
Eritrea Hagerawi Tinsae
ምምጻእ ወዲ ወረደ እንታይ ሓድሽ ኲነት ኮን ይፈጥር? ብፍላይ ምስ ኤርትራ ዝህሉ ርክብን ዝምድናን? ኣቢ ብኢመይል ምምርጽ ዝብል እንታይ ኮይኑ ገዲፍዎ? ንምእንታይ ከ ኣምጺእዎ?
ዘይኣዛርብ ኣቢ ብኢመይል ምምራጽ ዝብል፡ ብዓሉ ዝዋንዮ፡ ብህዝቢ ዝተመረጸ’ዩ ኢሉ ዝሓሸ ስልጣን ንኽህልዎ ብምሕላን ኢዩ። ኢድን ጽልዋን ሕዋሓት ንምእላይ’ዩ። ክንደይ ካብ ህዝቢ ትግራይ’ዩ ኢመይል ዝጥቀም? ንእቲ ኢመይል መን ይምስርሖ፡ ብኸመይ ብኢመይል ዝመርጽ ትግራዋይ ምዃኑ ትፈልጦ? ዝከኣል ተኾይኑ፡ ኣብ ትግራይ ብቐጥታ ክመርጽ ዘይግበር? ብቖንዱ እቲ ስምምዕ ንእዚ የፍቅድ ድ’ዩ? ወዘተ ኢልካ ምሕታት ይከኣል’ዩ። እቲ ዒላማ ግን ንጹር’ዩ። ኢድ ሕዋሓት ምቑራጽን ንፖሎቲካ ትግራይ ኣብ ኢድካ ምእታውን’ዩ። ያዕ ያዕ ስለዝፈጠረን፡ ብትግራይ ብደረጃ ንዕቐትን ድፍረትን ስለተረኣየ፡ ኣይጠቐሳን እውን ኣህጢምዋ።
እቲ ኣገዳሲ፡ እዚ ምቅይያራት፡ ኪኖ ጌታቸው ኣእዳው ብዓል ጸድቃን እውን ስለዘልዕል፡ እቲ ዝጸነሐ፡ ምሕማድ ገለ ዶ የቐንስ ኢልካ ምሕሳብ ይከኣል’ዩ። ኣብ ትግራይ ዝተሓዋወሰ ኲነትን ምንቅስቃስን ኢዩ ጸኒሑ።
1. ምምጻእ ሓድሽ ወለዶን ምሕቛኑን 2. ምስ ዝጸነሐ መሪሕነት ወያነ ጽልኢ ዝነበሮም ከም ጻድቃን ንምፍራስን ወያነን ሕነ ንምፍዳይን ዘካይድዎ ኪኖ ጽገናዊ ለውጢ ዝኸደ ምንቅስቓስ፡
3. ኣቢ ንእቲ ንወያነ ዳግመ ምምዝጋብ ሓዊስካ፡ ናይ ሌጋስ ምድኻምን ፖሎቲካዊ ምቊጽጻርን ዘካይዶ ምንቅስቃስ 4. ብሓድሽ ወለዶን ክፋል ሊቕን፡ ድሕሪ ዝመጸ ናይ መኸተ ክፍተትን ምቅይያራትን፡ ምስኡ ዝመጸ ምሕቋን መሰረት ጌሩ ለውጢ ዝጠልብ መንእሰይን ወያነ ኣይኣሰጋግረናን ኢሉ ዘኣምንን 5. ናጽነት ትግራይ ኢሉ ዝሓስብ ሕጂ ድምጺ ኣልቦ ብምዃኑ ተስፋ ዝቖረጸ ንዂሉ ዘይቅበል፣ ብዓቢኡ ስምምዕ ፕሪቶርያ ናይ ምብርካኽ ስምምዕ ኢሉ ዘኣምን 6. ኣብ ትግራት ዘሎ ማሕበራዊ፡ ጸጥታዊ፡ ቊጠባውን ምምዝባላት ዝፈጥሮ ምሕቋን ዝጸነሐ ናይ ስልጣን ቊርቊስን ኩሉ ተደሚሩ ንእዚ ኲነት ፈጢሩ ጸኒሑ ኣሎ።
ንእዚ ኲነት መልክዕ ዘትሓዘን ንዘሎ ዝፈጠረን፡ እቲ ኣብ ስግኣትን ፍርሕን ተጸሚዱ ዝጸነሐ ብደብረጽዮን ዝምራሕ ጒጅለ፡ ድሕሪ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣቢ ዘጋጠሞ ብደሆን ምስ ኤርትራ ኣቢ ዝፈጠሮ ምትፍናን፡ ትብዓት ጌሩ ክንቀሳቐስን ንእቲ ሱር በተኻዊ ለውጢ ዝመስል ተቢዑ ደው ከብሎን ምስ ጀመረን’ዩ። ኣቢ ብዓሎም ይዋድኡ ይዳኸሙ ዝብል ስልቱ፡ ኣቐይርዎ። መግለጽን መፈራርሕን ክህብ ጀሚሩ። ኬነው ክኸይድ ግን ኣይከኣለን። ካልእ መልክዕ ዘትሕዝን ቀሊል ዘይምዃኑን ዝተረደኣ ይመስል። ክሳብ ዝኾነ ዝኸውን ካልእ ጸወታን ግዜ መዕደግን ዝደለየ ይመስል።
ንጌታቸ ምስ ብደብረጽዮን ዝምራሕ ሕዋሓት፡ ዘይኣዛርብ ህላወ ጻድቃን ናብ ረጽሚ ኣእቲዎ’ዩ። ንጻድቃን መራሕቲ ወያነ ዋላ እምነት ኣብ ርእሲኡ ተዘይነበሮም፡ ምስ ሕመኣ ዝነበሮ ርክብ ኣብ ግምት ኣእቲዮም ዝተቐበልዎ ይመስሉ። ስለዝኾነ፡ ንእቲ ዕድል ተጠቂሙ፡ ሱር በተኽ ለውጥን ኣእዳው ወያነ ንምቑራጽን ኣሕይሉ ሰሪሑ። ንጌታቸው ኣብ ቅድሚት ኣምጺኡ ምስ ጉጅለ ሕዋሓት ከም ዝፋጠጥ ጌርዎ። ንእታ ባይታ ናይ ምንቅስቓስን መጻወትን ክፈጥር ኸኣ ኽኢሉ። ጌታቸው ንእዚ ቀልጢፉ ኣይለለዮን።
ትግራይ ገና ኣብ መኸተ ስለዝጸነሐትን ስለዘላን፡ ዝያዳ ዘርብሓ፡ ነቓዓ ዓጽያ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ዝነበረ ሕብሪ’ዩ። እቲ ለውጢ ዋላ’ውን ተተኣመነሉ፡ ብኸም’ዚ ፍጥነት ኣይመድልየን። ለውጢ ናይ ብዓሉ ምሕቋንን ነቓዕን ይፈጥር’ዩ። ይዂን እምበር፡ እቲ ረጽሚ ኬዱ ዓሪጉ። ኣከባብያዊ ዝመስል መልክዕ እውን ሒዙ። ዝያዳ ንእቲ ፖሎቲካ እቲ ክልል ሓሚስዎ። ዕጥቓዊ ቃልሲ፡ ብረት ዘልዕል እውን ተራእዩ። ኬዱ፡
እታ ናይ መወዳእታ ጸወታ፡ ምቕያር ኣብ ታሕታዋይ ማሓውር ምምሕዳር፡ “እቲ ብምንቅስቓስ ማሕተም ምሕዳግን ምቕያርን ዝፈለጥ መጺኡ። ንእዚ ንምግባር ጻድቃን ጎስጉስ ምሁራን ብዝብል ኬድዎ። ይዂን እምበር፡ ክሳብ ታሕቲ ዝዝርጋሕ ዝጸነሖ መሓውር ጉጅለ ሕዋሓት፡ ብኣለም ዝምራሕ፡ ክሕልፎ ኣይከኣለን።
ንጉጅለ ደብረጽዮን፡ እቲ ብኣቢ ዝቐረበ ናይ ምፍርራሕ መግለጺ፡ ኣቢ ኣብ ኣምሓራ ዘለዎ ብደሆን ምስ ኤርትራ ዘኣተዎ ወጥርን ዝያዳ ፍርሑ ክቕንጥጠሉ ስለዘኸኣሎ፡ ተቢዑ ምንቅስቃሱ ጀሚሩ። ጌታቸው፡ ምስ ወዲ ወረደ እውን ኣብ ወጥሪ ስለዘኣተወ፡ ባይታ ስኢኑ። ጻድቃን ተሓሊሉ። ብደብረጽዮን ዝምራሕ እውን ኣብ መጀመርያ፡ ንወዲ ወረደ ክነቅፍ እውን ተጀመረ፡ ድሒሩ ግን ኣቢ እውን ክቕበሎ ይኽእል ኢዩ ዝብል እምነት ግዲ ኣሕዲሩ፡ ንጌታቸው ንምእላይ ከም ቀዳማይ ስልቲ ሒዙ። ወዲ ወረደ ዋላ ይዂን ቀይረልና ብዝብል ኬድዎ። ከም’ቲ ዝተበሃለ፡ ከም ስልቲ ወዲ ወረደ፡ ኣቢ ክቕበሎ ይኽእል’ዩ። ምስ ዝጸነሐ ኣከባብያዊ ዝመስል ፖሎቲካዊ ምንቅስቓስ ኣብ ትግራይ ካብ’ቲ ካልእ ምምጻእ፡ ዝያዳ ዝሓሸ ዘዝሕሎ ይኸውን’ዩ። ብክህቦ ዝጸነሐ መግለጺ እውን ማእከላይ መርገጺ ዘለዎ ስለዝመስል፡ ብኹሉ ተቐባልነት ክህልዎ ዝኽእል ይመስል። ስለዚ ዝሓሸ ምርጫ’ዩ።
ሕጂ ኣቢ ዝያዳ ብዓንቀጻት፡ ንእቲ ክፍጸም ዝደልዮ ንምርግጋጽ፡ ዝያዳ ካብ ኢድ ወያነ ዘውጽእ ዝመስልን ዝሓሸ ስልጣን ንእቲ ምምሕዳር ክልል ብዝህብ ዝመስልን፡ ሽሞት ዓዳሊ ኣቢ ዘስምዕ፡ ንእቲ ጽምብል መሰማምዕቱ ወያነ ዘይጸምበር፡ ዲፕሎማስያዊ ማሕበረሰብ ዓዲሙ ንሽሞት ወዲ ወረደ ሂቡ ኣሎ። ድልየቱ እውን ዝያዳ ኣነጺሩ ኣሎ። ተደራዳሪ ኣብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝኾነ ሕዋሓት፡ ብኹሎም ስሙ’ውን ኣይተልዓለን። ሕጂ እቲ ብደሆ፣
ኣቢ ሕጂ ኪኖ ፖሎቲካ ትግራይ፡ ሕዋሓት ምስ ኤርትራ ክህልዎ ዝኽእል ርክብ ንምብታኽ ዝያዳ ከገድሶ’ዩ። ወዲ ወረደ፡ ምስ ኤርትራ ዝህሉ ርክብ ዝድግፍ ኣይመስልን። ተኾይኑ፡ ዕድል ተተረኺቡ፡ ኣቢ ሰራዊቱ ናብ ትግራይ ከእቱ እቲ ዝደፈኣሉ ይመስል። ይዂን እምበር፡ ብመሪሕነት ወያነን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ምእታው ሰራዊት ኣቢ፡ ንምሓዞም እውን ከይከውን ብደረጃ ስግኣት ስለዝምልከትዎ ዝቕበልዎ ኣይመስሉን። ብውሕዱ ግን ምስ ኤርትራ ዝጸነሐ ናይ ርክብ ምንቅስቓስ ዝድስክል ይመስል። እዚ ምናልባት ንኣቢ ስግኣቱ ዝቕንሰሉ ይመስል። ተዘይውዕዩ፡ ምስ ዝጸነሐ ሃዋሁ፡ ዝያዳ ዝሓሸ ዕድል’ዩ። ብቖንዱ ምምሕዳር ወዲ ወረደ፡ ዝህቦ ሓድሽ ሽሞት፡ ዝወስዶም ምንቅስቓሳትን ዝነጥፎምን ንእቲ ኲነት መልክዕ ኣብ ምትሓዝ ናቱ ተራ ክህልዎ’ዩ። ወዲ ወረደ ግን ብሓለፍቲ ሕዋሓትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን፡ ኣብ ዝጸነሐ መርገጺኡ፡ ተቐባልነቱ፡ ጎዲሉ ጸኒሑ’ዩ።








