
ፍስሃየ ኪዳነ (ወዲ ፖሊስ)
ሚኒስትሪ ትምህርቲ
12 ክፋል
ኣብዚ ዓምዲ’ዚ ዝወጽእ ጽሑፋት ርእይቶ ናይ ጸሓፊኡ እምበር ናይ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ከምዘይኮነ ንሕብር።
ፖለቲካውን ጸጥታውን ኩነታት ኢትዮጵያ፡ ኣተሓሳሳብን ኣሻቓልን ኮይኑ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ እታ ሃገር ዛዕባ ዝተፈላለዩ ትንታነታት ኮይና ኣላ። እዚ ሓተታ’ዚ ብዓቕሙ፡ ኣብ ክሊ ፖሊሲታት፡ ዕንደራን ሽርሕታትን መንግስታት ኢትዮጵያ፡ እንተላይ ንገንሸልነት ኤርትራ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ትዕዝብቲ ንምክፋል ዘንቀደ ኮይኑ፡ ከም ድሕረ ባይታ፡ ኣመዓባብላ ሃገርን ሃገራውነትን ብደረጃ ዓለምን ኣፍሪቃን ጠቒሱ፡ ኣመሰራርታ ሃገረ ኢትዮጵያ ብምብራህ፡ ሃገርን ሃገራውነትን ኢትዮጵያ ኣጋጢሙዎ ዘሎ ሓደጋ ዝእምት እዩ።
ፍርሰት ሃገርነትን ሃገራውነትን እንታይ እዩ፧
ቅድሚ ዝኣገረ፡ ፍርሰት ሃገራት እንታይ ምዃኑ፡ ላህመታዊ ኣፋፍኖት ምሃብ ኣገዳሲ’ዩ። መጽናዕትታት ከም ዘመልክቱዎ፡ ‘ፍርሰት ወይ ብታነ ሃገራት (Disintegration)፡ ’ መንግስቲ፡ ሃገር ወይ ምምሕዳራውያን ዞባታት ናብ ክልተ ወይ ልዕለኡ ኣሃዱታት ዝመቓቐለሉ መስርሕ ምብታን ወይ ምሕቃቕ እዩ። ምናልባት’ውን፡ ሓንቲ ኣሃዱ ብካልእ ምስ እትጕበጠሉ ኩነታት እውን ከጠቓልል ይኽእል። እዚ ከኣ፡ ብዕጥቂ ኣጽዋርን ሰራዊትን ብዝግበር ግጭት፡ ብዲፕሎማሲ፡ ወይ ብሕውስዋስ ኣገባባት ክፍጸም ተኽእሎታት ኣሎ። ብካልእ መንገዲ፡ ፍርሰት ሃገራት ይኹን መንግስትታት፡ ፖለቲካውያን ኣሃዱታት ንልኡላውነትን ጥምረትን ዘመሓድሩዎ ትካላት ምስ ዝስኣኑ ዝኽሰት እዩ። ብሓጺሩ፡ ኣብ ስልጣን ዝርከቡ ልሂቃን ፖለቲካ፡ ንሕገ-መንግስታቶም ይኹን ንኣቋውማ ሓድነት መሬተ-ግዝኣታቶም (Constitunet territories) ንምዕቃብ ምስ ዝፈሽሉ፡ ሃገረ-መንግስታት ብኣርባዕተ መሓውራተን ደው ክብላሉ ኣብ ዘይክእላ ደረጃ ይበጽሓ።
ኣብ 2020፡ ብመሰረት ዓለማዊ ለውጢ ንሰላምን ጸጥታን ዝተባህለ ትካል (ጆሃይስ፡ ባየር፡ ላምባች) ብዛዕባ ጠንቅታት ፍርሰት መንግስትትታ፡ ሓደ ዲናሚካዊ ክልሰ-ሓሳብ ኣሚሞም ነይሮም። ብመሰረት መጽናዕቶም፡ ቀዳማይ፡ ውድቀት ሃገራዊ መንግስቲ (State Collapse)፡ ተቓውምቲ ጉጅለታት ንገዛአ ርእሶም ብምዕጣቕ፡ ንተነጽሎ ይኹን ንናጽነት፡ ኣንጻር መንግስቲ ምልዕዓላት ብምግባር፡ ውግእ ሓድሕድ ምስ ዝውልዑ፣ ካልኣይ፡ ፖለቲካዊ ምስግጋር፡ ከም ካብ መግዛእቲ ሓራ ምዃን ይኹን ስልበጣ ስርዓት ንቕርጽታት ስልጣን ኣብ ምልክት ሕቶ ከእትዎ ከሎ፣ ሳልሳይ፡ ፖለቲካ ንቝርቍስ ስልጣን ብምንዋሕ፡ ንህላወ ትካላት ኣብ ዘዳኽመሉ፣ ራብዓይ፡ ፖለቲካዊ ጸቕጢ (ምድቋስ) ኣብ መንጎ መራሕትን ዝተረፈ ሕብረተ-ሰብን ምሒር ዘይምትእምማን ምስ ዝፈጥር፣ ሓሙሻይ፡ ጉጅለኣዊ ምስሕሓባት ወይ ጃንዳነት (fanct¬tionalism)፡ ንሓይሊ መንግስታዊ ፖሊስታት ምስ ዝዓግት፣ ሻዱሻይ፡ ኣብ ውሽጢ ገዛእቲ ጉጅለታት ክስራን ስጥመት ወይ ጥምረት እንተ ተፈጢሩ፡ ጐነጽ፡ ሕጊ ንምንዳፍን ንምርግጋጽን (Rule-making)፡ ንምእካብ ግብርን ቀረጽን ንከይብሓቱ፡ ክብሕጕግ ከሎ፣ ሻቡዓይ ድማ፡ ብሰንኪ ምትእትታትው ግዳማውያን ሓይልታት ናብ ዘይርጉእነት ኣምሪሑ ውድቀት መንግስታትን ፍርሰት ሃገራትን ከኸትል ይኽእል።
ብሓፈሻ፡ ብሕልፊ ኣብ ንኡስ-ሰሃራ ኣፍሪቃ፡ ብሰንኪ’ዞም ክብ ኢሎም ዝተጠቕሱ ምኽንያታት ስንፍና መንግስትታት፡ ቅድም፡ ከም ሃገራት ዛየር፡ ሩዋንዳ፡ ሶማል፡ ሎሚ ድማ፡ ሱዳን ፖለቲካዊ ኣሃዱነት ሃገራት ኣብ ሓደጋ ክወድቁ ምርኣይ፡ ትዕዝብቲ ብዙሓት እዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን፡ ብሰሪ ፖለቲካዊ ቊርቍስን ምስሕሓባትን ፖለቲካዊ ሓይልታት፡ ምድቋስን ምግላልን ሕብረተ-ሰብ፡ ከፋፈልቲ ፖሊሲታት፡ ክስራን ስጥመት ሓድነትን ወዘተ. ሕጊ ንምትግባርን ጸጥታን ልኡላውነትን ንምኽባርን ዓቕሚ ስኢኑ ይርከብ። በዚ መሰረት፡ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኢትዮጵያ’ውን፡ ሓንቲ ካብ ዝወደቓ ወይ ተኣፈፍቲ (ተሰበርቲ) ሃገራት (Failed or Fragile State) ንምባል ዘድፍር መዐቀኒ በጺሓ ከም ዘላ ዘጠራጥር ኣይመስልን። ኮይኑ ድማ፡ ልኡላውነትን ሓድነትን ሃገረ-ኢትዮጵያ ቀይሕ መስመር ዝወልዐ ይመስል። እሞ፡ ፍርሰት ኢትዮጵያ ናብ ሓደጋ ገጹ እናኸደ ደኣ፡ እንታይ ምግባር ይሓይሽ፧ ዝብል ሕቶ ንኢትዮጵያውያን ኮነ በቲ ኩነታት ንዝጽለዉ እዋናዊ ክኸውን ግድን እዩ።
ሳሕቲ፡ ገለ ኤርትራውያን፡ “ኣብ ፖለቲካዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ምግዳስ ንምንታይ የድልየና፧ ፖለቲካ ኢትዮጵያ፡ ምሳሕ ወይ ድራር ክኸውን ስለ ዘይክእል፡ ንኢትዮጵያውያን ዘይንገድፈሎም፡” ክብሉ ይስምዑ እዮም። ብኣንጻሩ፡ ኢትዮጵያውያን፡ ልዕሊ ኤርትራውያን ብፖለቲካ ኤርትራ ክግደሱን ክልፍልፉንከ ኣይንሰምዕን ዲና፧ እሞ፡ ንኢትዮጵያውን’ከ፡ “ብዛዕባ ፖለቲካ ኤርትራ ንኣና ዘይትገድፉልና፡” ምባል፡ ቅርዑይ መልሲዶ ይኸውን፧ ብዝኾነ፡ እቲ መልሲ፡ ‘ኣይፋል’ እዩ። እቲ ምንታይ፡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ከም ጐረባብቲ መጠን፡ ኣብ ነንሓድሕዶም ተመላላእቲ ምዃኖም፡ ክንዝንግዕ የብልናን። ይትረፍ’ዶ ኣብ ሓባራውያን ዝምድናታትን ረብሓታትን ጐረባብቲ ሃገራት፡ ዋላ ምስ ስግር- ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት’ውን፡ ፖለቲካውን ቍጣባውን ረብሓታት ክህሉ ግድን እዩ። ክንዲ ዝኾነ፡ ብሕልፊ ፖለቲካውን ቁጠባውን ምዕባለታት ኢትዮጵያ፡ ንዘቤታዊ ኩነታትና ጸላዊ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ። ምኽንያቱ፡ ጐረቤትካ ከብዱ ብምዕንጋል ቀሲኑ ዝነብር እንተ ኾይኑ፡ ንስኻ’ውን፡ ‘ተዓንጊልካን ኣስተርሒኻን’ ክትነብር ምዃንካ፡ ክዝንጋዕ የብሉን። ብቐንዱ ግን ኤርትራ ኣካል ግዝኣት ኢትዮጵያ ምንባራ ክርሳዕ ኣይግባእን። በዚ መንጽር፡ ገለ ልብታቶምን መንፈሳቶምን ዘይነጽሁ ልሂቃን ኢትዮጵያ፡ ንኤርትራ ከም ‘ውሽማ ኢትዮጵያ’ ብምርኣይ፡ ዳግም ጸጋታታ ክጐብጡን ከስተማቕሩን፡ ከይደቀሱ ዝሓድሩ ከምዘለዉ ኣብ ግምት ምእታው ኣገዳሲ እዩ።
ብሓፈሻ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝህሉ ፖለቲካዊ ዝምድና፡ ብመንጽር ‘ገዛኢት ሃገር ነበርን (HegimoncState) ተገዛኢት ሃገር ነበርን (DiasporicState) መሲሉ ክርአ የብሉን። ፈለማ፡ እዚ መንፈስ’ዚ፡ ሓንሳእን ንሓዋሩን ካብ ኣእምሮ ልሂቃን ኢትዮጵያ ንፋስ ክወስዶ እንተኾይኑ ድማ፡ ብክልተኡ ሸነኽ፡ ሓያል ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ስራሕ ክሓትት እዩ። ብዝኾነ መለክዒ፡ ንፖለቲካዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ብደቂቕን ስሩዕን ምክትታል ከኣ፡ ዘይተርፍ ግዴታ ነፍሲ-ወከፍ ኤርትራዊ ክኸውን ይግባእ። ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብዝኾነ ታሪኻዊ መዐቀኒ፡ ክልተ ነንበይነን ሃገራት ምዃነን፡ ኣብ ልብን ኣእምሮን ኢትዮጵያውን ንምስራጽ፡ ኣበርቲዕና ክንጽዕር ዝግባእ እዩ። ኣብ ውሽጢ’ዚ፡ ብሕልፊ መጻእቲ ወለዶታት ከይደናገሩ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ክህሉ ዝኽእል ህዝባዊ ርእይቶታት ንምጽላውን ንምቕያርን፡ ነፍሲ-ወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ዝኾነ ኩርናዕ ይሃሉ፡ ኣምባሳደር ሃገሩ ክኸውን ይግባእ’ዩ።
ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ማዕረ ማዕረ ትኩርነት ነፍሲ- ወከፍ ዜጋ፡ ኤርትራ ናብ ዝደልደለ ፖለቲካዊ፡ ወተሃደራውን ቁጠባውን ቍመና ንምብራኻ፡ ትኽስ ከይበልና ክንዓዪ ንሕተት ኢና። ታሪኽ ከም ዘረጋግጾ፡ ገዛእቲ-ነበር ሃገራት ንግዝኣታተን ዝነበራ ሃገራት ወትሩ ንምዕብላልን ንምድኻምን፡ አረ ዕድል እንተ ረኺበንሲ ዳግም ንምውራረን፡ ድሕር ኣይብላን እየን። እዚ ይኹን እቲ፡ ባህሪ ፖለቲካ ከም ዘመልክቶ፡ ይዕበ ይንኣስ፡ ኣብ መንጎ ‘ገዛእትን ተገዛእትን ነበር፡ ‘ተወዳዳርነትን ጽርድነትን’ ዝተርፉ ኣይኮኑን። ንኣብነት፡ ኣብ መንጎ ሃገራት ኣዕራብን እስራኤልን ዝርአ ምትህልላኽ፡ ሓደ መርኣያ ዝምድናታት ‘ገዛእትን ዝተፈጠራን ሃገራት’ ምዃኑ፡ ምስትብሃል ዘድልዮ እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ ‘ተገዛእቲ ሃገራት ነበር፡ ’ ወርትግ፡ ብቁጠባ፡ ብውትህድርና፡ ብጸጥታ ንትካላተንን ዓቕሚ-ሰበንን እንተ ዘይሃኒጸንን ኣደልዲለንን ድማ፡ ንሓደጋ ቅሉዓት ይዀና። ኤርትራውያን’ውን፡ ዛጊት ናጽነትና ካብ እንረክብ ጥራይ፡ ብቐንዱ ብድርኺት ዓበይቲ ሓይልታት ብቐንጠብጠብ ጐረባብቲ ሃገራት (የመን፡ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ጅቡቲን) ተፈቲንና ኢና። ካብኡን ናብኡን፡ ብሕልፊ መንግስትታት ኢትዮጵያ፡ በሰላ ኤርትራ ንምሕኻኽ፡ ከም ሕሱም ፈቲኖምና እዮም። በዚ መንጽር፡ ሎሚ ኮነ ጽባሕ፡ ኣብ ኤርትራ ዝትከሉ መንግስትታት፡ ንቑሓትን ጥንቁቓትን ክኾኑ ይግባእ። ብካልእ ሓረግ፡ ኤርትራ፡ ልክዕ ከም ሃገረ-እስራኤል፡ ብጐረባብታ ምእንቲ ከይትህመልን ከይትድፈርን፡ ንፖለቲካውን ወተሃደራውን ኩነታት ጐረባብቲ ሃገራት፡ ኣውራ ኢትዮጵያ፡ ብዕቱብነትን ርጡብነትን ዝከታተሉን ምስ ዘመናዊ ግዜ ዝተዓጻጽፉን ትካላውያን መሓውራት ክትሃንጽን ክተደልድልን ኣለዋ። ዛጊት፡ መንግስቲ ህግሓኤ፡ ንልዕሊ ሰለስተ ደርዘን ዓመታት፡ ንልኡላውነትን ሓድነትን ኤርትራ ከም ዘይድፈር ዝገበረ’ውን፡ ሳላ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ንቕሓቱን ብልህነቱን ምዃኑ፡ ክዝንጋዕ የብሉን።
ብሓፈሻ፡ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ጽባሕ ናጽነት ኣትሒዙ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክህንጽ ዝግባእ መንደቕ ምሕዝነት ስትራተጅያዊ ክኸውን ካብ ምጽዓር ዓዲ ኣይወዓለን። የግዳስ፡ ብሰንኪ ዘይቅሩብነት ክልተ መንግስትታት ኢትዮጵያ፡ ሰናይ ባህጊ መንግስቲ ኤርትራ ኣይሰመረን። ብኣንጻሩ፡ መንግስትታት ኢትዮጵያ ብዘቤታዊ ኩነታት ምስ ዝብድሁ ጥራይ ንሽርክነት ኤርትራ ዝጽውዑ ይመስሉ። ብካልእ ሓረግ፡ መንግስትታት ኢትዮጵያ ካብ ስልታዊ ንላዕሊ ዝኸይድ ሰናይ ጉርብትና ዝመርጹዎ ኣይመስሉን። ብዓቢኡ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ‘ቀዋሚ ረብሓታት ህዝብታት’ ኣብ ዝብል መትከል ዓለም-ለኻዊ ዝምድና ስለ ዝኣምን፡ ንበደላት ስርዓታት ኢትዮጵያ ንምጽብጻብ፡ ኣንቂዱ ኣይፈልጥን እዩ። ግደ ሓቂ ግን፡ ስርዓታት ኢትዮጵያ፡ ብዋጋ ሰላሳ ዓመታት ክሳራ ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ድሕሪ ልኡላውነት ብዘውረዱዎ ማህሰይትን በደላትን’ውን፡ ክሕተቱን ሓላፍነት ከልዕሉሉን ይግባእ ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ታሪኽ ‘በደላትን ተመጣጠንቲ ምክሕሓስን፡’ ካብ ተመኩሮ ክልተ ሃገራት እስያ ምምሃርን ምልቃሕን ይክኣል እዩ።
ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም (1937-1945)፡ ጃፓን፡ ንዝድርምስ ዝነበረ ኢንዱስትሪኣ ጥረ ነገራት ንምርካብ፡ ንቻይና ወሪራ ነበረት። ጃፓን፡ ብሕልፊ ድሕሪ 1937፡ ንዝሰፍሑ ክፋላት ቻይና ተቘጻጸረት። ድሕር’ዚ፡ ሃገረ-ጃፓን፡ ኣንጻር ቻይናውያን ዘስካሕክሑ ግፍዕታት ምፍጻም፡ ንቡራት ተርእዮታት ኮኑ። ኮይኑ ድማ፡ ቻይና፡ ንበደላትን ግፍዕታትን ጃፓን ክሳዕ ሎሚ ኣብ ምኽሳስ ትርከብ። ንኣብነት፡ ካብቶም ብጃፓን ዝተፈጸሙ በደላት፡ ብሕልፊ እቲ ‘ብህልቂት ናኪንግ’ ዝፍለጥ ፍጻመ፡ ዛጊት ካብቶም ዘስካሕክሑ ጽንተት (ሆሎካስት) ምዃኑ ይግለጽ። ብዘይካ’ዚ፡ መንግስቲ ጃፓን፡ ንሰላማውያን ቻይናውያን ክሳብ ካብ ቤተ- ንብረቶም ብምብራር፡ ኣብ ግዱድ ዕዮታት ካብ ምምዝማዝ ሓሊፉ፡ ዋላ ኣብ ደቂ- ኣንስትዮን ህጻናትን ዝፈጸሞም ግፍዕታት፡ ክሳብ ሕጂ ብቻይናውያን ኣይርስዑን እዮም። ብሓፈሻ፡ ጃፓን ክሳብ 20 ሚልዮን ዝግመቱ በርጌሳትን ምሩኻትን ከም ዘህለቐት፡ ሰነዳት ታሪኽ ይምስክሩ። ይኹን’ምበር፡ ጃፓን፡ ድሕሪ’ቲ ኣመሪካ ንሂሮሽማን ናጋሳኪን ብኣቶሚካዊ ቦምባታት ምድብዳባን፡ ሕብረት- ሶቭየት ኣብ ርእሲኣ ኲናት ምስ ኣወጀትን ግን፡ ካብ ቻይና ኣንሰሓበት።
ይኹን’ምበር፡ መንግስትታት ቻይና፡ ጃፓን ብዝፈጸመቶም ግፍዕታት ክሳዕ ሎሚ፡ ‘ካሕሳ’ ኣብ ምሕታት ይርከቡ። መንግስትታት ጃፓን’ውን፡ ቅድሚ ሓደ ዘመን ኣቢሉ ብቅድመኦም ዝነበሩ መንግስትታት ዝተፈጸሙ ግፍዕታት ብምእማን፡ ንህዝቢ ቻይና ሚሊዮናት ገንዘብ ኣብ ምኽሓስ ይርከቡ። ካብዚ ሓሊፎም’ውን፡ መንግስትታት ቻይና፡ ጃፓን እንተላይ ብታሪኽ ክትክሕስ ኣብ ምግዳዳ ይርከቡ። እዚ ከኣ፡ ጃፓን፡ ኣብ ህዝቢ ቻይና ብዛዕባ ዝፈጸመቶም ግፍዕታት ኣብ ስርዓተ-ትምህርታ ከይተረፈ ብምሕቋፍ፡ መጻእቲ ወለዶታት ጃፓንን ቻይናን ማዕረ መረዳእታ ታሪኽ ሒዞም ክምልመሉን ክዓብዩን ካብ ምጽዋዕ ዓዲ ውዒላ ኣይትፈለጥን። በዚ መሰረት፡ መንግስትታት ቻይና፡ ኣብ ጃፓን ዘሎ ስርዓተ-ትምህርቲ ታሪኽ ክኽለስ ይጠልቡ።
ብተመሳሳሊ፡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንሓዋሩ ካብ ቂምን በቐልን ሓራ ክኾኑ እንተኾይኖም፡ ንተመኵሮታት ቻይናን ጃፓንን ከነስተውዕለሉ ይግባእ። ብሕልፊ ልሂቃን ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክንዲ ገና ናብ ኣፍ- ደገ ባሕርን ወደባትን ኤርትራ ብምምዕዳው፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ተጽዕኖ ክፈጥሩ ዝፍትኑ፡ ብሰንኪ ፖሊሲታትን ዕንደራታትን ተኸታተልቲ መንግስትታቶም ኣብ ርእሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈጸሙ በደላትን ግፍዕታትን ብምእማን፡ ‘ትጕሽተትና’ ክብሉ ይግባእ። ብካልእ ኣበሃህላ፡ ካልእሲ ይትረፍ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ክሳብ ናብ ‘ቃል ኪዳን ምክሕሓስ ታሪኽ’ ገጸን’ውን፡ ክሓስባ ይግባእ እዩ። ሎሚ፡ ኣብ ስርዓተ-ትምህርቲ ኢትዮጵያ፡ “ኣብ ታሪኽ፡ ኢትዮጵያ፡ ባሕሪ ትውንን ነይራ። እንተኾነ ግን፡ ኤርትራ እትብሃል ሃገር ንሓላላ ገይራቶ፡’ ክሳብ ዝትሕዝቶኦም ትምህርቲ ታሪኽ ክወሃቡ፡ መጐታዊ ኣይኮነን። እቲ ምንታይ፡ ጽባሕ ሓላፍነት ሃገራት ንዝስከሙ መጻእቲ ትውልዲ ብግዜኡ ዝሓለፎ ትረኻ ምምልማል፡ ወርትግ ኣብ ህልኽን ምውራርን ንኽጽመዱ ዝዕድም እዩ። ክንዲ ዝኾነ፡ ምናልባት፡ ኣብዚ መድረኽ’ዚ’ኳ ብስርዓተ-ትምህርትን ኣብ ዝርግሐ ፍልጠትን ሓበሬታን ትካላት ክልተኡ ሃገራት ንታሪኽ ንምትዕራቕ ከጸግም ዝኽእል እንተኾነ፡ ኣብ ነዊሕ ጉዕዞ ግን፡ ዘይክኣለሉ ምኽንያት ኣይሰኣንን ይኸውን። በዚ መንጽር፡ መንግስቲ ኤርትራ’ውን፡ ብውሑዱ፡ ንኢትዮጵያውያን ምእንቲ ክስቈሮም፡ ዋላ ኣብ ዝባኖም ዝጸንሕ ዕዳ ከም ዘሎዎም፡ ‘ኣዋጅ ካሕሳ’ እንተዝቕመጥ፡ ዝጽላእ ኣይኮነን ዝብል ርእይቶ ኣሎኒ።
ይቕጽል . . .



