
——————————————-
Beyene Semere fron Facebook
ዶክተር ያሕያ ጃብር ኣብ 1938 ኣብ ዓሊግድር ዝተወልደ እዩ። ኣብ ዓዲ ጥልያን ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ሞደና ብሞያ ሕክምና ዘጽንዐን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሮማ ድማ ኣብ 1969 ብ መጥባሕቲ ስፐሺያላዝ ዝገበር ምሁር እዩ። እዚ ላዕለዋይ ምሁር፡ ጻዊዒት ቃልሲ በጺሕዎ ዝነበሮ ክብርን ምህሮን ጠንጢኑ ሩዑ ጠቕሊሉ ናብ በረኻታት ኤርትራ ወፊሩ- ከም ኩሎም ኣብቲ እዋን ዝነበሩ መዛንኡ። ኣብ ሚያዝያ 1970 እዩ ናብ ሜዳ ኣትዩ፡ ኣብ ዓመቱ ሓምለ 1971 ኣብ ዓድ ጋሕ ጋሕ ትበሃል ንእሽቶ ገጠር ንዉጉኣት እናሓከመ’ከሎ፡ ካብ ብጾቱ ሓደ ናብ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ሰሊሙ፡ ኣዛብእ ጎቲትሉ መጺኡ ምስቶም ወትሃደራት ተዋጊኡ ኣብ ንኡስ ዕድሚኡን ምስ ኩሉ ፍልጠቱን ሕልሙን ተቐብረ።
እዚ ገለ ኣብዛ ብ ዓምር ሳልሕ ሓጎስ (Aamer S. Hagos ) ዝተጻሕፈት መጽሓፍ “Echoes of Bravery: Martyr Mohmoud Ibrahim’ Enduring Legacy” ንረኽቦ ብዙሕ ዛንታታት እዩ።
ቅድም ካብ ዝሰምዖ ዝነበርኩን ዘገርመንን ዘሰምብደንን ዛንታት ነይሩ፡ ካብ ሓንቲ ማህጸን ዝተወልዱ ኣሕዋት እቲ ሓደ ኣብ ጀብሃ እቲ ሓደ ድማ ኣብ ሻዕብያ ተሰሊፎም ኣብ ዉግእ ሓድሕድ ይራኽቡ’ሞ “ዕላማ ልዕሊ ሕውነት’ዩ” ብዝብል ፍልስፍና እቶም ኣብ ዝግበር ዝነበረ ሕድሕድ ምቅትታል ዝተራኸቡ ክልተ ኣሕዋት እናተፋለጡ “ይቕረ በለለይ ሓወይ መዓረይ ግን ክገብሮ ግድን እዩ።” ተበሃሂሎም እቲ ዝቐደመ ብጥይት ነቲ ሓደ ሓው ግንባሩ የንህሎ’ሞ ሓዉ ብደም ክጥልቂ ብዓይኑ እናረኣዮ ንሓዉ ከይቀበረ ስራሕ ምቕታሉ ይቕጽል። እቶም ነዚ ዝትርኹልና ዝነበሩ ከም ጽንዓትን ጅግንነት ቃልስን ገይሮም ዝገልጹ ክህልዉ ከለዉ ገለ ለባማት ግና እናሕዘኑ “ሓደ ካብቲ ሕማቕ ገጻ ታሪኽና” ኢሎም ይገልጹልካ። እዚ ኣብ ታሪኽና ኣዚዩ ዘሰክሕ ብምዃኑ ብዙሕ ክጽሓፈሉ ዝግባእ ታሪኽ እዩ እብል፡ ምእንቲ ከይድገም። እቲ ዘገርም እዞም ኣሕዋት ንሕድሕዶም ዝቀታተሉ ዝነበሩ’ኮ ንስልጣን ናይተን ዝመርሕወን ዝነበሩ መራሕቲ ዉድባት እምበር ኩሎም ንሓደ ዕላማ “ንናጽነት ኤርትራ” እዮም ካብ ገዛኦም ወፊሮም።
እዚ ሓሳብ ብቕንያቱ ክሓስብ ዝደረኸኒ እዛ ብ ዓምር ሳልሕ ሓጎስ ዝተጻሕፈት “Echoes of Bravery” ከንብብ ስለ ዝቐነኹ እየ። እታ መጽሓፍ ብፍላይ ኣብቲ ፈለማ ምጅማር ሰውራ ኤርትራ ዝነበሩ ፍጻመታትን ተዋሳእትን ትትርኽ እኳ እንተኾነት ንማሕሙድ ኢብራሂም (ቺኪኒ) ማእከል ገይራ እያ ተጻሒፋ። ካብዛ መጽሓፍ ብዙሕ ዛንታት ዉልቀ ተጋደልቲን ንጥፈታትን ጀብሃ ዝተረኸት እያ። ንዓይ ኣብዛ መጽሓፍ ካብ ዘሎ ኣብ መንጎ ተጋደልቲ ጀብሃን ሻዕብያን ዝፍጸም ዝነበረ ምቅትታል ዝያዳ ኣተሓሳሲቡኒ። በዚ ድማ’ዩ ደራሲ ሓደ ምዕራፍ ምሉእ ብዛዕባ ሕድሕድ ውግእ ኣብዛ መጽሓፍ ጽሒፉ ዘሎ። ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ናይ 1974 ኣብ ወኪ ዝተገብረ ሕድሕድ ኲናት ክልቲኤን ዉድባት 600 ተጋደልቲ እዮም ጠፊኦም። እዚ ኣሕዋት ን ኣሕዋት ምቅትታል እንታይ ክበሃል ይከኣል፧ ገሊኦም ካብ ሓደ ገዛ ዝወጽኡ ወይውን ኣዝማድ ዝኾኑ መንእሰያት ኣብ ሓንቲ ወርሒ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ዓዲ ንዘይከውን ነገር ሃሊቖም! ብሓፈሻ ካብ 1961 ክሳብ ጀብሃ ካብ ሜዳ ኤርትራ ትወጽእ 1981 ኣብ 20 ዓመታት ብ ኣሻሓት ዝቑጸር ነፍሳት ብኢድ ኣሕዋቶም ነንሕድሕዶም ጠፊኦም እዮም። ብዓቢኡ ድማ እቲ ግዙፍ ዓቕሚ ናይ ጀብሃ ሰኣን ኢሂን ምሂን ተበሃሂልካ ዓቕምኻ ኣግዚፍካ ንስቓይ ህዝቢ ምሕጻር ምስ ናይ ጎረቤት ዉድብ ተመሓዚኻ ምብራር ኣዚዩ ከቢድ ክሳራን ዘይሓዊ ስምብራትን ከምዝገደፈ ርዱእ እዩ።
ከምቲ ዝበልክዎ እዛ መጽሓፍ ንህይወትን ገድልን ቺኪኒ ማእከል ዝገበረት እያ። እቲ ዕባይ ከረን፡ ንፉዕ ተጻዋቲ ኲዕሶ እግሪ ዝነበርን ኣብ ጃልያ ኣስመራ ተማሂሩ ንበረኻ ዝወፈረን ካብቶም ፈለማ ሓሙሽተ ን ኢሳያስ ኣፈወርቂ ወሲኽካ ናብ ቻይና ከይዶም ዝሰልጠኑን ተባዕን መስተውዓሊ ተጋዳላይ ምንባሩ ኣብዚ መጽሓፍ ተገሊጹ ኣሎ። ንሱ ናይ ፈለማ ብ ኣሕዋቱ ኣብ ሕድሕድ ኲናት ኣብ ሳሕል ዝተሰውአ ምዃኑ’ውን ተገሊጹ ኣሎ። ን ኣቀታትላኡ ብዝምልከት፡ ናይ ዓይኒ ምስክር ኮይኑ ቀሪቡ ዘሎ መሓመድ ሓጅ ነቲ ፍጻመ ብኸምዚ ተሪኽዎ ኣሎ፡
“ኣጽዋር ኣዚዩ ኣድልዩና ብምንባሩ ኣብ መኽዘን ናይ ELF-PLF መጥቃዕቲ ፈነና። ነዚ ዝገበርና፡ ሻዕብያ ኣብቲ እዋን ሓድሽ ኣጽዋር ኣእትያ ኣላ ዝብል ሓበሬታ ብምርካብና ኢና ነቲ መጥቃዕቲ ወሲድናዮ። ነቲ መኽዘን ሒዝና ዘድልየና ቀርብ ወሲድና ብዓወት ወጺእና ነይርና። ካብቲ መኽዘን ወጺእና እናኸድና ግና ኣድራጋ ጠያይት ኣብ ዝባና ዓለበ። ማሕሙድ ቺኪኒ ኣብ ጸጋማይ መንኩቡ ብጥይት ተሃርመ። እታ ጥይት ኣብ ዉሽጡ ብምእታዋ ንምድሓኑ ዝተገብረ ጻዕሪ ኣይሰመረን ህይወቱ ሓሊፋ። ሓርበኛታት ትስፋይ ተኽለን ኢብራሂም ቶቲልን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ዶብ ሱዳንን ኤርትራን ኣብ ትርከብ ዓይጠራ ኣብ ዝተባህለት ዓዲ ተቐቢሩ።” ይብል።
ዉግእ ሓድሕድ ንኸም በዓል ቺኪኒ ዝበሉ ናይ መጻኢ መራሕቲ ክኾኑ ዝኽእሉ ሰባት ጥራይ ኣይኮነን በሊዑ፡ ኣብዚ መጽሓፍ ተገሊጾም ዘለዉ፡ ኣለም መስፍን ሓንቲ ካብተን ናይ ፈለማ ኣዋልድ ተጋደልትን ሓኪምን ዝነበረት ኣብ ሕዳር 8 ናይ 1974 ብጥይት ኣሕዋታ ብውግእ ሃድሕድ ንፈለማ ዝተቐትለት ጓለንስተይቲ ይርከቦም። ኣብ 7 መስከረም 1968 ብተጋደልቲ ጀብሃ ኣብ ሓልሃል ዝነበረ ናይ ፖሊስን ኮማንዶን ስተሽን መጥቃዕቲ ክግበር ተፈቲኑ ካብቶም ሓሙሽቲ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ጀብሃ፡ ንካልኣይ ኽፍሊ ዝእዝዝ ዝነበረ ዑመር እዛዝ ዝርከቦም 49 ሰባት ክስውኡ ኣግዲዱ እዩ። እዚ ብምኽንያት ካብቶም ተኣሚኖም ዝነበሩ ፖሊስ ሓበሬታ ስለዘልሗኸ እዩ። ካብታ ብመኮንን ተስፋይ ዝተጻሕፈት “ኮኾብ ሰማይ” ዝተረኽበ ሓበሬታ ምርኩስ ብምግባር ዶ/ር ፍጹም ገብረ ስላሴ’ውን ብ ኣብርሃለይ ክፍለ (ብርጋዴር ጀነራል) ብፍላጥ ይኹን ብወዝቢ ኣክራኻሪ ዝኾነ ቅትለቱ ኣብዚ መጽሓፍ ተጸሚቑ ቀሪቡ ኣሎ። ብዙሓት ምሁራት፡ መራሕቲ፡ ተራ ተጋደልትን ብ ኣሕዋቶም ኣብ ክልቲኡ ዉዱባት ጸኒቶም እዮም።
ኣብ ተስዓታት ዝበዝሐ ብዛዕባ ገድሊ ኤርትራ ዘንበብክዎን ዝሰማዕክዎን መጸሓፍቲ ብጸሓፍቲ ህዝባዊ ግንባር እዩ ነይሩ። ናብ ወጻኢ ምስ ወጻእኩ ንብዙሓት ተጋደልቲን መራሕትን ጀብሃ ነበር ኣዘራሪበ፡ መጻሕፍቶም ከንብብ’ውን ዕድል ስለ ዝረኸብኩ ሚዛን ክሕዝ ሓጊዙኒ እዩ። ኩሉ ነናቱ ከጸብቕ ስለ ዝጽዕር “ዘረባ ክልተ ከይሰማዕካ ኣይትፍረድ” ዝበሃል ኣበሃህላ ኣሎ። ኣነ ድማ ንኽልቲኡ ክሰምዕ ዕድል ብምርካበይ ንጀብሃ ክሳብ ክንድኡ ዘይትረብሕ ምንባራ ዝገልጽ ኣመለካኽታይ ሚዛኑ ተዓርዩ እዩ። እቲ ኣብቲ ሜዳ ዝግበር ዝነበረ ቅያታት ጥራይ ዘይኮነ ዝተፈጸሙ ግፍዕታትን ሕድሕድ ምቅትታልን’ውን ኣካል እቲ ታሪኽ ብምዃኑ ብኸምዚ ናይ ዓምር መጽሓፍ ተጠሪዙ ክቕርብ ድማ ጽቡቕ እዩ።
እዛ መጽሓፍ ብፍላይ ነቶም ኣብ ወጻኢ ዝዓብዩ ዘለዉ ቆልዑ፡ ኣብ ሱሳታት ዝነበሩ ተጋደልትን ዝፍጸም ዝነበረ ፍጻመታት ሓፈሻዊ ኣምር ክረኽቡ ትሕግዝ እያ። ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝርከቡ ንብዙሓት ኣብቲ እዋን ዝነበሩ ተጋደልቲ ኣዘራሪቡ መጻሕፍቲ ገናጺሉ እዚ ታሪኻዊ መጽሓፍ ምቕራቡ ዓምር ክሙጎስ ይግብእ። ጸሓፊ ኣብ ገሊኡ ናብቲ ንሱ ዝደልዩ ምዝዛዉ ኣይተርፍን እዩ፡ ኣብዛ መጽሓፍ ከምኡ ነገር ክንረክብ እንተ ኸኣልናውን ክንግረም ኣይግባእን። ን ኣብነት ኣብ ቅትለት ጀነራል ተሾመ እርገቱ ቀንዲ ተዋሳኣይ ገብረህይወት ሕምብርቲ እዩ ዝብሉ ተጋደልቲ ኣለዉ። ኣብዚ መጽሓፍ ምስ ኡስታዝ ሳልሕ ጂምጃም ብመልክዕ ሕቶን መልስን ቀሪቡ ዘሎ ምስክርነት ግና ገብርሂወት ሕምብርቲ ኣብቲ ቦታ ከም ዘይነበረን ቀንዲ ቀታሊ ጀነራል ተሾመ እርገቱ፡ ዓሊ ኢብራሂም ኮይኑ ቐሪቡ ኣሎ። ከም ጸሓፋይ ናይቲ ካልእ ኣበሃህላ ኣብዚ ኣቕሪብዎ እንተ ዝኸውን ሚዛን ምሓለወ ነይሩ እብል።
ብዙሕ ቁም ነገርን ሓቅታት ዝሓዘት መጽሓፍ ጠቓሚ ትሕዝቶ ኣለዋ እሞ ንምንባብ ኣይንተሃከ። ምስ ጸሓፊ ዓምር ኣብዚ ቕሩብ እዋን ብዛዕባ መጽሓፉ ከነዕልል ኢና’ሞ ተጸበዩና።
በየነ ሰመረ
7 ሰነ 2025



