
From Facebook
ወዲ 21 ዓመት፡ ነባሪ ከተማ ኦረብሮ ዝዀነ ኤርትራዊ- ሽወደናዊ ዊልያም ኣሰፋው፡ ብማይ ባሕሪ ወይ ጨዋሚ ማይ ከምኡ ድማ ብሽንቲ እውን ክትሰርሕ እትኽእል መብራህቲ ብምምሃዙ፡ ናይ 2025 ተሸላሚ “Familjen Spendrups” ሽወደን ኰይኑ ብምርቚሑ፡ ናይ ማህደረ ትምህርቲ ዕድል፡ዝተዳለወሉ ምስክር ወረቐት ከምኡ ድማ ተሸላሚ 50ሽሕ ክራውን ሽወደን ከም “ung företagsamhet. Se” ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ እቲ ትካል፡ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
ዊልያም፡ ኣብ 2ይ ደረጃ፣ ተመሃራይ ማሕበራዊ ስነ ፍልጠን ተጻዋታይ ኲዕሶ ሰኪዔትን ምንባሩ ዝጠቐሰ እቲ ምንጪ፡ ቅድሚ ስለስተ ዓመት፣ ምስ ወላዲኡ ናብ ኤርትራን ኬንያን ኣብ ዝርከቡ ኣዝማዱ ኣብ ዝበጽሓሉ ግዜ፡ እቲ ጸገም ጎሊሑ ከም ዝተራእየ ድሕሪ ምስትብሃል፡ ነዚ ፍታሕ ከናዲ ብዘንቀሎ ተበግሶ፡ ድሕሪ ዝተፈላለየ ኣምራጽታት ምፍታኑ፡ ነዛ ብማይ ባሕሪ ወይ ብሽንቲ ኣገልግሎት መብራህቲ ክትህበና ትኽእሎ ምህዞ ብምድላው(ኣብ ጸጋምይ ስእሊ ተዓዘብ)፡ ካብ ዝተፈላለዩ ክኢላታት ሓሳብ ብምቕባልን ምኽሪ ብምርካብን ናብ መወዳእታ ከም ዘብጽሓን ንሓደ ሰሙን ድማ መብራህቲ ክትህብ ከም ትኽእል፡ እታ መርበብ ሓበሬታ ዘውጽኣቶ ጽሑፍ ይገልጽ።
ንሱ፡ ኣብ ግዜ ስነ ስርዓት ምዕዳል ሽልማት ተረኺቡ ኣብ ዘሰምዖ ናይ ምስጋና ቃል፡” ንምእማኑ ዘጸገም እዩ።ብጣዕሚ ተሓጉሰ ኣለኹ።ካብ ገንዘብ ንላዕሊ፡ ትርጉም ዘለዎ ስራሕ ከም ዝሰራሕኩ ኣረጋጊጸ ኣለኹ።” ድሕሪ ምባል፡ እዚ ሽልማት እዚ፡ ኣብ ስርሑ ክቕጽል ዘኽእል ምዄኑ ኣተንቢሁ።ብተወሳኺ፡ ኣብ ዓለም ብስእነት መብራህቲ ናይ ዝሽገሩ 1.4 ቢልዮን ዝዀኑ ሰባት ቊጽሪ ኣብ ምጉዳል፡ ኣወንታዊ ተራ ክጻወት ልዑል ድሌት ከም ዘለዎ፡ ብርእሰ ተኣማንነት ይዛረብ።
“Familjen Spendrups”፡ ካብ 2008 ኣብ ሽወደን ንመንእሰያት ምሃዝትን ኣብ ፈጣራዊ ስራሕ ዝነጥፉን ንምንትብባዕን ንምሕጋዝን ዝጀመረ ትካል እዩ።በዚ ኣጋጣሚ ድማ ንናይ 2025 ዕውት መንእሰይ ሓውና ዊልያምን ስድራቤቱን፡ እንቋዕ ሓጎሰኹም እብል።
ምንጪ፡ መርበብ ሓበሬታ Ung företagsamhet. Se
መ/ም፡ ዮሴፍ ወርቀ
ሽወደን







