ራሳይ መን
ክርስዓኪ!!

25 መጋቢት 1982 .
____________________________________________________
እዚ ሕጂ ብስም ተዳሙን፡ ሃይማኖታዊ ምትእኽኻብ ዝገበረ፡
ቀደም ንጀብሃ ብመደብ ፋሕ ዘበለ ጉጅለ፡
ንዓሊ ሳሊምን ኣአንገድቱን ተሓለቕቱን አዋፊሩ
አንጻር'ቲ ሓውን አካልን ህዝቢ ኤርትረ ዝኾነ
ጅግና ህዝቢ ከበሳ ሕጂ ዝገብሮ
ዘሎ ምጥቃዕትን ክስን ሕጨጫን፡
መቐጸልታ ናይቲ አብ ራሳይ አብ ልዕሊ'ታ
"ናይ ከበሳ ኰይና" ዝበላ ጅበሃ ዘወሰዶ ሃይማኖታውን
ቀቢላውን ቀንጻሊ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ምኻኑ ይነገር።
ኩሉ'ውን ይፍለጦ።
ሕጂኸ እንታይ
ከደግሙ? ? ?
"ጀብሃ፡ ከበሳ ዓብሊሎማ ፋሕ ነብላ"
ካብ ዝብል
ካብዚ ናይ ሎሚ፡ ጸቢብ ቀቢላወን ሃይማኖታውን አተሓሳስባ
ዘይፍለ፡ አብ ልዕሊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ
ዝወሰድዎ ወገናውን ሃይማኖታውን ስጉምቲ ኩሉ ይተሓበሮ።
ንኹሉ ሰራዊት ሓርነት፡
ብፍላይ ከአ አብ ኮሮኮን ታህዳይ ዝነበረን
አብ ራሳይ ዝወዓለን
አባላን ካድርን ብጉዳይ ራሳይ ምሕታቱ ጊዚኡ በጺሑ እዩ።
ሓሙስ ርኢኹም? አደቶመን ናበይ አበሉ ተአሰርትን ደገፍቶምንከ ናበይ?
አብታ
ዕለት ሓሙስ
አታ መን አሎ ዝወዓለ አብኡ፡ አለና'ወ ዝወዓልና አብኡ፡
አብ ምንታይ'ያ ነይራ'ታ ውቅዑ፡ አብ ግንባሩ ድያ አብ ድሕረኡ
ሓንቲ ድያኸ ካዝና ብምልኡ
28 ዓመት ይገበር...
25 መጋቢት 1982 .
አብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ገበን ዝተፈጸመላ ፡
ጸላም ዕለት፡
ጀብሃ ደቂ ከበሳ ስለ ዝዓብለሉዋ ፋሕ ንበላ ዝተባህለሉ አዋን።
..አብታ ዕለት፡ ወተሃደራዊ
ስጉምቲ፡ በዞም ሕጂ ብስም ተዳሙን ተአኻኪቦም ካብ ዘለዉ አካላት ዝረከብዎም፡ አብ ልዕሊ'ቲ ኮንፈረንስ
ክሳተፍ ዘመጸ ዘይዓጠቐ፡
በደቂ ኸበሳ ዘተለለየ፡ ሰሓኤ ይውሰድ፡፡ ድሎ ከይትዕሎ ዘይብሉ መልኣከ ተኽለ ይቕተል፡ መንእስይ መራሕ መኪና ስዒድ ሳልሕ'ወን
ይቕተል። ማዕረ 15 ካድራትን 4-5 ዝኾኑ አባላት መሪሕነትን ይእሰሩ።ካብቶም ዝተአስሩ ከድራት፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ዝተፍትሐ
3 ደቀ-አንስተዮ ካድራት ( ክልተ ምስ ሕጻናት ደቀን) ነበራኦም።
..ጊዜኡ ጊዜ ውግእ ሓድ-ሕድ እዩ ነይሩ (79-80)'ታ ዕለት
· በዞም ንተዳሙን ካብ ዝመርሑ ዘለዉ፡ ሓለፍቲ ወተሃደራዊ ቤት ጽሕፈት ጀብሃ ዝነበሩ፡ ኵናት ምስ ሻዕብያን ወያነኢ አብ ምምራሕ ሰለ ዝሐንገዱ፡ ዕጥቅን ጽንቀን ንሰራዊት አውን ምስ ስለ ዝአገዱ፡ሓለፊ ሕብረተ-ሰብአዊ ቤት ጽሕፈት አብ ፎርቶ ከይኑ ንሰራዊት ሓርነት ክመርሕ ተቐሰበ። ሰሊብ አሕመር (ቀይሕ መስቀል)ወግእ ይመርሕ አሎ ተበሂሉ ኸአ ተሐጨጨሉ።
· ብሰንኪ ምሕንጋድ ወተሃደራዊ ቤት ጸሕፈት፡ ሰራዊት ሓርነት ፡ብጉቡእ ከይተከለ፡ ካብ ደንከል ከም መንጻፍ ተጠቅሊሉ ሱዳን ክአቱ ተገደደ፡፡
· አብ ሱዳን፡ አብ ግርግር ዝተባህለ ቦታ መሪሕነት አኸባ ገይሩ ብደረጃ አዋጅ ናይ ስዕረት ሓልፍነት አስከም በለ።
· ስዒቡ፡ ዝፈለጦ ጉዳይ ግዲ ነይርዎ፡ ጉጀለ ዓብደላ ዝስዓበ ይስዓበና ብምባል ምስ ዕጥቁ ንሰሓኤ ጠነጢኑ ናብ ሓማሽኮረብ ዘተባህለ መሬት ሱዳን ይኸይድ፡ ይፍለ፡ ይፍንጨል። ሱደን ከአ ታነክታት አኸቲሉ ብረት ሰራዊት ሓርነት የውርድ፡፡
· ብረቱ ዘተሓድገ ሰራዊት ናብ ኮሮኮንን ታህዳይን ዝተባህለ መደበራት ሱዳን የምርሕ፡ይዕስክር ከአ። ምፍሕፋሕ አብ ሞንጎ ካድራትን መሪሕነታትን ይግንፍል።
· መርሕነት ጀበሃ ደጊሙ አኸባ ገይሩ ነቶም ተቓወሞ ይመርሑ አለዉ ዝበሎም ይቕይር፡፡ መልአከ ተኽለ፡ ኢብራሂመ ቶቲል ከምኡ አውን ተሰፋማርያም ወልደመርያም ካብ ፈ/ሽ ይስጎጕ።
· ምእንቲ ውድባዊ ሓድነት ተባሂሉ ውድባዊ ኮንፈረነስ አብቲ ዕጡቕ ሰራዊት ጉጅለ ዓብደላ ዝነበረ ራሳይ ዝተባህለ አጻምእ ሱዳን ንኽኸይድ ይእዘዝ።ሮ ራሳይ ዘተባህለ ቦታ ኽግበር ስምምዕ ይግበር።
· እቲ አብ ኮሮኮን ታህዳይን ዝነበረ ሰራዊት "ብረት ከይዓጠቐና፡ ከውድኡና አንድዮም ከምይ ገርና ንኽይድ" ዝብል ስክፍታን ምዕዝምዛምን የሰምዕ።
· እቲ አብቲ ጊዜ’ቲ ከም ምኽትል አቦ ወንበር ተመሪጹ ዝነበረ፡ዶቶር ሃብተ፡ "ክነከይድ አለና፡ ሑሰን ከሊፋ አብኡ ምስ ከደና ብረት ከዕጥቐኩም እየ ኢሉ ቃል አትዪለይ አሎ" ብምባል ካብ አሀዱታትን ቤት ጸሕፈታትን ዘተወከሉ፡ ብረት ንዘይዓጠቑ ከበኪቡ ናብቲ ዝሕንሕን ዝነበረ ዝዓጠቐ ዘተፈንጨለ ሰራዊት በሎሪታት ጽዒኑ ናብ ራሳይ አምርሔ።
· ንመልአከ ተኽለ ኸአ "ትእዛዝ እዩ። ንራሳይ ተበገስ" በሎ።
· ምስ ሰራዊቱ ህጁም ዝአቱ ዝነበረ መልአከ ተኽለ፡ አብዚ በጺሑ ካብ ብጾቱ ሰራዊት ንድሕሪት ክተረፍ እዩ ዝበል ግምት’ኳ አንተዘይነበረ፡ "አንታ ክቐትሉኻ እዮም። አይገድፉኻን 'ዮም አይትኺድ" ይብልዎ፡ ሰራዊት።
·
መልአከ ግን ንራሳይ ይኽይድ። በታ ዝኸዳ
ከይተመልሰ፡ ተቐንጸለ። መቓብሩ አብ ራሳይ ተረፈት። 25 መጋቢት 1982
ንምንታይከ አዞም ሕጂ ብስም ተዳሙን አስላማዊ ምትእኽካብ ዝገበሩ፡ ቀደም ንጀብሃ ፋሕ ዘበሉ፤
" ጉባኤ ሓበሽ ክንገበር?" በሉ
አብ መወዳእታ ሰብዓታት፡ እቶም ነቲ ናይ 75 ሓይሊ ተቐቢሎም፡ ዓሊሞም፡
ዝመርሕዎ፡ ገለን ብመስዋእቲ ገለን በመውጋእቲ ገለን ብሕማም ብዝሕ ዝበሉ ከአ ንዕረፍቲ ንሱዳን ምስ ከዱ ስለ
ዘይተመልሱ፡ ዳራጋ +95% ተጋድሎ ሓርነት በቶም አብ 75 ዝተሰለፉን ብሃገራዊ ጻዊዒት አሃዱታት ሰሓኤ ዘስብሑን
አባለት ሃገራዊ ጻውዒት ዝቖመት ኮነት።
ብወድዕዊ ምኽንያት ከአ አዚኦም ደቂ ከበሳ ክስታንኢነ ስለ ዝነበሩ፡ ጀበሃ "ሓበሽ" ብብዝሖም ዝቆጻጸርዋ ውድበ ኰይና
ረኸቡዋ። ነዚኦም "ሓበሽ" ሒዝከ ናብ 3ይ ሃገራዊ ጉበኤ ምእታው "ጉባኤ ሓበሽ" ምግባርን ስልጣን ንዖዖምን ንህዘብን
ምርካብ ኰይኑ ስለዝተራእየ፡ ጀብሃ ነቲ ብሻዕብያን ወያነን ዘተፈነወላ መጥቃዕቲ ከየትከለት ተጠቕሊላ ናብ ሱዳን ከም ትአቱ
ገብሩ። አወ። እዞም ሎሚ ብስም ተዳሙን ተአኻኪቦም በብርዒ ዓሊ ሳሊም ኣንግደቶምን አመኽነይቶምን
ዝሕጭጩ ዘለዉ።
ክሳብ ለይቲ ሎሚ፡ ብዘይ ሓደ ጎደል፡ ወተሃደራዊ አመራርሓ'መበር፡ ሻዕበያ+ ወያነ ስዒሪሙና ዝበል ኣባል ሰራዊት
ሓርነት አይርከብን። ካብ 3ይ ሃገራዊ ጉባኤ ምግባር'ሞ ስልጣን ንሰራዊት ሓርነትን ነቲ ንሰሓኤ ከም
ዋልታኡ ዝተቐበለ ህዘብን ምርካብ፡ ሰሓኤ አትኪሉ ንውድቡ ከምዘይከላኸል ገቢረካ ፋሕ ምብል ተመርጸ፤ ስልጣን ብዋጋ ውድብ ጋህዲ
ኾነ። ሓበሽ ፋሕ አቢልናያ ኢሎም ከአ አምባሕ በሉ""
ሙቕተመር ሓበሽ እግል ተወደ ተሓዘ ሃሌካ..(ጉባኤ ሓበሻ ክትገብር
ደሊኻ?)
ቅድሚ'ታ ጸላም ዕለተ- ሓሙስ ...
ሓራ ዝወጸ ከተማታት ድሕሪ ብኢትዮጵያ ምትሓዙ፡ ብፍልይ ድሕሪ ምትሓዝ ከተማ ተሰነይ፡ ጅግና ሰራዊት ሐርነት ኤርትራ፡ ውድብ ናብ
3ይ ሃገራዊ ጉባኤ ክአቱን ነብሱ ክሰርዕን ይጠልብ፡፡ ካድራት ውድብ "ወድዓውን በዓል ቤታውን ኩነታት " አይፈቅድን
ኢልና ናይ ሰራዊት ጠለብ ክንዓብስ ንለአኽ። ንዓብስ ከአ። ለካ ንሕና ተለአኽትን ዝጠለበ ሰራዊትን ዘይፈለጥናዮ፡ በጉዳይ 3ይ
ሃገራዊ ጉባኤ ፖለቲካዊ ጥልመት ነይሩ እዩ። (አብኡ ዝወዓለ)
ዕላል ምስ ካብቶም ንጀብሃ ፋሕ ዘበሉ።
ከባቢ '79-80"።
"ሰራዊት፡ 3ይ ሃገራዊ ጉባኤ ይገበረልና ይበል አሎ? 3ይ ሃገራዊ ጉባኤ ዘይትገብርሉ
በለ ሓታታይ*፡
እቲ አብቲ ጊዜ'ቲ
ንተ.ሓ.ኤ ዝመርሕ ዝነበረ ጉጅለ ሕጂ'ውን
ንተዳሙን ዝመርሕ ዘሎ አካላት፡
ክሳብ ለይቲ ሎሚ ንጅግና ስራዊት ሓርነት ዘጒሂ ዘሎ ዘሃቦ መልሲ ከምዚ ነበረ..
"ሙቕተመር ሓበሽ እግል ተወደ ተሓዘ ሃሌካ..(ጉባኤ ሓበሻ ክትገብር
ደሊኻ?)"
(ምንጪ፡ *ሓተታ ካብ መሪሕነት አብ ዓዋተ) ።