
ኣብርሃም ዘርአ (ወዲ-ሃለቃ)
ክቡራት ኣንበብቲ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ብዛዕባ ወተሃደራውን ትምህርታውን ንጥፈታት መዓስከር ሳዋ ኣመልኪትና ምስ ኣዛዚ ማእከል ስልጠና ሃገራዊ ኣገልግሎት ኮ/ል ደበሳይ ግደ ቃለመሕተት ኣካይድና ምንባርና ይዝከር። ንሎሚ ድማ ምስ ኣባላት ስታፍ ማእከል ስልጠና ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘካየድናዮ ዕላል እንሆ፦
ሕቶ – ምስ ስምካን ሓላፍነትካን ክተላልየና ዶ?
ስመይ ኪዳነ ተስፋጽዮን ይበሃል። ኣባል 6ይ ዙርያ እየ። ኣብ 1997 ድማ ግቡእ ወተሃደራዊ ስልጠና ክወስድ ናብ መዓስከር ሳዋ ወሪደ። ኣባል ስታፍ ስልጠና ሃገራዊ ኣገልግሎት ኰይነ፡ ከም ሓላፊ ጨንፈር ስልጠና ወተሃደራዊ ሰልፊን ወተሃደራዊ ባህልን ስነ-ምግባርን ብምዃን ድማ እሰርሕ ኣለኹ።
ሕቶ – ፈለማ ሓደስቲ ተዓለምቲ ናብ ሳዋ ኣብ ዝመጽኡሉ እዋን ዝግበር ምድላዋት ከመይ ከም ዝመስልዶ ክትገልጸልና? ብኸመይ ኢኹም ትቕበልዎም?
ኣብ’ዚ መዓስከር ናይ ነዊሕ ዓመታት ተመኵሮ ስለ ዘሎ፡ እቲ ኣባል ኣቐዲሙ እዩ ዝዳሎ። ከም’ዚ ክብለካ እንከለኹ ነፍሲ-ወከፍ ኣሃዱ ማለት ክፍላተ ሰራዊት ምስ ስታፍ ምምሕዳራቱን መሓውራቱን ነቶም ተመሃሮ ብኸመይ መንገዲ ከም ዝቕበልዎም ይዳለዉሉ እዮም። ኣቐዲሙ’ውን ኣስማት ናይ’ቶም ተመሃሮ ይመጽእ እዩ። ኣስማት ምስ መጽአ’ውን ንነፍሲ-ወከፍ ክፍለ ሰራዊት እቲ ቝጽሪ ይወሃቦም። መን ኣበየናይ ይበጽሖ፡ እቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ስታፋት እዮም ዝፈልጥዎ። እቲ ቁጽርታት ብኮድ ተዋሂቡ ከኣ ነተን ክፍለ-ሰራዊታት እቲ ዓቕሚ ሰብ እናተደላደለ እናተወሃሃደ ይመጽእ። ትኽ ኢለን እተን መካይን መጺአን ከኣ፡ ኣብታ ክ/ሰራዊት የራግፎኦም ማለት እዩ። እዚ ከኣ ካብ’ቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ኣካይዳ ፍልይ ዝበለ እዩ። እቲ ናይ ቅድም ኩሉ ብሓደ ተውርዶ እሞ፡ ፋሕ-ፋሕ ብምባል እዩ ዝስራሕ ነይሩ። ሕጂ ግን ከምኡ ኣይኰነን ዘሎ። ካብ ነፍሲ-ወከፍ ዓመት ተመኵሮ እናተቐስመ ይኽየድ ስለ ዘሎ ድማ እዩ። ሎሚ ዳርጋ ናብ’ቲ ዝበለጸ ደረጃ በጺሑ ኣሎ ክበሃል ይከኣል። እቲ ተመሃራይ ብዘይ ዝዀነ ጸገምን ሃልክን ትኽ ኢሉ’ዩ ናብታ ዝተዳለወትሉ ክፍለ ሰራዊት ከም ዝኣቱ ዝግበር። እቶም ኣቐዲሞም ኣብኡ ዝጸንሑ ዙር ድማ፡ ንብረቶም ኣብ ምቕባል ይዅን ኣብ ምትሕግጋዝን ናብ ዝተዳለወሎም ቦታ ኣብ ምብጻሕን ልዑል ተራ ይጻወቱ። ብሓፈሻ፡ እቲ ክገብርዎ ዝግበኦም ማለት ነቲ ኣሃዱ ኣብ ምልላይ ይዅን ካልእ ነገራት፡ እቶም ቅድሚኦም ዝጸንሑ ተመሃሮ ነቶም ሓደስቲ ኣብ ምውርራስ መሪሕ ተራ ይጻወቱ።
ሕቶ – እዞም መንእሰያት ካብ ገዛኦም ሒዞሞ ዝመጽኡ ባህርያትን ልምድን ኣሎ’ሞ፡ ኣብ’ ሳዋ ምስ ወረዱ ከም ሓንቲ ስድራ ከም ዝዀኑ’ዩ ዝግበር። ናብ’ዚ ደረጃ ንኽበጽሑ ዝኽፈል ዋጋ እንታይ ይመስል?
ፈለማ ስመይ ዮናስ ተስፋሚካኤል ይበሃል። ኣብ ስታፍ ስልጠና ኣሃዱ ምቊጽጻር ስነ-ስርዓት ኣባላትን ከምኡ ከኣ ጨንፈር ኣጽዋር እሰርሕ። ናብ ሕቶና ንምምላስ፡ ብቐዳምነት እቲ ተመሃራይ ክመጽእ እንከሎ፡ 9 ብሄራት ካብ ምሉእ ሃገር ዝተፈላለየ ባህርያትን ልምድን ሒዙ እዩ ዝመጽእ። ነዚ ተመሃራይ እዚ ናብ ሓደ ንምምጻእ ቀዳማይ እንገብሮ፡ እቲ ወተሃደራዊ ባህልን ስነ-ምግባርን ናይ’ዚ መዓስከር ምልላይ እዩ። ኣቐዲሙ ከም ዝንበበሉ ይግበር። ብኡ መሰረት ከኣ፡ ኩሉ ተመሃራይ ኣብ ሓደ ተጠርኒፉ ሓደ ዓይነት ኣተሓሳስባን ኣረኣእያን ከም ዝህልዎ እታ ቀዳመይቲ እንገብራ እያ። ብዛዕባ ስነ-ስርዓት ኣመጋግባ፡ ጽሬት ገዛኡን ከባቢኡን፡ ኣጠቓቕማ ኤለትሪክ፡ ማይ፡ …. ወዘተ ብምልኡ እቲ ሕጊን ስነ-ምግባርን ናይ’ቲ መዓስከር፡ ኣቐዲሙ ስሩዕ ዝዀነ ኣኼባን ትምህርትን ይወሃቦ። ብድሕሪ’ዚ ንድስፕሊኑን ካልእን ዝምልከት፡ ብቐጻሊ ነተን ዝሃብካዮ መምርሒታት ኣብ ምትግባር ብዕቱብ ትቈጻጸሮ። እቲ ስራሕ ከቢድ ይዅን እምበር፡ ኣብ መወዳእታ እቲ ዕላማ ብኹልንትናኡ ሓደ ዓይነት ኣተሓሳስባ ዘለዎ ብቑዕ መንእሰይ ከነፍሪ ምኽኣል እዩ። እዚ ማለት ኣብ ክእለቱን ብቕዓቱን ሓደ ዓይነት ኤርትራዊ ንምፍራይ ዝግበር ጻዕሪ ኣዝዩ ሓያል እዩ። ብኸምዚ መሰረት ከኣ፡ ትቕብል ኣቢልና እታ ጸቒጥና እንሰርሓላ፡ ነቲ ዝመጽአ ሓይሊ ኣብ ሓደ ከም ዝመጽእ ምግባር እዩ።
ሕቶ – ሕራይ ዮናስ እቲ ኣብ ሳዋ ነዞም መንእሰያት ዝወሃብ ስልጠናታት እንታይ እዩ?
ኩሉ ግዜ እቲ ዝወሃብ ስልጠና ብዙሕ’ኳ እንተዀነ፡ ኣርባዕተ ሓሙሽተ ዝኸውን መደባት ኣሎ። ሰልፊ ኣሎ፡ ወተሃደራዊ ባህልን ስነ-ምግባርን፡ ኣጽዋር፡ ስልቲ፡ ወዘተ። ኣብ’ዚ ድማ ጸቒጥና ንሰርሕ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ኣጽዋር፡ ኩሉ መንእሰይ ብቕዓት ናይ ኣጽዋር ንኽህልዎ ዝወሃብ ስልጠና እዩ። ኣብዚ ካብ’ቲ ሓፈሻዊ ሌላን ምፍታሕን ምግጣምን ጀሚርካ ክሳብ ኣብ ጨመተ ተዅሲ ብቑዕ ኰይኑ ንኽወጽእ ካብቲ ጸቒጥና እንሰርሓሉ መደባት እዩ። ምኽንያቱ እቲ መንእሰይ፡ ብዘይ ዝዀነ ጸገም ብሉጽ ኰይኑ ክወጽእ ስለ ዘለዎ።
ሕቶ – ናባኻ ክመጽእ’ሞ፡ ንጥፈታት ሳዋን ታዕሊምን ብኸመይ ኢኹም ሳዋን ታዕሊምን ብኸመይ ኢኹም ትዓሙዎ?
ኢሳቕ ተዓገስ እበሃል። ኣባል ማእከል ስታፍ ስልጠና ሃገራዊ ኣገልግሎት ኰይነ፡ ኣብ ሳዋ ኣብ መበል 13 ዙርያ ተዓሊመ። ኣብ’ዚ ስታፍ ስልጠና ከኣ፡ ሓላፊ ጨንፈር ምቊጽጻርን ምዝርጋሕን መደባት ስልጠና ኰይነ እሰርሕ ኣለኹ። እቲ ዕማምን ተልእኾን ከም’ቲ ልሙድ፡ ዓመት መጽአ ብዘይ ምቁራጽን ዕረፍቲ ብዘይህብን ዝካየድ መስርሕ ኰይኑ፡ ብኣካል ድልዱል ብኣእምሮ ከኣ ብሱል፡ ብሓፈሻ ብስነ-ምግባር ዝተሃንጸ መንእሰይ ኣብ ምዅስኳስ ዝግበር ጻዕሪ ተጸሚድና ንሰርሕ ስለ ዝዀንና፡ እቲ ስራሕ ዝደጋገም ዕማም እዩ። የግዳስ እቶም መንእሰያት ዝቀያየሩ ስለ ዝዀኑ፡ ኣዝዩ ኣድካሚ እዩ። ብዕላማ ስለ ዝካየድ ግን፡ ንኹሉ በድሂካዮ ክትከይድ ግድነት እዩ። ምኽንያቱ፡ ዘየቋርጽ ስልጠናን ክትትልን ምስኡ ዝኸይድ ጽዑቕ ኣልያን ስለ ዘሎ።
ሕቶ – ሕራይ ዮናስ፡ ንመንእሰያት ሳዋ፡ እቶም ውልቃውያንን ማሕበራውያንን ዝበሃሉ ዓበይቲ ብድሆታት እንታይ እዮም?
ኣብ መንእሰይ ሳዋ ብዓቢኡ እቲ ዝረአን ዝንጸባረቕን ውልቃዊ ባህሪ ዝበሃል እዩ። ገለ ሰብ ኣዝዩ ውዑይ ኣሎ፡ ገለ ድማ ማእከላይን ዝሑልን ኣሎ። ገሊኡ ሰብ ድማ ቀልጢፉ ንሓሳባት ሰባት ተረዲኡን ቆብ ኣቢሉን ዝኸይድ ኣሎ፡ ገሊኡ ድማ ደንጒዩ ዝርደኦ ኣሎ። ሕጂ እቲ ጻዕሪ፡ ነዚ ኣብ ሓደ ንምምጻእ ዝካየድ ቃልሲ እዩ። ነዚ ኩሉ ሰብ’ዚ፡ ኣብ ሓደ ኢኻ ተምጽኦ። ብኸመይ መንገዲ ኣብ ሓደ ተምጽኦ ከኣ፡ ካብ’ቲ ዝተሓተ ክሳብ’ቲ ዝለዓለ ሓላፊ፡ እቲ መንእሰይ ነተን ኣቐዲሙ ክገብረን ዝተወሃበኦ ንጥፈታት ዓሚምወንዶ ኣይዓመመንን ይቈጻጸር ማለት እዩ። ጕድለት ንዝገበረ እናኣረምካ፡ ሞራል እናሃብካን እናተባባዕካን ድማ ትኸይድ። ምኽንያቱ፡ እዚ ሓይሊ’ዚ መንእሰይ ስለ ዝዀነ፡ ሞራሉ ክብ ክብል ኣለዎ። ንፍናኑ ዝትንክፍ ዘረባ ይዅን ካልእ ተግባራት ክህሉ የብሉን። ብሓፈሻ፡ እቲ ተመሃራይ በየናይ ኣገባብ እዩ ክኸይድ ዘለዎ ከም’ዚ ኣቐዲምካ ኣበጊስካዮ ዝጸናሕካ ሕቶ ዓቢ ብድሆ እዩ። እንታይ’ዩ እቲ ብድሆ እንተ ደኣ ኢልና ከኣ፡ ኣብ’ዚ ዝመጽእ ሰብ፡ ካብ ኩሉ ሕብረተ-ሰብ (ብሄራት) ሃገርና እዩ ዝመጽእ። ሕጂ ነዚ ኣብ ሓደ ክትምስርሖ እንተ ደኣ ዄንካ፡ ሕጊ ማእከል ስልጠና ስለ ዘለና ኩሉ ብኡ ተቐይዱ ከም ዝኸይድ እዩ ዝግበር። ከም’ቲ ሓደ ትካል ናቱ ሕግታት ዘለዎ፡ እዚ ከኣ ናቱ ሕጊ ክህልዎ ግድነት እዩ። እዚ ሓይሊ ሰብ’ዚ በዘን ሕጊ ናይ መዓስከር ተቐይዱ እንተ ደኣ ከይዱ፡ ናብቲ ዝድለ ዓወት ንኽበጽሕ ኣይእገምን እዩ። ሕጊ ናይ’ዚ መዓስከር እንታይ እዩ፡ እዞም መንእሰያት ጀሚሮም ክሳብ ዝውድኡ ኩለን እተን ኣብዚ መዓስከር ክግበራ ዘለወን መደባት ክዕመማ ኣለወን። ማዕረ ክሳብ ኣብ ቀጻሊ ከመይ ገይሩ ህይወቱ፡ ስድራኡ፡ ስራሑን መጻኢኡን ይመርሕን ይኸይድን ዝገብር ኣካይዳን ሕጊን ኣለና። ነዚአን ኣተግቢሩወን ዝኸይድ መንእሰይ እንተ ደኣ ኰይኑ ከኣ፡ እቲ ሃገራውነት ዝበሃል ሰሪጽዎ ኣሎ ማለት እዩ። ምኽንያቱ ሓይሊ እዛ ሃገር ኣብ ሰባ እዩ። እዛ ሃገር ዝፈርስ ህንጻ ዘይኰነ፡ ሰብ እያ ትሃንጽ። ኣየናይ ይቐልል እንተ ደኣ ኢልካኒ ግን፡ ኣብ ዓለም ሓንጐል ሰብ ክትሃንጽ እቲ ዝኸበደ እዩ። ኤርትራዊ ዝመስል ሓደ ዓይነት መልክዕ ዘለዎ መንእሰይ ንኽትፈጥር ዝካየድ ቃልሲ ቀሊል ኣይኰነን። ከምዚ ክትገብር እንተ ደኣ ዄንካ ከኣ፡ ከም’ታ ዝበልኩኻ ብሕጊ ዝቕየድን ተማእዚዙ ዝኸይድን ብሉጽ ዜጋ ከተፍሪ ኣለካ። ብድሕሪ’ዚ፡ እዚ መንእሰይ እዚ እቲ ሃገር እትጠልቦ ነገራት ንኽገብር ኣይሽገርን እዩ።
ሕቶ – ቀጽል ዮናስ…
ኣብ ማሕበራዊ ህይወት ዘጋጥሞም ብድሆኸ ኣሎ ድዩ ንዝብል ከኣ፡ ዋላ ሓደ ጸጋጥም ሽግር የለን። ምኽንያቱ፡ ኣገልግሎት ሕክምና ይዅን ማይ፡ ኤለትሪክ፡ መደቀሲኦም ምሉእ ቀረብ ስለ ዘሎ፡ እቲ ተመሃራይ ትምህርታውን ወተሃደራውን ዕዮ ገዛኡ ብዘይ ዝዀነ ጸገም ንኸሰላስል ኣይእገምን እዩ። ኩሉ እቲ ንመነባብሮ ሕብረተ-ሰብና ዘገድስ ዓበይቲ ጠለባት፡ ነዚ ተመሃራይ እዚ ከኣ፡ ብዝግባእ እዩ ዝማልኣሉ። ዋላ ሓደ ጸገም ኣለዎ ኢልካ እትዛረበሉ ነገር የለን። ኣብ’ዚ ዓመት እታ ፍልይቲ ዝተገብረት እንተ ደኣ ኣላ፡ ቅድሚ ሕጂ ተመሃራይ ብውልቂ ዘይተኣደነ ኣስቤዛ ሒዙ ብምምጻእ ይጥቀመሉ ነይሩ። ሎሚ ግን ከምኡ ዝበሃል የለን። ብዛዕባ መነባብሮኡ ዝዀነ ጸገም ከም ዘየለ ብመራኸቢ ብዙሓን ሃገርና ከይተረፈ ብወግዒ ተነጊሩ እዩ። እቶም ነዚ ዘየተግበሩዎ ዞባታት ከኣ፡ እቶም መንእሰያት ናብ’ዚ ምስ መጽኡ፡ እቲ ዝመጽአ ኣስፔዛ ኣብ ሓደ ተጠርኒፉን ተኣኪቡን እቶም መንእሰያት ናይዚ ዙር ባዕሎም ከም ዝበልዕዎን ከም ዝሰትይዎን ተገይሩ እዩ። እቲ ተመሃራይ’ውን ተሓጒሱ። ስለምንታይ እዩ ተሓጒሱ ይመስለካ፡ ኣብ’ዚ ሃብታምን ድኻን፡ ርኹብን ስኡንን፡ ነዊሕን ሓጺርን…ዝበሃል ነገር የለን። ኣብ’ዚ ቦታ እዚ ከምኡ ኣይሰርሕን እዩ። እተን ‘ግደፋ ኣይትጽዓና’ እናተባህላ ዘይተኣደነ መግብን ካልእን ዝሰደዳ ከኣ፡ እቲ ኣስፔዛ ተኣኪቡ ናብ ኩሎም ተመሃሮ ብማዕረ ከም ዝመቓራሕ ኰይኑ እዩ። ብግብሪ ከኣ፡ ባዕሎም ርእዮሞ ኣለዉ። ስለ’ዚ ከም’ዚ ክኸውን የብሉን። መንግስቲ ዓቢ ባጀት ሰሊዑ ወጻኢ ገይሩሉ እናሃለወ ንምንታይ እቲ ወላድን ሕብረተሰብን ኣብ ክሳራ ይኣቱ? መምርሒ ከኽብር ኣለዎ።
ይቕጽል…..







