
ብዝሒ ህዝቢ፣ ካብቲ ኣዳለውቲ ዝገመትዎ ንላዕሊ ነይሩ። ወነንቲ ኣደራሽ ድማ፣ ተውሳኺ ሰብ ምእታው ከልኪሎም። እዚ ግና፣ ንመሰል ናይቶም ብሰዓቶም ዝመጹ ተጋባእቲ ስለዝጻረር፣ ተቃዊምናዮ። ስለዚ፣ ተወሳኺ ቦታን መናብርን ብምቅራብ፣ ፍታሕ ተገሩሉ።
ኩሉ ተሳታፋይ ናብ ኣደራሽ ምስ ኣተወ፣ ኣምራጺት ሽማገለ ተረቍሓ። እዛ ሽማገለ ወካሊት ኣይኮነትን ዝብል ተቃውሞ ኣጋጢሙ። ድሕሪ ቁሩብ ዘተ ግና፣ እቶም ዝተቃወሙ ሕድገታት ጌሮም፣ ሽማገለ ድማ ስራሓ ክትቅጽል ተወሲኑ።
ምርጫ መራሕቲ ተጀሚሩ። ሽውዓተ ሕጹያት ተረቑሖም። ድምጺ ክወሃብ ክንጅምር ከሎና ግና፣ ተቃውሞ ኣጋጢሙ። ብግቡእ ዘይተመዝገቡ ተሳተፍቲ ከምዘለዉ ጥርዓኣን ቀሪቡ። ነዚ ንምጽራይ ድማ፣ ዝተጻፈፈ መዝገብ ሒዝካ፣ ናይ ነብሲወከፍ ተሳታፋይ ምስክር ኣባልነት ምፍታሽ ዘኽእል መሳለጥያን ግዜን ኣይነበረን።
_ ኩሉ ናብ ኣደራሽ ዘሎ የድምጽ እሞ፣ ክወጽእ ከሎ ድማ፣ ኣባልነቱ ነረጋጽ __ ዝብል ሓሳብ ቀሪቡ ነይሩ፣ ብገለ ኣባላት ተቃውሞ ኣጋጢምዎ። ስለዚ፣ ምርጫ ከይተገብረ፣ ጉባኤ ተበቲኑ።
ብኣወንታዊ ሸነኽ ድማ፣ እቲ ኣኼባ ጽምብል ዲሞክራስን፣ መርኣያ ልዕልነት ሕግን ኣብ ማሕበረሰብ ኤርትራ እዩ ነይሩ። ኣባላት ሕብረተሰብና ተኣኪቦም ንማሕበረሰቦም ንምግልጋል ንመሪሕነት ክወዳደሩ ምንቅቃሕ ከምዝጀመረ ዘርኣየ እዩ።
ዲሞክራሲ ክዕምብብ፣ ንጹር ሕግታት፡ ጸጋታት፡ ውዳበ፡ ምጽውዋርን፣ እሙናት ሓለውትን ከምዘድልዩዎ እውን ኣርእዩና እዩ።
ዲሞክራሲ ኣዝዩ ጋሕማጥ እኳ እንተኾነ፣ ካብ ዲክታቶርያዊ ምልኪ ግና፣ ብሚልዮን ዕጽፊ ይበልጽ።
መፍትሒ ሓሳባት
- EC-UK መዝገብ ኣባልነት ዳግማይ ምፍታሽን ምጽፋፍን ከካይድ። ናብዚ ጉባኤ ክሳተፉ ናይ ዝመጹ መዝገብ ኣሎ። ናይ ኣባልነት ገንዘብ ከፊሎም ቅጥቂ ናይ ዘማልኡ መዝገብ ውን ኣሎ። ንክልቲኡ ሰነዳት ብምውሳብ፣ ነቶም ቅጥዒ ክመልኡ ዘይከኣሉ ተሳተፍቲ፣ እቲ ቅጥቂ መሊኦም ብኢመይል ክሰድዎ፣ ገንዘብ ውን ብባንኪ ክኸፍሉ፣ ናይ ሰሙን ዕድል ይወሃቦም።
- ብድሕሪ እዚ ድማ፣ ናብ ኩሎም ናብዛ ጉባኤ ዝተሳተፉን ግቡእ ክፍሊትን ቅጥዒን ዘማልኡ፣ ንዳግማይ ጉባኤ ክሳተፉ ዕድመ ይስደድ። እኹል ኣደራሽ ንምድላው ንክሕግዘና ድማ፣ ክሳተፉ ምዃኖም፣ ኣቐዲሞም ክሕብሩ ይሕተቱ።
- ቁጽሪ ናይቶም ተሳትፎኦም ዘረጋገጹ ኣባላት ምስተፈልጠ፣ ብቑዕ ኣዳራሽ ተዳልዩ ጉባኤ ዳግማይ ተጸዊዑ፣ ምርጫ ይግበር።
- ድሮ ዝተረቑሑ ሸውዓተ ሰባት ኣለውና። ካብዚኦም ድማ፣ ኣርባዕተ ናብ መሪሕነት ክኣትዉ እዮም። እቶም ሰለስት ድማ ተጠባብቕቲ ይኾኑ።
- እዚ ሓድሽ ኣኼባ ኣይኮነን። መመላእታ ናይ ኣብ መፋርቕ ዝተቛረጸ ኣኼባ እዩ። ስለዚ ናይ ምድማጽ መሰል ነዞም ዝስዕቡ ረቛሒታት ንዘማልኡ ጥራይ ክድረት እዩ፤
- ኣብ ዝሓለፈ ዋዕላ ዝተሳተፉ፣
- ናይ ኣባልነት ቅጥዒ መሊኦም ክፍሊት ዝኸፈሉ
- ኣቐዲሞም ከምዝሳተፉ ዝሓበሩ።
ኣብ መወዳእታ ንተዓዛቢት ቤት ምኽሪ ኢዝሊንግቶን፡ ተራኣ ኣብ ምዕዛብን ምምኻርን ዝተሓጽረ ምዃኑ ክንሕብር የድልየና። ተራኣ ካብዚ ኣይልዕል፣ ኣይንእስ። ጉባኤና ባዕልና ኢና ንመርሖ።
ነዚ እማመ ብርእይቶኹም ከተሀብትምዎ ይላቦ።
ተስፋ (6/3/2025)






