ትዕዝብትታተይ አብቲ ናይ ዋሽንግቶን ዲሲ ECCC) ናይ መኸተ እዋን ዝተኻፈልክዎ: Yebio Mesfin form Facebook

አብቲ ቦታ ሰነበት ድሕሪ ቀትሪ ምስ በጻሕኩ: ናይ 98 መኸተ እዋነ አዘኪሩኒ: ሓዘንኩ: ንጸላእትና እቶም ድቃስ ዝኸሉኡና ብውሽጠይ እንደተራገምኩ ምስ ህዝበይ ተጸንበርኩ!!
መደረ ናይ አመሳደር ብርሃነ: ብጹሞና አዳመጽኩ: እቲ መልእኽቲ ምስ ናይ 98 ዝመሳሰል: ጸላእትና እመጹ አለዉ ንኽተት እዩ ኔሩ።
ድሕሪ መደረ ርኢቶኹም ሃቡ ተባህለ:
ካብቶም ርኢቶ ክህቡ ዝተሰርዑ ዶክ ከሰተ አብራሃ ነበረ። ዶክ ከሰተ ጉልቡት: ግሩም ኤርትራዊ ኮይኑ: ብማዕዶ ጸብለል ኢሉ ይረአ ነበረ። ንሱ ምሳይ አብ የአክል: አብ ሞንጎ ተቓወምቲ አብ ዲሲ ዝነበረ ፈልልይ ክንፈትሕ ሰሪሑ ኔሩ። ቀጺልና ድማ አብ ናይ ዲሲ ይአክል ብሓላፍነት ሰሪሕና ኔርና። ዶር ከሰተ ካብቶም አዝዮም ዝድነቑ ሃገርና ዘፍረየቶም እዩ። ክሳብ ሎሚ ካብ ዘጋጠሙኒ ደቂ ሃገር ብምስትውዓሉን: አተሓሳስብኡን : ጭውነቱን ጻዕሩን አዝዩ ዝድነቕ እዩ። አብቲ ግዜ ነቲ ስራሕ ዝዓሞን ዉፉዩን ሃናጺ ሓሳብ ዝነበሮ እዮ። ንያአክል አስታት 4 ዓመት አቢለ ካብዝገድፎ ግን ርክብና አቓሪጹ ጸነሑ ኔሩ።
አብቲ መስርዕ ተርኡ ተጸብዩ: ክዛረብ ክቕረብ ምስ ጀመረ: ተቓዋሚ ምኻኑ ብቐረባ ስለ ዝፈልጦ: እንታይ ክብል እዩ? አብዚ ተአፋፊ እዋንከ ጌለ እነተ ኢሉ: ገሊአኦም ስመዒታውያን ዶኾን ድፍእ ይብልዎ ኢለ ተጨነቕኩ: ፍሕትሕት ክብል ዘስተብሃሉለይ መቓምጠይ እዉን ቁሊሕሊሕ ኢሎም ጠመቱኒ። አፉ ከፊቱ ከአ:
“አነ ተቓዋሚ እየ” ኢሉ ነታ አብ ኢዱ ዘነበረት ወረቐት ዘርግሓ: ሽዑ እቲ አዳራሽ ጸጥ በለ: ከምዝፈራህክዎ ግን ገለ ዝድርብን ዝጻረፍን አይነበረን፣ መደርኡ ቀጺሉ ድም: እቲ ዝዝክሮ ውሕሉል አዘራርብኡን አቀራርብኡነ ከስምዕ ጀመረ: ብሓጺረ:
“ንግዚኡ ዝነበረኒ ሕቶን ቓልሲ አወንዚፈ: ሃገረይ ክከላኸልን : ሰራዊተይ ክድግፍ እየ መጺአ “ በለ
እቲ ጸጥ ኢሉ ዝነበረ ህዝቢ: በሓባር ተንሲኡ ብጣቕዒትን ክብረትን ተጸምበሮ: እንተ አነ ከተንፍስ ጀሚርኩ: አደነቕክዎ!! ምእነቲ እቶም ትም ዝበልና እውን ተዛሪብካ ኢለ አደናቖተይ ዝገልጽ ቴክስት ጸሓፍኩሉ።
እቲ መስተውዓሊ ዘድንቖ ሓወ: ነቲ ናይ መኸተ ነበርክቶ እውን ሓዲሽ ዓቐን ክህልዎ ብተግባር መርሐ።
አብቲ አኼባ አቃልቦ ብዚሓት ስለ ዝሰሓብ: በቲ ዉሕሉል ርትዓዊ ዘረብኡ ዘተመሰጡ ቡዙሓት ይጠቕስዎ የድንቕዎን ነበሩ። አባል መሪሕነት ሃገራዊ መኸተ ክኸውን ድማ ተመርጸ።
ከም ህዝቢ: እቲ አብ ዓለም: ብጅምላ ዝመረረ ተጽዕኖ ተሰኪሙ ዝኸይድ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። I am still proud to be Eritrean!!! እዚ እውን ክንሓልፎ ኢና!!
በጃኹም ነዚ አበ አሰና ዝገበሮ ዝርርብ ስምዕዎ: See less
