November 18, 2026

ኣብ ሚድያ ዘሎ ሃጸፍጸፍ፡ ዝያዳ ንምቅላስ’ዶ ዝያዳ ንምኹላስ፡

0
YonasMastica1

Yonas Mastika
ቅድሚ 2ዓሰርቲ ዓመት ኣቢሉ እዩ። ሳዋ ሽኾር መጀመርታ ነታ ናብ መድረኽ ዘደየበቶ ቀዳመይቲ ሙዚቃዊት ስረሑ፡ ክዝርገሓ ከሎ፡ ንሓንቲ ካሴት ምስ3 ሙዚቃ-ቤት ናይ መሸጣ ውዕል ፈጺሙ፡ ካብ ሰለስቲኦም እዩ ዕርቡን ተቐቢሉላ።

እዚ ማለት ከኣ ሳዋ ሽኮር ሰባት ሓድሕዶም ክናቖቱ ብምግባር ተደሪርሩ ክድቅስ ዝኽእል ዓይነት ሰብ ምዃኑ የግርመልካን፡ የነጽረልካን።

ዝያዳ ዝገርም ነገር ከኣ፡ ነቲ ባህልን ሕግን ዝጠሓሰ ዕርቡን ናይ ምብላዕ ሞራሉ፡ ብዘይ ሕንከት፡ ብዕርቡን ደቁ ከዐቢ ኢሉ ከምዝገበሮ፡ ኣብቲ ሽዑ ባዕሉ ኣብ ሚድያ ወጽዩ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ ምግላጹ እዩ ።

በታ 1ይቲ ሙዚቃዊት ስርሑ ከኣ፡ ሳዋ ሽኾር ከም ድራፋይ ዘይኮነ፡ ብሕንኩኽነቱ መዘና ዘይብሉ ፈጣጥ ምዃኑ እዩ ኣነጺሩ።

ምኽንያቱ እቶም ሰባት ኣብ እምባጋሮ ኣትዮም እንተዝቃተሉ’ኸ ዝብል ሕቶ ኣብ የእሙሮኡ ክመጾ ዘይምኽኣሉ፡ ስሰዐ ናይ ከስዐኡ፡ ብዓይነ ሕልና ከየቋምት እዩ ጋሪድዎ።

ኣብ ሕብረተ-ሰብና ዕርቡን ማለት፡ ናይ መሸጣ ውዕል ከይተፈጸመ ዘይቅመስ ምዃኑ ክፈልጥ ዘይምኽኣሉ ከኣ፡ ንስነጥበብ ኣየናይ ክብረ-ባህሊ ሒዙ ከምዝጀመሮ፡ ዝያዳ ክትግረም ይገብረካ።

ሓንቲ ነገር ግን፡ ኣብቲ ግዜ’ቲ ገዛእ ስሰዐኡ ክሽፍን ንማን ዘይምጥቃኑ ፡ ሓልቂማ ዘይተበትከት ንእሽቶ ቅንዕና ኔራቶ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ግን እታ ሓልቂማ ዝነበተት ንእሽቶ ሰብኣውነቱ ውን ተበቲኻ ደቁ ንምዕባይ ደቂ ኻልእ ክዝኽትሙ ዝገብር ወፍሪ ከሳልጥ፡ ትግራይ ከይዱ ዝተዛረቦ ሪኢናዮ ኢና።

እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ግን፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብቲ ደምበ ፍትሒ ተባሂሉ ዝፍለጥ ደምበ ዓዋሉ ኮይኑ ዘሎ ደምበ ተቓውሞ ውን፡ ካብ ሳዋ ሽኮር ዝሓለፉ ዕሩባት ሕልና ተወዳዲብካ፡ ብሚድያን ኣኼባን፡ ብደርፍን ዘረባን፡ ንርእዮ ዘለና ላዕልን ታሕትን ውን ፡ ደቂ ህዝቢ እናመዝመዝካ፡ ብሽም ቃልሲ፡ ዓቀይታይ ኮንካ ደቅኻ ንምዕባኣይ ዝካየድ ሃጸፍጸፍ ዳኣምበር፡ ህዝቢ ማእከል ዝገበረ ፖለቲካዊ ቃልሲ ከምዝቦኾረ ንጹር እዩ።

እዚ ሕጂ ኣብ ደምበ ተቓው ዝካየድ ዘሎ ዓይኑ ዘፍጠጠ ናይ ዓቀይቶት ምትእኽኻብ ከኣ፡ ኣብ ህልኽ ኣትዩ ከመኽኒ እንተዘይ ደልዩ፡ እቲ ዝያዳ ሃጸፍጸፍ ዝብል ዘሎ ፡ ዝያዳ ንምቅላስ ዘይኮነ፡ ዝያዳ ንምኹላስ ምዃኑ ንማንም ስዉር ኣይኮነን።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

en_USEnglish