
ጸጋይ ኣስመሮም
12 ለካቲት 2025
=================
ቀዳማይ ዛንታ፦ ኣቦሓጎታት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ንምውሳን ዝተፈላለያ ፖሎቲካውያን ውዳበታት መስሪቶም ይቃለሱ ኔሮም። ናይ ዓረብ ሊግ ኣተሓሳስባ ዝነበሮ “ራቢጣ ኢስላምያ”፡ ሓንቲ ኢትዮጵያ ዝኣምን “ኣንድነት ፓርቲ”፡ ንሉኡላዊት ነጻ ሃገረ ኤርትራ ዝቃለስ “ማ/ፍቕሪ ሃገር፡ ኤርትራ ንኤርትራውያን፡” ሞግዚትነት ጥልያን ዝጠልብ “ፕሮ ኢጣልያ”፡ ኣብ ትሕቲ እንግሊዝ ክግዛእ ዝሓሪ ውዳበታት ኔሩ።
እቲ እዋን ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ኲናት ዓለም’ዩ ኔሩ። እንግሊዝ ንኤርትራ ኣብ ክልተ ክትምቀል ዝብል ሓሳብ ኣቕሪቡ። “ካብ ከረን (ሰንሒት) ንታሕቲ ዘሎ ምዕራባዊ ቆላ ንሱዳን ይውሃብ” ኢሉ። “ካብ ከረን ንላዕሊ ዘሎ ከበሳን ኣፍደገ ባሕርን ክኣ ንኢትዮጵያ ይወሃብ።” ዝብል ምጉዝዛይ ኤርትራ ከም ኣማራጺ ሓሳብ ኣምጺኡ። ናይ ኤርትራውያን ውዳበታት “ራቢጣ እስላምያ፡ ፖሮ ኢጣልያ፡ ኣንድነት፡ ኤርትራ ንኤርትራውያን” ኮታስ ፖሎቲካዊ ሕርያታቶም ፈጺሙ ክዕረቕ ዝኽእል ኣይነበረን። ኣብ ምጉዙዛይ ኤርትራ ግን ናይ ሓባር ስልጡን ፖሎቲካዊ ውሳነኦም ኣፍሊጦም። ዝተረፈ ይትረፍ፡ ፖሎቲካዊ ኣተሓሳስባና ካብ ኤርትራ ኣይበልጽን’ዩ። ኩሉ ፖሎቲካዊ ዕላማና ቅድሚ ሃገርና ኣይንሰርዖን። ወይ ብሓባር ንገዛእ! ወይ ብሓባር ነጻ ንውጻእ! ብዝብል፡ ፍልልያቶም ገዲፎም ኣብ ጉዳይ ሃገር ሓደ ቃል ሓደ ግብሪ ብምሓዝ ሰሚሮም።
ካልኣይ ዛንታ፦ ኣቦታት ኤርትራ፡ ከም ኣቦሓጎታት ኤርትራ ዝተፈላለየ ፖሎቲካዊ ዕላማን ራእን ኣይነቦሮምን። ኣባሓጎታት ኤርትራ ፈጺሙ ክዕረቕ ዘይክእል ፖሎቲካዊ ኣማራጺ ሓሳባት ሒዞም ከብቅዑ፡ ንምምቕቓል ኤርትራ ግን ብማዕረ ኮኒኖሞ። ፍልልያቶም ገዲፎም ናብ ሓደ መጺኦም። “ኤርትራ ኣይትሽረፍ ኣይትቑረስ” ኢሎም።
ካብ ኣቦታቶም ዘይተማህሩ ውዳበታት ጀብሃን ሻዕብያን፡ ሓደ ዓይነት ኣገባብ ውደባ (ሕብረ ቢሄራዊ) ኔርዎም። ሓደ ዓይነት ኣገባብ ቃልሲ (ዕጥቃዊ ጎነጻዊ ቃልሲ) ይኽተሉ ኔሮም። ሓደ ዓይነት ዕላማ (ነጻ ሉኡላዊት ሃገር) ንምውሓስ ይቃለሱ ኔሮም። ብፖሎቲካዊ መዐቀኒ እዚ ዝብሃል ፍልልይ ዘይ ነበሮም ክንሶም፡ ክልተ ግዜ ኲናት ሓድሕድ ኣካይዶም። ኣብ 1972-1974 ከምኡ ውን ኣብ 1980-1981 እቶም ኣሕዋት፡ እቶም ውሉድን ወላድን፡ እቶም ሓደ ዝዕላምኦም፡ እቶም ካብ ኣቦታቶም ዘይተማህሩ ጀብሃን ሻዕብያን፡ ፖሎቲካዊ ፍልልይ ዘይነበሮምስ፡ ብጥሙሕ ህርፋን ፖሎቲካዊ ስልጣን ኣብ ኲናት ሓድሕድ ወዲቖም።
ሳልሳይ ዛንታ፦ ደምበ ተቓውሞ ናይ ብሄራት ውዳበ፡ ናይ ሃይማኖት (እስላም) ውዳበታት፡ ናይ ሕብረ ብሄር ውዳበታት ኔርዎ። ደምበ ተቓውሞ ምስ ገፊሕ ፖሎቲካዊ ፍልልያቱ፡ ቅድም ኣብ “ምሕዝነት” ጸኒሑ ድማ ኣብ “ኪዳን” ተጠርኒፉ ንፍልልይ ፖሎቲካዊ ኣተሓሳስባታት ተጻዊሩ ይቃለስ ኔሩ። ብዙሓት ፖሎቲከኛታትን ብቑዓት ተቓለስትን ድማ ኣፍርዩ ኢዩ ደምበ ተቓውሞ። ዘይ ምዕዋቱ ሕመቕ ደምበ ተቓውሞ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ተጻብኦ ህግደፍ ካብ ንግምቶ ንላዕሊ’ዩ ኔሩ። ድልውነት ህዝቢ ንለውጢ ውን ዲሒሩ’ዩ ኔሩ። (ብሓጺሩ ከምዚ ሕጂ ኣይነበረን)። ግን ክኣ ቃልሲ ናይ ደምበ ተቓውሞ ይቕጽል’ዩ ዘሎ እምበር ኣላሽ ኣይበለን!!!!
ራባዓይ ዛንታ፦ ቃልሲ ወሎዶና (ድሕሪ 2018)። ህዝባዊ ማዕበል “ይኣክል” ቅድሚኡ ዘይተራእየ ድልውነት ህዝቢ ንለውጢ ተፈጢሩ። ባህሪ ህዝባዊ ማዕበል ስምዒትን ብስለትን (ንቕሓትን) ዝተሓዋወሶ’ዩ። ኣብ ህዝባዊ ማዕበል ፈታውን ጸላእን ተሓዋዊሶም ኢዮም ዝመጹ። ምኽንያቱ ፍኑው ህዝባዊ ማዕበል ስለ ዝኾነ። ፈታዊ ቃልሱ ንምዕዋት። ጸላኢ ድማ ቃልስና ንምምካን ብሓባር ንወፍሮ’ዩ ህዝባዊ ማዕበል። ስለዚ ህዝባዊ ማዕበል ኣብ ሓጺር ግዜ ክዕወት እንተ ዘይኪኢሉ ነብሱ ክሰርዕን ናብ ናይ ዲፕሎማስያውን ፖሎቲካውን ቃልሲ ክሰጋገር’ዩ ዝግደድ።
ዓለም ለኸ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ምስ ምንዋሕ ግዜ ከም ናይ ለውጢ ሓይሊ ክውደብን፡ ትካላዊ ስርዓት ሃኒጹ ክቃለስን ምስ ጀመረ፡ እቶም ተበለጽቲ፡ ስምዒታውያ፡ ናይ ህግደፍ ዓቕምታትን ቦታ ስለ ዝሰኣኑ ገገዲፎሞ ወጺኦም ኣለው። ይኣክል ድማ ንቡዙሓትን ብቑዓትን ተቓለስቲ ሓቚፉ፡ ትካል ኣቒሙ፡ ብፍላይ ኣብ መዳይ ዲፕሎማስን ሰብኣዊ ረዲኤትን ዝንኣድ ቃልሲ የካይድ ኣሎ።
ሓሙሻይ ዛንታ፦ ኣብ ቃልሲ ኤርትራውያን ንካልኣይ ግዜ ህዝባዊ ማዕበል ሰማያዊ ሰውራ ብ/ንሓመዱ ተፈጢሩ ኣሎ። ብርጌድ ንሓመዱ፡ ህዝባዊ ማዕበል ክሳብ ዝኾነ፡ ህግደፍ፡ ስምዒታውያን፡ ተበለጽቲ፡ ምስቲ ጽኑዕን ሓርበኛን ናይ ለውጢ ሓይሊ ዝኾነ መንእሰይ ወሎዶ ተጸምቢሮም ከም ዝመጹ ዘማጉት ኣይኮነን። ብ/ንሓመዱ ካብ ዝብገስ ካላኣይ ዓመቱ ጌሩ’ሎ። ኣብዚ ክልተ ዓመት፡ ኢድ ኣእታውነት ህግደፍ ክስሓብ፡ ስምዒታውያን ንድሕሪት ግልጽ ክብሉ እኹል ግዜ ሂብዎም’ዩ። ተበለጽቲ ክሳብ ሕጂ ጠለይ ጠለይ ይብሉ ምህላዎም ንርኢ ኣለና። እቲ ጽኑዕ ተቓላሳይ ንኡስ ወለዶ ከምዚ ጌሩ ብመስርሕ ክኣል’ዮም ኢዩ፦
ኣብ ሕ/መ/ ኣሜሪካ ተበጺሑ ዘሎ ደረጃ ምዕባለ ቃልስና ናብ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ውዳበታት ብ/ንሓመዱ ውን ዓውቱ’ዩ። ኣብ ኣሜሪካ ከም ኣብ ገለ ሃገራት ኣውሮጳ ዝተፈጠረ ድሕረት፡ ቃልሲ ብ/ንሓመዱ ንምድኻም ዝክኣል ተፈቲኑ’ዩ። ብ/ንሓመዱ ኣሜሪካ ግን ትካል ኣብ ምህናጽን፡ ነብሱ ኣብ ምስራዕን ኣቐዲሙ። ቀጺሉ ክኣ ንዝነበሩ ፍልልያት ምሉእ ብምሉእ ፈቲሑ ናብ ቀጻሊ መድረኽ ቃልሲ ይሰጋገር ኣሎ።
ብ/ንሓመዱ ኣሜሪካ፡ ምስ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ምስ መለይ ስፖርት ፈደረሽን፡ ምስ ሰማያዊ ሰውራ “blue revolution” ዝፍለጡ ዝነበሩ ተቓለስቲ ብጾትና፡ ኣብ ጉዳይ ክሲ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ብጾትናን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ደኺመን ዝጸናሓ ከተማታትን ስቴታትን ንዝነበረ ፍልልይ ወይ ብንእሱ ግርጭታት ፈቲሑ ናይ ሓባር ቃልሲ ንናይ ሓባር ወጽዓን ናይ ሓባር ዓወት ንምርግጋጽ ይቃለስ ኣሎ። ብ/ንሓመዱ ናይ ሕ/መ/ ኣሜሪካ ኣብነት ጀብሃን ሻዕብያን “ኲናት ሓድሕድ” (ምፍልላይ) ፈንፊኑዎ’ዩ። ዝኽፈል ዋጋ ከፊሉ ከምታ ናይ ኣባሓጎታቱ ምምቕቓል ቃልስና ወጊድ ኢሉ፡ ስልጡን ንቑሕ ፖሎቲካዊ ቃልሲ የካይድ ኣሎ። ናብ ዝዓበየ መድረኽ ቃልሲ ንምስግጋር ድማ ዕለትን ቦታን ወሲኑ ናብ ጉባኤ ክኣቱ ብንቕሓት ይሰርሕ ኣሎ። እዚ ኣብ ኣሜሪካ ተረኺቡ ዘሎ ቀዳማይ መድረኽ ዓወት ናይ ቃልስና፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ቃልሲ ብ/ንሓመዱ ውን ከረጋግጾ ምዃኑ ኣይንጠራጠርን። ብድሕሪ’ዚ ዝተርፍ፡ ቃልስና ናብ ዓዲ ኣእቲና፡ ምስቲ ምቅላስን ምዕዋትን ብግብሪ ዝፈልጥ ሓርበኛ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ውሽጥን ደገን ዝናበብ ቃልሲ ብምክያድ ዕላማና ኣዐዊትና ራኢ ቃልስና ግሁድ ምግባር ጥራይ’ዩ!!
ሻዱሻይ ዛንታ፦ ኣብ ቃልስና ክልተ ኣማራጺ ኣለና። ሓደ ኣማራጺ ከም ኣባሓጎታትና ንፖሎቲካውን ሰብኣውን መሰልና ብምቕዳም ንፍልልያትና ዓሪቕና ንናይ ሓባር ወጽዓ፡ ብሓባር ተቓሊስና ናይ ሓባር ዓወት ነረጋግጽ። ካልኣይ ኣማራጺ ከም ኣቦታትና (ጀብሃን ሻዕብያን) ናይ ሓባር ዕላማናን ንሓደ ጸላኢናን ገዲፍና ነንሓድሕድና ምንቛት። ኣብ ሞንጎ እዘን ክልተ ኣማራጺ ሓንቲ መዋጽኦ ኣላትና። ቃልሲ ብ/ንሓመዱ ንኹሉ ፖሎቲካዊ ኣተሓሳስባታት ዝሓቁፍ ናይ ውጹዓት መድረኽ’ዩ። ፍልልያትና ካብ ኣብ ዝባና ዘሎ ወጽዓ ኣይዓብን’ዩ። ሓንቲ ሃገር ኣላትና! ሓደ’ዩ ጸላኢና!! ዕላማና ነቐድም!!! ራኢና ነዐውት!!!!
ጸጋይ ኣስመሮም
12 ለካቲት 2025






