November 18, 2026

ናይ ክብሪ ጸዋዒት፡

0
516875391_3935878356630480_1301760407146834664_n

ELF Reunion ዓስራይ ዳግመ ርክብ ገዳይም ተጋደልቲ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ካብ ጥቅምቲ 3-5፡ 2025 ኣብ ከተማ ዳላስ፡ ቴክሳስ ክቃናዕ ኢዩ።

ዳግመ-ርክብ ገዳም ተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ምስናድ ታሪኽ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ኣድላይነቱን ጠቕሙን ኣልዒልና ድሕሪ ምዝታይ፡ ከነበግሶ ግድነትና ምዃኑ ተረዲእና ብ2012 ኣብ ከተማ ደንቨር ኮሎራዶ ጀሚርናዮ። ድሕሪ`ዚ ኣብ ዝተፋላለየ ከተማታት ንትሽዓተ ጊዜ ብምግባእን ብምዝታይን … ብጽሑፍ፡ ብቪድዮ፡ ብቓል፡ ብሙዚቃ … ብዙሕ ተመክሮታት ክንስንድን ክንዕቅብን ክኢልና ።

ዕዮታት ምስናድ ታሪኽ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ጉያ ኢልካ ትኸዶን፡ ትድምድሞን ኣይኮነን። ጽንኩር`ዩ፡ ብዙሕ ብድሆታት ዘለዎ`ዩ፡ ናይ ብዙሓት ሓንጎል፡ ተዘክሮታት፡ ዓቕሚታትን ጸጋታትን የድልዮ። ልዕሊ ኩሉ ግን ነፍሰ-ተበግሶን ድለየትን ፍናንን ይሓትት። እዚ ኩሉ ዑቕር ኣሎ፣ ንልቀሖ ወይ ናብ ካልኦት ቁሊሕ እንብሎን ኣይኮነን። ስለዝኾነ፡ ንራኸብ፡ ንላዘብ፡ ንተሓናገርን ንማላላእን፡

ርኽብና፡ ጥቅምቲ 3-5 ኣብ ከተማ ዳላስ ቴክሳስ ይኹን። ብሰላም የራኽበና።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

en_USEnglish