

ኣስመራ፡ 19 ጥሪ 2026: – በዓል ጥምቀት፡ ቅዱስ ፓትሪያርክ፡ ብጹኣን ሊቃነ ጳጳሳትን ጳጳሳትን፡ ሓለፍቲ ሃገረ ስብከት ኣስመራ፡ ሊቃውንቲ፡ ምምሕዳራት ሰበኻ ጉባኤታትን ተወከልቲ ኣድባራትን፡ ከምኡ’ውን ሰበ-ስልጣን መንግስቲ፡ ዲፕሎማሰኛታትን ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ምእመናንን ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ ሎሚ 19 ጥሪ ብልዑል ድምቀት ተኸቢሩ።
ብደረጃ ሃገር ኣብ ከተማ ኣስመራ – ባሕረ-ጥምቀት ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ብመሪሕነት 6ይ ፓትርያርክ ወርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ባስልዮስ ቀዳማዊን ብጹኣን ሊቃነ-ጳጳሳትን መኽፈቲ ጸሎተ-ቅዳሰ ምስ ተዋህበ፡ ውዳሴ ማርያም ተዓዲሉ፡ ጸሎት ስርዓተ ቅዳሴን ኪዳንን ከምኡ’ውን ጸሎት ወንጌል በጺሑ።

ብድሕሪ’ዚ፡ ብመሪሕነት በዓል ተራ ደብሪ ደብረ-ጸሓይ ኣቡነ ተክለሃይማኖት ሓዝሓዝ ምርሓት ምስ ተኻየደ፡ ኣብ ቤት-ጽሕፈት ፓትሪያርክ ሓላፊ ስብከተ ወንጌል መርጌታ ስምኦን በየነ፡ ንበዓል ጥምቀትን መንፈሳዊ ትርጒሙን ስነ-ምግባራዊ መልእኽቱን ዝምልከት ኣስተምህሮ ሂቦም።
“ሃይማኖታውያን በዓላትና – ሃገራዊ ክብሪ ዘለዎም መኽሰብና’ዮም” ዝበሉ መርጌታ ስምኦን፡ ቀንዲ ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ – ዜጋታት ብሃይማኖት ጽኑዓት ብስነ-ምግባር ድማ እሩማት ክዀኑ፣ ከምኡ’ውን ከም ዜጋታት ብስኒትን ፍቕሪን ክንነብር ከምዝዀነ ብምጥቃስ፡ “በዓላትና ብሓጐስን ደስታን ክነሕልፍ ዋጋ ተኸፊልዎ ስለዝዀነ፡ ዘልኣለማዊ ዝኽሪን ክብሪን ንሰማእታትና” ኢሎም።
ታቦታት ብድሮ ብለባስያን ካህናት፡ ዲያቆናት፡ መዘምራን፡ ተመሃሮ ሰንበትን ምእመናንን ተሰንዩ ከካብ ኣብያተ-መቕደሱ ኣብ ባሕረ-ጥምቀት ኣብ ዝተዳለወሉ ቦታ ምስ ቈመ፡ ሊቃውንቲ መምህራን ብሕብረት ኣሸብሺቦም፣ ተመሃሮ ቤት-ትምህርቲ ሰንበት’ውን ነቲ በዓል ዘንጸባርቕ መሰናድኦ ኣቕሪቦም።
ኣብ መወዳእታ፡ ምህለላ ምስ በጽሐን ብጹኣን ኣቦታት ማዕዳን ቡራኬን ምስ ሃቡን፡ ባሕረ ጥምቀት ብብጹእ ወ ቅዱስ ኣቡነ ባስልዮስ ብኣርባዕተ መኣዝን ተባሪኹ ምስ ተነጽገ፡ ታቦታት ከም’ቲ ዝመጾ – ብኽብሪ ተዓጂቡ ነናብ ደብሩ ተመሊሱ።
እቲ ን3 ሰዓታት ብዝተፈላለየ መሰናድኦታት ዝቐጸለ ስነ-ስርዓት፡ ብኤሪ-ቲቪን ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራን ብቐጥታ’ዩ ተፈንዩ።



