እወ! ሕጂ’ውን እንተኾነ ብዛዕባና ኣይኮናን ክንዛረብ ወይ ክንጠርዕ መጺእና!! ሰናይ ሰሎሞን (ወዲ መምህር) 30/10/2026 From Facebook

ንሕና ዓቕሚ ነብስና እንሓስብ፡ ንዘሎና ጸጋታትና ብግቡእ ከይንጥቀመሉን ከይንሰርሕን ከይነመስርሕን ዕንቕፋት ክኾኑና ዝጸንሑ ድሮ ኣለሊናዮም ኣብ ስራሕ ኣሎና።
ንሕና ክንልምን ክትኾበልናን ጽግዕተኛ ክንኸውን፡ ንሕና ክንመሳሰልን ክንሰግድን ክንውድስን ክንውደስ ኣይመጻእናን። ንሕና ጻዕራማት ሰራሕተኛታትን ጊላ ገዛእ-ነብስና ኢና። ሰብን ሃገርን ድማ ብዙሕ ዘመሳስል ነገራት ከም ዘለዎ ምርዱኡ ከድሊ’ዩ።
እንተ እቶም ንግዜና ሰሪቖም፡ ግዜ ከለቕሑና ዝፍትኑ ብተብተብ ሃገር ክንሃንጽ ከም ዘይንደሊ ትማል’ውን ስለዝነገርናዮም ኣዳዕዲኦም ይፈልጡ እዮም። እተን ተብተብን ሃርገፍገፍ ኢለን ሃገራተን ዝሃነጻ ሃገራት ገሊአን ብዘይ ኣሰር ተሪፈን ገሊአን ፍርቂ ነብሰን ኣብ ጉድጓድ ኣትዩ ይርከብ። ሎሚ ንሕና ተዓዘብቲ ብምዃን ዘድሌና ጥራይ ኣልዒልና ንቕድሚት እንምርሽ ንብሩህ መጻኢና ብእዲያትና ንኹላዓሉ መድረኽ ኢና ዘሎና።
ምኽንያቱ ጸገምና ግዚያዊ ፍታሕ ኣብ ምንዳይ ዘይኮነስ፡ እቲ ትማሊ ዘላደየና ናይ 80 ዓመታት ፖለቲካ ብዘንጸባርቕን ዘብለጭልጭ ነገራት ገይርና ኣይኮናን ሃጓፍና ክንዓብስ ተበጊስና።
እንታይ ደኣ፡ ኣብቲ ዘላቂ ፍታሕ ንዓናን ንዞባና ዘርብሕ ዛዕባ፡ ግዜና ኣብኡ ክንጥቀመሉ ቀዳማይ ምርጫና እዩ።
ምኽንያቱ ኣፍሪቃውያን ኣስማትናን ጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣና’ዩ እምበር በበይኑ፡ ጸገምናስ ኣብ ቅድሚ’ቲ ቀንዲ ጸላኢና ሕደ’ዩ። ነዚ ዝፈልጡ ውሑዳት እዮም።
ስለዚ፡ ኣብ ዘበነ መንጭት ተመናጨት በይንኻ ምጕያይ ረብሓ የብሉን። ኣብ ግዜ ክትጅምር ወሳኒ ተራ ኣለዎ። ሃገራት ኣፍሪቃ ክሳዕ እዚ ሎሚ ተመጽወቲ ዓበይቲ ሃገራት እየን ኮይነን ጸኒሐን። ገና’ውን ይቕጽላ ኣለዋ። ወረ ገሌአንሲ ክቕበላ ደኣ’ምበር፡ እንታይ ይህባን እንታይ ይኸፍላን? ክርደአን ኣይጸንሐንን።
ስለዚ፡ እተን ከም ኤርትራ ዝመሰላ ሃገራት ከም ወርቂ ብሓዊ ዝተፈና፡ ብርእሰ ምርኮሳ ሃገረን ሃኒጸን በቲ ስነሓሳብ’ቲ ስለ ዝተበገሳ፡ ወትሩ ኣተሓሳስበአን ምስ መጻእን ህሉው ኩነታትን ዝተጣመረ ምስ ምዃኑ፡ ኣሳጉመአን ህዱእ እዩ።
ከመይ’ሲ ኩሉ ዝደንጐየ ብእኡ ኣቢሉ ከም ዘይጠፍእ ኣጸቢቐን ስለዝፈልጣ፡ ኣብ መወዳእታ ኣመስራሕቲ ኮይነን ዋንነተን አረጋጊጸን ዉሑስ ባይታ ኣጣጢሐን ስለ ዝወጽኣ ዕድለኛታት እየን። ስለዝኾነ ከኣ ወትሩ ኣብ ቅድሚ እተን ዓበይቲ ሃገራት ከቢረንን ተሓፊረን ዝነብራ።
ሰናይ ሰሎሞን (ወዲ መምህር)
30/10/2026
