
Beyene Semere (Beyene)
መለስ ዜናዊ፡ “ፈቲና ኢትዮጵያውያን ንኾነሉ ኩነታት ብቕልጡፍ እንተ ዘይተፈጢሩ፡ ተገዲድና ኢትዮጵያውያን ንኾነሉ ግዜ ከምዘብቅዐ ግሉጽ ክኸውን ኣለዎ። ንሓደ ህዝቢ ዓፊንካ ትኸዶ ጉዕዞ ዉሱን እዩ። ማእከላይ መንግስቲ ምፍርራስ ክጅምር’ከሎ፡ ኣብ ፈቐዶ ቦታ ዝጥጥዑ ዝተፈላለዩ ብሄራውያን ምንቅስቓሳት እናስፋሕፍሑ ነዞም ምንቅስቓሳት ንምጭፍላቕ ኲናት እናተኻየደ ንዓኣቶም ንምጭፍላቕ ትባሂሉ ድማ ዝኸፍአ ግፍዒ ይፍጸም። ተፈጺሙ ድማ’ዩ። እዚ ንህዝቢ ልቡ የርሕቖ እዩ። ናይ ኢትዮጵያዊ መንፈስ የጉድሎ እዩ። እዚ ብሓይሊ (ንሓደ ህዝቢ) ኢትዮጵያዊ ክንገብሮ ኢና ዝበሃል ኣማራጺ ን ኢትዮጵያ ኣሰራ ከምዘይርከብ ክንገብራ ኢና ዝብል ኣማራጺ ከምዝኾነ ክፍለጥ ኣለዎ። በዚ ምኽንያት ኣማራጺ ኲናት ይንቕበሎን ኣይንድግፎን ድማ።
ህዝቢ ኤርትራ መጻኢ ዕድሉ ባዕሉ ይወስን። ራስ ገዝ ይሕሸኒ እንተ በለ ጽቡቕ፡ ፈደረሽን ይሕሸኒ እንተበለ ጽቡቕ፡ ኮንፈደረሽን እንተ በለ’ውን ጽቡቕ። ነዚ ኹሉ ኣይቅበልን ኢሉ ናይ ገዛእ ርእሰይ ነጻ መንግስቲ ክምስርት እየ እንተበለ ድማ ናይቲ ህዝቢ ምርጫ ብጸጋ ምቕባል እዩ፡ ናይዚ ተጻራሪ ግና ብዂናት እናተሓመስካ ምቕጻል እዩ ክኸውን። ናይ ኢህወደግ መትከል እዚ እዩ። ካብዚ ወጻኢ ካልእ ኣማራጺ ሒዙ ኣይፈልጥን ሕጅውን መትከሉ እዚ እዩ።”
ምንጪ፡ ጋዜጣ ኣዲስ ዘመን 5 ሰነ 1991
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር መለስ ዜናዊ ብ 8 ግንቦት 1955 እዩ ተወሊዱ፡ ብህይወት ጸኒሑ እንተ ዝኸውን ሎሚ 70 ዓመቱ ምኾነ።
All reactions:
87ሰናይ ኣስገዶም ሃይለ, ቢዘናዊ ሳሙኤል and 85 others
26
27
Like
Comment
Share
View more comments





