November 18, 2026

ሃገራት ኸሊጅ፡ ትራምፕ ንምቅባል ዝቀነየ ሸብዳዕዳዕ መቸም ተኸታቲልኩሞ ኣለኩም፡

0
NationalInterest.dpng

NationalEr Interest
ሱዕዲ ዓረብ፡ ቐጠር፡ ከም’ኡ ዉን ኢማራት — ዳርጋ መን ምስ ኣሜሪካ ዝለዓለ ዉዕል “Deal” ፈጸመ፡ ኣብ ዉድድር እየን ቀንየን። ሱዕዲ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ወጢናቶ ንዘላ ልምዓታዉን ጸጥታዉን ወፍሪ ዝዉዕል፡ ናይ $600-ቢልዮን ዶላር ዉዕል ክትፍርም ከላ፡ ዛጊት ኣብ ስግር ባሕሪ ካብ ዝርከብ መዓስከር ሰራዊት ኣሜሪካ፡ እቲ ዝዓበየ ደኲና ትርከብ ቐጠር ድማ፡ ናይ $1.2 ትሪሊዮን ዶላር ፈሪማ ኣላ።

እዚ፡ ብዘይካ እቲ ንጉሳዊ ቤተ-ሰብ ቐጠር፡ ንዶናልድ ትራምፕ — ዛጊት ኣብ ታሪኽ ፕረዚደንታት ኣሜሪካ፡ እቲ ዝዓበየ ህያብ ተባሂሉ ዝግለጽ ዘሎ፡ ዋጋ $400-ሚልዮን ዶላር ብሕታዊት ደርማስ ነፋሪት ክህቡ ምኳኖም ዝተመጻብዕዎ እዩ። $96 ቢሊዮን ዶላር፡ ናይ መንገዲ ኣየር ቐጠር፡ ንመግዝኢ 210 ዝኮና ነፈርቲ ቦይንግ ዝዉዕል ዉን’ዩ። ዝገርም !!!

ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ምስ ሕቡራት/ኢማራት/ዓረብ፡ ኣብ ሃገራት ከሊጅ፡ እቲ ዝወሓደ ዝበሃል ስምምዕ — ማለት፡ $200 ቢሊዮን ዶላር ከቲሙ ኣሎ። ትርምፕ፡ ናብዘን ሃገራት ክበጽሕ ከሎ፡ ብነፈርቲ ኲናት ተዓጂቡ ዉን’ዩ መዓርፎ ነፈርቲ ሃገራት ዓረብ፡ ክወርድን ክድይብን ቀኒዩ ዘሎ።

እቲ ዘዛርብ፡ እዚ ዝተጋነነ ዉዕላት ይኹን ኣቀባባል ዘይኮነ፡ ምብጻሕ ዶናልድ ትራምፕ — ምስ ህልዉ ኩነታት ፍልስጤማዉያን ተኣሳሲሩ፡ “እዘን ሃገራት “እሕሕ” ይብላ ይኮና’ዶ” — ምስ ዝብል ትጽቢት ማሕበረሰብ ዓለም ብምዉቕዑ’ዩ።

ሃገራት ዓረብ ግን፡ ቅጭጭ ኣይበለንን — ቅጭአን ኣብ ምብሳል እየን ክጓየያ ንዕዘብ ዘለና !!! ይዋኣዮ ህዝቢ ፍልስጤም — “እዘን ንትራምፕ ዝዓጀባ ነፈርቲ ኲናት፡ ንዓና ክዋጋኣልና ምተገብአ” ዘስምዕ፡ ርኢቶታት ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣዕለቅሊቁ ትረክቦ !!! እቲ ክዉንነት ግን፡ ነዘን ነፈርቲ (F-16 to F-35) ዝሰርሐት ዉን ኣሜሪካ’ያ።

ስለ’ዚ፡ ኣብ’ዛ ጨካን ዓለም ዝድንግጸልካ ክርከብ — ብፍላይ በዚ ሎሚ “ንዓይ ንዓይ” ዝነገሰሉ ሕሱም እዋን፡ ኣጸጋሚ’ዩ።

ረኣይዋ በሉ ዓለም ከምዚኣ’ያ፡ ቁልፊ ተፍትሕ እንበር፡ ተዓጥቅ ሃገር ከም’ዘየላ ፈሊጥካ፡ ንሃገራዊ ድሕነትካን ረብሓካን፡ ብቅልጽምካን ጽንዓትካን “ገጥ” ምባል’ያ።

NationalEr Interest

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

en_USEnglish