
Stalin Gebreselassie 03/31/2025
ምስ ‘ኣወል ስዒዳዊያን’ ክልተ ዓመት ፅቡቕ ርክብ መስሪተ ይራኸብ ነይረ ኢሉ ጌታቸው ረዳ እንትዛረብ ደገፍቱ ኣብ ማይ ከምዝኣተወት ኣንጭዋ ስቕ ኢሎም።
ብሄራዊያን ኢና በሃልቲ ውድባት’ውን ስቕ ኢለን። ደለይቲ ለውጢ ኢና በሃልቲ ትራፍ ምራፍ ቮድካ ሎቕመፅቲ እውን ፅቡቕ ገበርካ ጌቾ ኢሎምዎ።
ኣወል ስዒድ ካብ ኣስመራ ፃውዒት ገይሩ እንትበሃል ኡይ…ውጭውጭ ኢሎም ሞትን ውድቀትን ንኣወል ስዒዳዊያን ኢሎም ጨሪሖም። ጌቾ ግን ኣይሞትን ኣይወድቕን። መፀዋዕታ ድዩ ኣጀንዳ ዝኾን ወይስ ክልተ ዓመት ኣነ እየ ዝራኸብ ነይረ ኢሉ ዝነገረና እዩ ኣጀንዳ ዝኾን?
ቢዝነሱን መውስቦኡን ኣዳማ ፖለቲኩኡ መቐለ ዝገበረ ማሕተም ውድቡ ኣብ ኢዱ ሒዙ ዝዞር ጥቕመኛ ኣብ ትግራይ ብሽም ፖለቲካ ዝሽቅጠሉ ግዜ ኣይህሉን። ንሱ ትማሊ ነይሩ። ፖለቲካ ትግራይ ቦትኡ ትግራይ እዩ።
ፅንቃቕ ቮድካ ክትሰቲ ኢልካ (ንኡሽተይ ሕርጓቶ እውን) ወለድኻ ኣብ ዳስ ጠንጢኑዎም ዝሃደመ ክትድግፍ ኛር እናበልካ ካብምውዓል ዘሕዝን ነገር የለን።
ውድብ ብልፅግና መድሕነይ እዩ ኢሉ ካብ TDF ንኣብይ ይኣምን ምስዝብል ነውራም ከሓዲ ደጊም ግዜ እነጥፈኣሉ ኣይኸውንን።
ተረፍ መረፍ ቮድካ ሰቲዩ ኛር እውን ደጊም ኣይህሉን፤ ቮድካ ከቢሩ እዩ። ጌቾ ጉጅለ ድሕረት …ሰሊጥ ሑመራ…መሬት ይስረቅ ኣሎ…ወዘተ ኢሉ እንትልጥፍ ጥራሕ share ምግባር ኣይትሕመቑ።







