October 11, 2026

ናይ መንግስታት ኢትዮጵያውያን ኤርትራን ባዕለን ዝበሃለኦ ዘለዋ …ንከታተል።…..አስመሮም በርሀ

0
0228ead8-0fee-448b-aca6-5d2f7c6bc3ae_w1080_h608_s

.ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዘቕረቦ መልእኽቲ፡ “ክጥዕመካ ብማንካ፡ እንተ ሓሰመካ ብኢድካ” ይመስል። ናይ ባሕሪ ኣቕርቦት ይግበኣና እዩ። ታሪኻዊ ወደብ ነይሩና። 130 ሚልዮን ኢና’ሞ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ይግበና ኢዩ። ልዕላውነት ኤር ዝኣመነ ግዝያዊ መንግስቲ እዩ። ታሪኻዊ ጌጋ እዩ ፈጺሙ። ሕጋውነት የብሉን። ኢትዮጵያ ንክትዓቢነ ክትምዕብልን ናይ ባሕሪ መሕለፊ የድልያ እዩ። በማለት ብዙሕ ናብ መንደቕ ይድርቢ’ሞ፡ ገለ ካብኡ እንተጠበቐ ዝጽበ ይመስል። ድንቁርና ከይበሃል ዝተማህረ ሰብ እዩ። ዝተማህረ ካብ ኮነ ስለ ምንታይ እዩ ከምኡ ዝገብር ዘሎ? ኣስተብህሎ ዝሓትት እዩ።
ኣብ 1940ታት ኤርትራ ናጻ ትኹንዶ ኣይትኹን ብኣህጉራት ዓለም ክወሰን ከሎ፡ ስርዓት ኢትዮጵያ ናይ ባሕሪ ኣቕርቦት ክህልዋ ዝብል ጠለብ ሃይለስላሴ ነይሩ። ኣመሪካን እንግሊዝን ናይ’ዚ ሓሳብ እዚ ተደናገጽቲ ነይረን። ኢትዮጵያ ናይ ባሕሪ ቅርበት ንክህልዋ ናይ 1952 ፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ተገይሩ። ኢትዮጵያ ድሕሪ ዳርጋ 1000 ዓመት ባሕሪን ወደባትን ረኺባ ነይራ። ስሱዕ ስርዓት ሃይለ ስላሴ፡ ንኤርትራ ናብ ሓንቲ ኣውራጃ ኢትዮጵያ ቀይሩ ንስምምዕ ፌዴሬሽን ኣፍሪሱዎ። ናይ ዓለም ሓያላን ሃገራት ከኣ ንህዝብና ኣግዲዐናኦ። ህዝብና ካብ ሃገራት ዓለም ተስፋ ምስ ቆረጸ፡ ጉዳዩ ኣብ ኢዱ ኣእትዩ፡ ተሰዊኡ፡ ደቁ ከፊሉ ነጻነቱ ኣረጋጊጹ። መንጎኛታት ዝተሳተፉዎ ምርጫ ኣካይዱ፡ ብሕጊ ጉዳዩ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣቕሪቡ። ብምሉእ ዓለም ተደጊፉ። ኤርትራ ብሕጊ ዓለም ተፈሊጣ።
ናይ ኢትዮጵያ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ዝጽዕሮ ዘሎ፡ ካልኣይ ግዜ ዕድል እንተ ረኸበ እዩ።
ፈደረሽን ክፈርስ ከሎ፡ ንጠቕሞም ዝተሓባበሩዎ ኤርትራውያን ረኺቡ ነይሩ። ሕጂ’ውን ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ናይ ኢትዮጵያ፡ ምናልባት ንስልጣን ክብሉ ወይ ንውልቃዊ ረብሓ ክብሉ ወይ ንስርዓት ኤርትራ ጸሊኦም ወይ መሲሉዎም ዝተሓባበሩዎ እንተ ረኸበ ክብል ነቲ ቅድሚ ክልተ_ ሰለስተ ዓመታት ተመሓዝዩዎ ዝነበሩ ስርዓት ዝጻረር ክመስል ነቲ ኤርትራውያን ባዕልና እንፈልጦ ጥፍኣት ስርዓት ኤርትራ ክገልጸልና ይፍትን ኣሎ። ኤርትራውያን ንስርዓት ኤርትራ ንፈልጦ፡ ክንቅይሮ’ውን ንፍትን። ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ልዕላውነትናን ኣብ ምርሳዕ ወይ ሞኽሓድ ስዉኣትናን ግን ኣይንውዕልን ኢና። እዚ ከንቱ ፈተነ እዩ። ኩሉና ኤርትራውያን ኣብ’ዚ ሓደ ንኹን።

ካልእ ምኽንያት መግለጺ ናይ ወጺኢ ጉዳይ ሚኒስቴር
ኢትዮጵያ ናይ ውግእ ምጅማር ጌዜኡ ቀሪቡ ስለ ዘሎ፡ ብዝኾነን ዘይኮናስ ንስርዓት ኤርትራ ናይ ምክፋእ ወፍሪ የካይድ ኣሎ ማለት እዩ።
ናይ ስርዓት ኤርትራ ክሲን ናይ ባሕሪ ኣድላይነትን ዝሓዋወሰ መግለጺ ኩሉና ኤርትራውያን ክንነቕሓሉን ክንቅረበሉን ክንማኸረሉን ክንገጥሞን ይግባእ። ኩሉና ድምጽና ንሃበሉ። ሓንሳብ ርእይቶና ሂብና ስቕ ኣይንበል። ነከታተልን ንቃወምን።

ሓውኹም አስመሮም በርሀ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

en_USEnglish