና ዝነበሩ ሎሚ ቀንዲ መጋበርያ ህግደፍ ኮይኖም ክምድሩ ርኢና እቶም ንሕና ዲምክራስያውን ኢና ዝብሉ ዝነበሩ ውድባት ክፈናጭሉ ርኢና እቶም ሃገር ቅድሚ ኩሉ ዝብሉ ዝነበሩ መራሕቲ ሎሚ ትሕቲ ሃገራውነት መደባት ክቋማጥዑ ርኢና ወዘተ………

ናብቲ ዘንቀለኒ ኣርእስተይ ክኣቱ ቲቪ ኤረን ድሃይ ኤርትራን እንታይ ሎውጢ ኣሎውን ንዓይ ከም ዝመስለኒ ቲቪ ኤረ ነቲ ኣብ ሃገር ዘሎ ብልሽውናን ግዕዘይ ምሕደራን ገዲፋ ብሓድሽ ደርፍን በልጭለጭን 24 ሰዓት ኤርትራ ከም ስንጋፎር ከምትመስል ጌሮም ንህዝቢ የታሉሉ ከምዘሎው ኩላትና ንሪኦን ንዕዘቦን ዘሎና ክውንነት እዩ። እታ ብደምበ ተቓውሞ ትፍለጥ ድሃይ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ብኣንጻሩ ነቲ ክውንነት ተቃልዕን ትዛረብን ብዘይ ተገብረን ኣብ ባይታ ዘየሎን ቅንዕና ዘይብሉ ወረ ትዝርግሕ ኣላ።

ኣነ ሓደ ካብቶም ዓቢ ጽልኢ ምስ ህግደፍ ዘሎኒ ሰብ እየ ኩሉ ኣብ ኢንተርነት ዝብሃልን ዝጽሓፍን ጽሑፋት ይካታተል እየ ከምኡ ውን እታ ናይ ተቓወምቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ እትፍንኖ ድሃይ ኤርትራ ተለቪዝን ከየቋረጽኩ ይከታተል እየ ሎሚ ቅነ ብጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ብዙሕ ክብሃልን ክዝረብን ቀንዩ ገለ ዝድግፍ ገለ ዝነቅፍ ኣይተሳእነን ኣነ ንባዕለይ ሓደ ካብቶም ንዋዕላ ዝድግፉ እየ ነይረ እንተኾነ ግን ካብ ገለ ዝብሃልን ዝጻሓፍን ቡዙሕ ዘጣራትረኒ ረኺበ ኣሎኹ ንሱ ኸኣ።

ፈጻሚት ኣካል ግምባር ሃገራዊ ድሕነት ኣብቲ ህጹጽ ኣኼባኦም  ብጉዳይ መሰል ብሄራት ዝብል ዘውጽእዎ ኣዋጅ እዛ ትስዕብ ኣገዳሲትን ግሉጽነት ዘሎውን ሓረግ ትርከባ፡፡፡፡፡

 

   ዓረብኛን ቋንቋ ትግርኛን ዝተዘርግሑ ኣዋጃት ኣብ ገለ ጉዳያት ተመሳሳልነት ዘይምንባሮምን፡ ኣብ ውሳኔታት ድማ “... መሰል ርእሰ ውሳኔ ብሄራት ኣብ ትሕቲ ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ ምርግጋጽ። ከምኡ’ውን እቲ መሰል ኣብ መጻኢት ኤርትራ ብደረጃ ቅዋም ክረአ ከም ዘሎዎ ዋዕላ ወሲኑ’’ ዝብል፡ ዋዕላ ዝወሰኖ ኣይኮነን። ዋዕላ ዝወሰኖ’ምበኣር፡ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ወለንታዊ ድልየትን ርድየትን ዝተመስረተ፡ ንብዙሕነት ባህላውን ሃይማኖታውን ብሄራውን ክውንነት ህዝብና ዘኸብርን፡ መሰል ኩሉ ኣከዋውና ሕብረተሰብና ዝሕሉን ምዃኑ ድሕሪ ምርግጋጽ፡ ነዚ መሰረት ብምግባር ዋዕላ ንምክብባርን ምድልዳልን ብዙሕነት ሕብረተሰብና ክሰርሕ ወሲኑ’’ ዝብል’ዩ። ብወገና ዋዕላ ኣብ ዝተመያየጠሎም ጉዳያት ዝተወስዱ ውሳኔታት ብርግጽ ክርከብ ዝኽእል ኣብ ማህደራት ሰክረታርያ ዋዕላ ተመሊስካ ብምምርማር፡ ነዞም ጌጋታትን ካልኦትን ንምፍዋስን ምእራምን ዝካኣል ይመስለና።

ከምዚ ዝበሉ ሕጽረታትን፡ ብብዙሓት ወገናት ዝተጠቕሰ ጌጋታትን ጉድለታትን ኣሰናዳኢት ሽማግለ ንዓወት ዋዕላ ዘፈኵስ ዘይኮነስ፡ ምስ ከምዚ ዝበለ ዓበይቲ ፍጻሜታትን ኩነታትን ክኽሰት ዝኽእል ጌጋታት’ዩ። ዝብል ኣዋጅ ክነሱ ኣብቲ ናይ ሓሙስ ብድሃይ ኤርትራ ዝተገልጸ ኣዋጅ ግን ነዛ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሳ ዘላ ጽሕፍቲ ፈጺማ ኣይተነበበትን ስለምንታይ? ከምዚ እንተኾይኑ ድኣ ካብ ቲቪ ኤረ እንታይ መለሳ ኣሎወን ክውዕየካ ብብማንካ ክዝሕለካ ብኢድካ ግርምባ ከከም ዝጥዕመካን ንጌጋኻ እንዳሓባእኻን ዝዝርጋሕ ጽሕፉን ኣብ ተለቪዝን ዝንበብ ኣዋጃትን እንተኾይኑ ኣበይዳኣ ኣሎ እቲ ግሉጽነት?

 

 

ንእግረ መንገደይ ሎሚ ኣብ ቶጎርባ ብተኽለሰንበት ተኽላይ ዝተጻሕፈት ቅልዕቲ ደብዳበ እትብል ኣንቢበ ትሕዝቶኣ ብመንጽር ክብደት ምዕዋት ሃገራዊ ጕባኤን ሕልኽልኻቱን፣ ብመንጽር ኤርትራዊ ሻቑሎትን ፈታኒ ጸገማቱን ወዘተ... ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝዀንኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ንዝዀነ ዓይነት ምትዅታኻት (provacations) ዋጋ ከይዋሃቦን ከይትምልሱሉን ብትሕትና እሐተኩም፡፡ ርግጽ‘ዩ ግምት ዘለዎን ዘይብሉን ጽያፉ ዘይከልአ ጽሑፋት ይዝርጋሕ አሎ፡ ይኹን እምበር ኣነ ሕጂ‘ውን ብስራሕ ንስዓሮ እየ ዝብል፡፡

እዋእ ኣንታ ተኸልሰንበት እንታይ ተረኽበ ካብ መዓስዮም እቶም ብሄራውያንን ጅሃዳውያንን ተጣበቕቲ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ዝኾኑ? ካብ መዓስዮከ እቶም ዕልማናውያን ጸረ ዲሞክራሲ ለውጢ ዝኾኑ? ከም ሓደ ኣባል ዕልማናዊ ኬንካ ምእንቲ መሰልን ነጻነትን ኢልካ ኣብራኽካ ከምዘይ ተሓምሸሽካስ እታ ኢሰያስ ዝብላ ዘረባ ደጊምካያ ንሱ ድኣ ካብኡ ሓሊፉ ዶ እንታይ ኢሉናዩ እዚኦም ዑሱባት ወያነ ዝተዛረብዎ ከይትሰምዑ መልሲ ከይትህብዎም ብጀካ ብቲቪ ኤረን ድምጺ ሓፋሽ ዝግለጽ መግለጺ ካልእ ዋጋ ከይትህብዎም ንኺድ ጥራይ ከምዝበለ ረሲዕካዮ ዲኻ ምስዛ ናትካ ኣባሃህላ ብኹሉ ትሕዝትኡ ዝሳማማዕ እዩ ንኺድ ጥራይ።

በል እንቋዕ ኣብዚ ኣብጻሓካ  ንስኻን ሰበይትኻን ወይዘሮ ፍረወይኒ ገብረጻድቕ ኣብዛ ሓዳሽ ብጅሃዳውያንን ብሄራውያንን እትውነን መሪሕነት ተመሪጽኩም ከም ዘሎኹም በቲ ናይ ኢንተርነት ሓበሬታ ሰሚዕና ኣሎና።ከምዚ ምስ ተረኽበ እዩ ኣዴኺ ዶ ሓትነኺ ይሕሻ ኩለን ሓደ ብጥይት እላሓሳ ዝተባህለሞ ሎሚ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ተስፋ የብልና ካብ ተቓወምቲ ተስፋ የብልና።

 

ሓለንጋይ ወዲ ቐሺ

በዓል ድምበዛን