
ብልማኖ ኤውሮጳውያን ዘይተረኽበ ገምገም ባሕሪ
(1ይ ክፋል)
እዚ ጽሑፍ እዚ ኣብ መንጎ ሶማልን ኢትዮጵያን ከቢድ ውግእ እናተኻየደ፡ ወተሃደራዊ ስርዓት ደርግ ኢትዮጵያ፡ ሰውራ ኤርትራ ንምድምሳስ ብርቱዕ ወራር ኣብ ዝኸፈተሉ፡ ሰውራ ኤርትራ ናይ ሞትን ሕየትን ጥምጥም ኣብ ዘካይደሉ ግዜ ኣብ 1978 ዝተጻሕፈ እኳ እንተዀነ፡ ባሕሪ ንምውናን ካብ ዓሌታት ማእከል ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ዓሌታት ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዘቕነዐ ተጻብኦታት ሓድሽ ከም ዘይኰነን ምስ ዘለናዮ ግዜ ዝተኣሳሰረ ታሪኽ ከም ምዃኑን፡ ‘መንገዲ ባሕሪ በየን ኰን ይኸውን?’ ዝብል ብኑረዲን ፋራሕ ዝተዳለወ ጽሑፍ ፕሮፈሰር ስዒድ ሰመተር ሶማላዊ ጸሓፋይ ካብ ዘስፈሮ ትንተና ርዒሙ ቀሪቡ ኣሎ።
ሽግ ታሪኽ ወሊዕና መዛግብቲ ኣእምሮና እንድሕር ፈቲሽና ንቀርኒ ኣፍሪቃን ነዊሕ ገማግም ባሕርታቱን ንምቍጽጻር ዝተኻየዱ ተኸታታሊ ዕጥቃዊ ግጭታት ከም ዝነበሩ ንረክብ። ሓይልታት ግዳም በብተራ እናተመላለሱ ብሓይሊ ውግእ እናደምሰሱን ዝምታ እናኣካየዱን ንኣማኢት ዓመታት ንህዝቢ ኣብ ትሕቲ ምልኪ እናኣእተዉን ከም ዝጸንሑ ንርዳእ። ቀርኒ ኣፍሪቃ ዓበይቲ ሓይልታት ናይ ሓድሕዶም ሓይሊ ዝፈታተኑሉን ተዋስኦታት ዲፕሎማሲ ዘካይዱሉን ኣብ ዓንኬል ሰዓርን ተሳዓርን ዝጸማመዱሉን ዞባ ኰይኑ ጸኒሑ እዩ። ዑስማናዊ ሃጸይነት ቱርኪን፡ ሱልጣናዊ ስርዓት ከደዊ ግብጺን ብምስሌነታቶም ገይሮም መላእ ገማግም ባሕሪ ሶማልን ኤርትራን ክቈጻጸሩ ምጽነሖም ይዝከር። ስዒቦም ከኣ ፈረንሳ፡ ኢጣልያ፡ ብሪጣንያን ንሓጺር ግዜ ድማ ፖርቱጋልን ነዚ ከባቢ ክቈጻጸሩን ኣብ ዲፕሎማስያዊ ወጥርታት ክሰሓሓቡን እዚ ሽግ ታሪኽ የብርሃልና። ባና ዲፕሎማስያዊ ወጥርታትን ምስሕሓብን ኣብ ዝፈጠሮ ድነ ናይ ዝተኸወሉ ጽላሎት ብዓል ዮሃንስ፡ ምኒሊክን ሃይለስላሰን ከኣ ንዕዘብ። ብትሑት ድምጺ እናኣማትኡ ብህድኣት ኣብ ኣፍደገ ኣዳራሻት ነገስታት ኤውሮጳ ሕቱም ደብዳበታት ሒዞም ጠጠው-መጠው ክብሉ ይረኣዩ። ጠበንጃታት ካብዝን ካብትን እናኣረዩ ክእክቡ ድማ ይረኣዩ። ህድእ ንበል እሞ ሎሚ (1978) ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ካብቲ ናይ ቀደም ይፍለ ዶ? ኢልና ንሕተት። ብዕላማ ሓደ እዩ። ብቕዲ ግና ክፈላለይ ይኽእል። ዓውዲ ውግእ ብዘመናዊ ታንክታት ሰማያት ከኣ ብደሃያት ዘመናዊ ነፈርቲ ኲናት የንጐድጉድ ኣሎ። ሚልዮናት ህዝቢ ንዘለዋ ኢትዮጵያ ኣንጻር እታ ውሑድ ህዝቢ ዘለዋ ሶማል ንምውጋእ፡ ልዕለ ሓያል እትበሃል ሃገር ኣብ እትሕግዘሉ ግዜ ኢና ዘለና። ናብቲ ናይ ቀደም ምልስ ኢልና ድማ ንጠምት። ኣብ ሕምብርቲ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትርከብ “ሸዋ” እትበሃል ብንግስነት እትመሓደር፡ ወይ’ውን “ትግሬ” እትበሃል ካልእ ግዝኣት ምስተን ጐላጉለንን ገማግም ባሕረንን ዕጣን ዝተከሉ ጓህሪ ዝመልአ መበኰርያ ዝመስላ ሶማልን ኤርትራን እንታይ ዘራኽብ ኣለወን?
ነዚ ሕቶ መልሲ ክንረክብ ዝተሰነደ መዛግብቲ ታሪኽ ገናጺልና ንተዓዘብ። ሃጸያትን ነገስታት ኢትዮጵያን ካብቲ ዝተኸወሉሉ ድነ ታሪኽ ወጺኦም ባዕላቶም ክዛረቡ ይሓይሽ። ቅድሚ ሕጂ ‘ኢትዮጵያዊን ነብሪን ሕብሪ ቈርበቶም ነይቅይሩ’ ዝብል ምስላ ሰሚዕና ንኸውን። ኣብ ዝዀነ ናይ ዘበናት መድረኽ ከም ዓብላሊ ስትራተጂያዊ ራእይን ናይ ውሽጣዊ ጸገሞም መፍትሒ ዝመስሎም ዋንነት ገምገም ባሕሪ ንምርካብ ዘካይድዎ ጻዕሪን ንተዓዘብ።
ገማግም ቀይሕ ባሕርን ህንዳዊ ውቅያኖስን ኤውሮጳውያን ከይሓዝዎ እንከለዉ ነገስታት ኣቢሲኒያ ኣፍ ደገ ባሕሪ ክረኽቡ ሓገዝ ወጻእተኛታት ክሓቱ እንከለዉ ኣብ ታሪኽ ንዕዘብ። ባዕላቶም ናይ ወጻኢ ሓይልታት ደገፍ ክሓቱ እንከለዉ ኣብቲ ገምገም ዋንነት ከም ዘይብሎም ይምስክሩ። ናይ ቀይሕ ባሕሪ ወይ ናይ ህንዳዊ ውቅያኖስ ገምገም ብሓይሊ ምስ ሓዝኩም ንዓና ኣረክቡና ክብሉ ብተደጋጋሚ ኣብ ታሪኽ ንርኢ። መኳንንትን፡ ነገስታትን ሃጸያትን ኢትዮጵያ ዳርጋ ተመሳሳሊ ሜላን ዲፕሎማስያዊ ተንኰልን እናዘርግሑ ንኤውሮጳውያን ክሓባብሉ እንከለዉ ካብ መዛግብቲ ታሪኽ ንዕዘብ።
ካብ ገማግም ባሕሪ ርሒቐን ካብ ዝርከባ ቦታታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ‘ሸዋ’ እትበሃል ከም ቁመት መራሒኣ ብዓቐን ጸባብ ዝዀነት ብነገስታት እትመሓደር ግዝኣት ነይራ። ንጉስ ናይታ ግዝኣት ሓጺር ደኣ ይኹን እምበር ከም ብዝሒ ማያት ባሕሪ ብዙሕን ክዕገት ዘይከኣልን ዓቢ ዕላማታት ነይሩዎ። ሸዋ ንብዙሕ ኣማኢት ዓመታት ካብ ካልእ ቦታታት ተነጺላ ብእምባታት ኣብ ዝተኸበ ስፍራ ተደኲና ትርከብ። ኣብ ከባቢኣ ኸኣ ንሓድሕደን ብውግእ ዝሕመሳ መተሃላልኽቲ ንግስነታት ጎጃም፡ ጎንደርን ትግሬን ነበራ። መራሕቲ ናይዘን ንግስነታት፡ ብዝሒ ዘመናዊ ኣጽዋር ዝተዓጥቀን ደገፍ ሃገራት ኤውሮጳን ዘለዎ ንመቓናቕንቲ ዝስዕረሉ ድልዱል ሓይሊ ከም ዝዀነ ካብ ተሞኵሮ ዝተረድኡ ነገስታት እዮም ነይሮም። ንእግሪ መንገድና ደጊያት ካሳ ምራጭ (ዳሕራይ ሃጸይ ዮሃንስ 4ይ፡ ወተሃደራት እንግሊዝ ንሃጸይ ቴድሮስ ንኽቀትሉ መንገዲ ስለ ዝመርሐ) ካብ እንግሊዛውያን ብዝተቐበሎ ህያብ ዕጥቂ ሓያል ንግስነት ክምስርት ክኢሉ ነይሩ።
እንግሊዛውያን ናጻ ናይ ወደብ ኣገልግሎት ክህብዎ እውን ቃል ኣትዮምሉ ነይሮም። እወ፡ ድሕሪ ናይ ዘበናት ትጽቢት፡ ሸቐጥ እተእትወሉን እተውጽኣሉን ወደብ። ኣገዳስነትካ እተርእየሉ ወደብ። ኣበይ’ሞ ተረኽበ። ገማግም ባሕሪ ኣብ ትሕቲ ዋንነት ካልኦት ህዝብታት እዩ ቀጺሉ። ኣብ ትሕቲ ደቂ ዓዲ ወይ ከኣ ምስቶም ንኤርትራውያንን ሶማላውያንን ደናክልን ስዒሮም ዝተቘጻጸሩ ናይ ወጻኢ ሓይልታት እዩ ቀጺሉ።
ከም ጸሎት መቝጸርያ ዝደጋገም ልማኖ ባሕሪ
ነገስታትን ሃጸያትን ኣቢሲንያ ኣብ ገማግም ንምብጻሕ ሜላ ክቕይሩ፡ ብልሓት ክምህዙን ኣዘራርባኦምን ልማኖኦምን ክለዋውጡን መርገጻት ክቐያይሩን ዝገብርዎ ዝነበሩ ምፍላጥ ኣየጸግምን። ቱርክን ግብጽን ቀይሕ ባሕሪ ክሕዙ እንከለዉ፡ ናብ ነገስታት ኤውሮጳ ከይዶም ብምስምስ ክርስትና ምሕዝነት ክገብሩ ይረኣዩ። ገማግም ባሕርታት፡ ኤውሮጳውያን ክሕዝዎ እንከለዉ ድማ ሰረት ብዘይብሉ ናይ ሓሶት ታሪኽ ሰፊሕ ዋንነት ባሕሪ ከምዘለዎም ይእውጁ።
ንጉስ ሸዋ ድሒሩ እውን ናይቲ ብወራር ዝሓዞ ግዝኣታት ሃጸይ ዝነበረ ምኒሊክ ብረስናዊ ሕማም ሃተፍተፍ ከም ዝብል ኣብ ኣእምሮኡ ባዕሉ ዶባት ይስእል ነይሩ። ምኒሊክ ይኹን ዮሃንስ ሰራዊቶም ብኣጽዋር ድሕሪ ምዕጣቖም ዝተርፎም ዝነበረ ብቐንዱ ሃረር ዝብሉሉ ገማግም ባሕሪ ምውናን እዩ። ዕጥቂ ዘለዎ ኸኣ ገማግም ባሕሪ ብወራር ክሕዝ ይኽእል። ግዝኣት ናይ ምስፋሕ ዕድል ከኣ ይኽፈት ዝብል እምነት ነበሮም። ገማግም ባሕርታት ዝተቘጻጸሩ ኤውሮጳውያን ፈቒዶምሎም ወደባት ክጥቀሙ እንድሕር ክኢሎም እውን ጸቢብ ዕድል ናብ ገፊሕ ክቕየር ዘኽእል መቋመሪ እማመታት የዳልዉ ነይሮም። ብተኸታታሊ ዝነገሱ ዮሃንስን ምኒሊክን፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኤውሮጳውያን ሓይልታት ዝነበረ ናይ ሓድሕድ ፍልልያት ብምምዝማዝ፡ ሓለፋ ክህቦም ናብ ዝኽእል እናሻረዉ ናብ ገማግም ባሕሪ ናይ ምብጻሕ ትምኒት ይደፍኡሉ ነበሩ።
ምስ ዮሃንስን ምኒሊክን ብዛዕባ ገማግም ባሕርታት ዝዋገዩ ኤውሮጳውያን ሓይልታት ነቶም ካብ ወራራት ኣቢሲኒያ ኣባቲኾም ዘይፈልጡ ዕጥቂ ዘይብሎም ደቀባት ሶማል፡ ኤርትራውያንን ደናክልን ኣላዚቦም እውን ኣይፈልጡን። ናይ ትግሬ መስፍን ይኹን ንጉስ፡ ወይ ንጉስ ሸዋ፡ ንነፍሱ ሃጸይ ኢሉ ዝጽውዕ ወይ ሃይለስላሴ፡ ከም ጸሎት መቝጸርያ ዝደጋግምዎ ወይ ብዲፕሎማሲ ዝፍለጡሉ ናይ ልማኖ ቃል ‘ገምገም ባሕሪ’ እዩ። እዞም ዝዘከርናዮም ነገስታት ኣብ ዘዘበኖም ኣሎ ዝበሃል ንኤውሮጳውያን ክስሕብ ዝኽእል ናይ መቋመሪ እማመታቶም የቕርቡ ነይሮም። ሕልምታቶም ኣብ ንጹህ ጨዋም ሑጻ ገማግም ቀይሕ ባሕርን ህንዳዊ ውቅያኖስን ክፍታሕ ቀንዲ ዝጥቀሙሉ ምስምስ ሃይማኖት እዩ ነይሩ።
ካብ ዘለናዮ ዓመት ንድሕሪት ምልስ ኢልና እሞ ምኒሊክ ንጉስ ሸዋ 1878 ናብ ኤውሮጳውያን ዝጸሓፎ ደብዳበ ነንብቦ፡ “ዓደይ ካብ ዓድኹም ርሑቕ እዩ። ናብ ገምገም ባሕሪ፡ ናብ ዘይላዕ፡ ታጁራን ዓደንን ዘብጽሕ ዝነበረ መንገዲ ብኣስላም ተዓጽዩኒ ኣሎ። ሸቐጥ፡ ኣጽዋርን፡ መሳርሒ ሕርሻን ክኢላታትን ሰበኽቲ ወንጌልን ናብ ዓደይ ከይኣቱ ከልኪሎም ኣለዉ። ናይ ኤውሮጳ ስልጣነ፡ ትምህርትን ስነ ጥበብን ናብ ዓደይ ምእንቲ ክኣቱ እዚ መንገዲ ክኽፈት ድምጽኹም ኣልዕል ኣቢልኩም ሓግዙኒ” እዛ ደብዳበ እዚኣ ናብ መንግስታት ፈረንሳ፡ ኢጣልያ፡ ጀርመንን እንግሊዝን ዝተጻሕፈት እያ ነይራ። መንገዲ ዝዓጸውዎ ናይ ዘይላዕን ታጁራን ሙስሊም ኣይኰኑን ነይሮም። መላእ ገማግም ሶማል ሒዞም ዝነበሩ ግብጻውያን መጻብብ ባብ ኤል መንደብ፡ ሓፉን፡ ዘይላዕን በርበራን ኣብ ኦጋዴን እትርከብ ሃረር እውን ተቘጻጺሮም ነይሮም።
ምኒሊክ፡ ከምቲ ሽዑ ኣብ ትግሬ ንግስነት ኣዊጁ ዝነበረ መተሃላልኽቱ ዮሃንስ (ካሳ ምራጭ) ናብ ገምገም ባሕሪ ንምብጻሕ ሓገዝ ወጻእተኛታት እዩ ዝሓትት ዘሎ። ዛጊት ንግዚኡ ኣብቲ ገማግም ንዝነበራ ከተማታት ይብጸሓኒ ወይ ግዝኣተይ ክብል ኣይረአን። ምኒሊክ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዝነበራ ብርእሰን ዝመሓደራ ከተማታት ሞቓዲሾ፡ መርካ ወይ ብራቫ ዝበሃላ ከም ዘለዋ እውን ሰሚዑ ዝፈልጥ ኣይመስለንን። ምኒሊክ ነዘን ናይ ጥንቲ ዓበይቲ ናይ ንግዲ ማእከላት ዝነበራ ከተማታት ዘይኰነስ ንዘይላዕን ታጁራን ጥራይ እዩ ዝፈልጥ ነይሩ። ኣብዚ እዋን እዚ ዘይላዕ ኣብ ሶማሊላንድ ፡ ታጁራ ኸኣ ኣብ ጁቡቲ ዝርከባ ኰይነን፡ ናብ ሸዋ ወይ ማእከል ኣቢሲንያ ዝኣቱን ዝወጽእን ሸቐጥ በዘን ክልተ ወደባት ጥራይ እዩ ነይሩ። ምኒሊክ መንገዲ ክኽፈተሉ “ድምጽኹም ኣልዒልኩም ሓግዙኒ” ጥራይ እዩ ዝብል ዘሎ። ሙሴ ንባሕሪ ኤርትራ ከም ዝመቐሎ ኤውሮጳውያን ብድምጾም ጥራይ ከድምዑ ይኽእሉ እዮም ኢሉ ምኒሊክ ይኣምን። ኤውሮጳውያን ኣንጻር ግብጻውያን ውግእ ክኸፍቱ ኣይኰነን ዝደሊ ዘሎ፡ ኤውሮጳውያን ብውግእ እንድሕር ሒዞሞ ነቲ ወደብ ስለ ዝወስድዎ ድምጾም ኣልዒሎም መንገዲ ክኸፍቱሉ ጥራይ እዩ ዝጽውዕ ዘሎ።
ይቕጽል . . .






