November 18, 2026

ኣብ ሆላንድ ዝነበረ ሰሚናር ኩሉ ብ Live ዝተኸታተሎ ጽቡቕ ነይሩ ዕውት መደብ ከነሕልፍ ጻዕሪ ንዝገበሩ from Facebook

0
884845134_1435169858762418_9041791431691127643_n
ምስጋና ን ኣዳለውቲ መደብ ብርጌድ ንሓመዱ ሆላንድ ከነቕርብ ንፈቱ።
ብምቕጻል እዞም ኣብ ስእሊ ዘለና ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ናብዚ ሰሚናር ክንሳተፍን ንጆን ክንርእን ዝመጸና ኮይና ድሕሪ”ቲ ሰሚናር ንጽባሒቱ ብ ጠለብ ጆንብላክ ኣብ ፋሉይ ቦታ ብ መደብ ንቃልሲ ዝምልከት ርክብ ገይርና ነይርና ኢና : ኣብቲ ርክብ ንውሱን ሰዓታት ኣብ ዝተፈላለየ ዛዕባታት ድሕሪ ምዝታይ ጻዊዒት ናብ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎው ተቓለስቲ ሓበራዊ መልእኽቲ ከነሕልፍ ተሰማሚዕና።
1) ጻዊዒት ናብ ኩሎም ሙሁራት ኤርትራውያን እዚ ቃልሲ ብዘይካኹም ክስራሕ ስለዘይክኣል ኣብዚ ቃልሲ ተሳቱፎኹም ከተዕዙዙን መሪሕ ታራኹም ክትጻወቱን ናይ ሓባር ጻዊዒትና ነቕርብ።
2) ከም ተቓለስቲ ካብዞም ብኣካል ተራኺብና ዘለና ጀሚርካ ምሳና ውን ምስ ዘይተረኸቡ ፍልልያትና ኣጽቢብና ኣብ ዘፈላልየና ተኸባቢርና ኣብቲ ዘራኽበና ሓቢርና ክንቃለስ ወሲና።
3) ትንሳአ ብርጌድ ንሓመዱ ዓለምለኸ ጥርናፈ ጉባኤ ንምግባር ኣብ ምሽብሻብ ከምዝርከብ ንህዝብና ነበስር።
4) ብርጌድ ንሓመዱ ኣብ ባይታ ወሪዱ ምስ ዝተፈላለዩ ዉድባትን ምንቅስቓሳትን ሓቢሩ ክሰርሕ ኣብ ምዝርራብ ከም ዝርከብ ከነዘኻኽር ንደሊ።
5) ብርጌድ ንሓመዱ ነቶም ብሰንኪ ቃልሲ መቕጻዕቲ መጺዎም ዘሎ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝርከቡ ተቓለስቲ ሓቢርና ክንሕግዞም ውን ተሰማሚዕና።
6) ካልእ ብርጌድ ንሓመዱ ነተን ብፋርሕን ራዕድን ካብ ቃልሲ ብርጌድ ንሓመዱ ተነጺለን ዝጸነሓ ኣሕዋትና ኣብ ጎድኒ ኣሕዋተን ክስለፉ ንጽውዕ ዋልታ ክንኮነን ምዃና ድማ ከነዘኻኽረን ንፈቱ።
ክብርን ምስጋናን ነቶም ንስለ ፍትሒ ኣብ ቃልሲ ኩቡር ዋጋ ዝኸፈሉ መቓልስትና
ዓወትና ብቕልጽምና! ዓወት ወይ ሞት

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

en_USEnglish