
ውሳኔ ኮምሽን ዶብን፡ ሕቶ ዋንንነት ኣፍደገ ባሕርን፡ ገና መዕለቢ ዘይረኸቡ ግድላት ኮይኖም ይቕጽሉ ኣሎዉ። ንምንታይ
ዝስዕቡ ሓቅታት ንመልከት።
ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት፡ ካብ ናይ ቀረባ ጎረባብተን ሃገራት ኣፍ ደገ ባሕርን ወደባትን ናይ ምጥቃም መሰል
ከምዘለወን፡ ኣብ ዓለም-ለኻዊ ስምምዕ ተደንጊጉ ዝሓደረ እዩ። ይኹን እምበር እቲ መሰል ፍጹም ስለ ዘይኮነ፡ ኣብ ሞንጎ
ኣመሓላላፊት ሃገርን ተጠቃሚት ሃገርን ክልትኣዊ ዘተ ንጹር ውዕል ተኻይዱ፡ ብሰላማዊ መንገዲ ናይ ክልቲኡ ህዝብታት
ብዘርብሕ ክኸውን ይህልዎ ። ካብ’ዚ ሓሊፉ፡ ብዝሒ ህዝብን ወታሃደራዊ ሓይልን ስለዝወነንካ፡ ልኣላዊ ግዝኣት ጎረባብቲ
ሃገራት ብምጉባጥ፡ ናይ እንዳማትካ ኣፍደገ ባሕርን ወደብን፡ ጎቢጥካ ብሰላም ምንባር ዝከኣል ኣይኮነን። ናብ ኣፍ ደገ
ባሕሪ ስለዝቐረብካ፡ ወናኒ ክትከውን ዘብቅዕ ረቛሒ’ውን ኣይኮነን።
ኣቃውማ ሃገራት ኣፍሪቃ ምስ እንዕዘብ፡ ምስ ባዕዳዊ ወራር ኣውሮጳውያን ተታሓሒዙ ዝመጸ ጂኦግራፍያዊ ቀርጺ`ዩ።
ናይ’ተን ሃገራት ልኣላዊ ወሰን ክኸውን በቲ አብ ጀርመን Berlin Conference ኣውሮጳውያን ተራኺቦም ዝወሰንዎ
መስረት ዝገበረ ኮይኑ፡ ድሒሩ ብ1963 ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ምስ ተመስረተ ዝራዓሞን፡ ብዓለም ለኻዊ ተቐባልነት
ረኺቡ ዝሓደረን እዩ። ኣፍደገ ባሕሪ ዘይተዓደለት ሃገር፡ ኣብ ቀረባ ርሕቀት ዝተደኮነት እንተኾይና፡ ናይ ወጻእን ኣታውን
ንግዳዊ ምንቅስቓሳታን ናይ ወደብ ኣገልግሎትን፡ ብውሑድ ናይ ምድሪ መጓዓዝያ ወጻኢ ዝሽፈንን ስሉጥን ብምዃኑ፡
ኣዝዩ ጠቓሚ ይኸውን። ካብ’ዚ ሓሊፉ፡ ኣፍደገ ባሕርን ወደብን ናብ ምምናይ ዘምርሕ እንተኾይኑ ግን፡ ኣሉታዊ ሳዕቤኑ
ከቢድ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን።
ኢትዮጵያ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣፍ ደገ ባሕሪ ካብ ዘይብለን ሃገራት ሓንቲ እያ። ይኹን’ምበር ክሳብ ናይ ዶብ ጎንጺ(ጉንቦት
1998) ዝውላዕ፡ ጉቡእ ክፍሊት እናፈጸመት፡ ትግልገል ምንባራ ዝፍለጥ እዩ። ካብ ጽባሕ ኩናት ዶብ ድማ፡ እቲ ብመንገዲ
ጅቡቲ ትጥቀመሉ ዝነበረት፡ ናይ ወደብ ኣገልግሎት ብምቕጻሉ፡ መስርሕ ምዕባለኣ ኣይተኣጓጎለን።
ብሰነ 2018 ዓ.ም. መንግስቲ ኢህወደግ፡ ንተግባረ ውሳኔ ኮምሽን ዶብ፡ ብዘይ ቅድመ ኩነት ከም ዝቕበሎ አውጁ ከብቅዕ፡
ኣብ ባይታ ኣተገባብርኡ ግን 5 ነጥብታት ክዝተየለን ኣለዎ ብምባል ካብ ዘረጋገጸላ ጽባሕ፡ ሓደስቲ ፖሎቲካዊ ምዕባለታት
ክነስተውዕል ጀመርና።
ብወገን ርእሰ ፋሽስት ኢሳያስ ከኣ፡ ”ቅድሚ ዘተ፡ ውሳኔ ኮምሽን ዶብ ኣብ ባይታ ክትግበር ኣለዎ” ዝብል ን20 ዓመታት
ደረቕ ፖሊሲ ሒዙ ምንባሩ ንዝክሮ እዩ፡፡ ብሰንኪ’ዚ ንህዝብታትና ብኣይ ሰላም ኣይኩናት ኩነታት፡ ኣብ ጸቢብ ሓጹር
ደጒኑ ከሳቕዮም ከምዝጸንሐ ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ፡፡ ምስ ሓድሽ መራሒ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ”ዑሙር ፍቕሪ”
ኣብ ዝመስሪተሉ እዋን፡ ሒዙዎ ዝነበረ ፖሊሲ ኣዋዲቑ፡ ”ቀዳማይ ዕላማና ሰላምን ምርግጋእ ኢትዮጵያ ምርግጋጽ’ዩ፤ ጉዳይ
ምምልካት ዶብ እንህወኸሉ ኣይኮነን” ክብል ተኸታቲልናዮ ኢና።
በቲ ካልእ ወገን፡ መራሒ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንፈለማ፡ ናብ ኣስመራ ኣብ ዝገሸሉ እዋን፡ ‘ኣነን ወዲ ኣፎምን ተደሚርና
ማለት፡ ዓሰብ ንካፈል ማለት’ዩ፤ ካብ ሎሚ ንደሓር፡ ናይ ኤርትራ ወጻኢ ጉዳይ ምኒስቴር ኮይነ ክሰርሕ እየ፡’ ዝብል መደረ
ኣስሚዑና። ድሕሪኡ ዝነበሩ መገሻታትን በብእዋኑ ዝካየዱ ዝነበሩ፡ ምስጢራዊ ናይ ላዕለዎት መራሕቲ ርክባት፡ እንታይ
ከም ዝወለዱ ዝፍለጥ እዩ።
እቲ ንከባቢ ሰለስተ ዓመት ዝቐጸለ ዕሙር ዝምድና ላዕለዎት መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ሰራዊቶም ኣብ ናይ ሓባር
ዓውዲ ኩናት ተዋጊኡ። ሞይቱን ቆሲሉን እዩ። ናይ’ቶም ላዕለዎት መራሕቲ መንግስታት ዕላማ እንታይ ምዃኑ ደኣ
ንጹር ኣይነበረን’ምበር፡ ብደምን ኣዕጽምትን ዝግለጽ ጥቡቕ ምትእስሳር ዝገበሩ መሲሎም ነይሮም’ዮም።
ካብ’ዚ ክውንነት’ዚ ብምብጋስ፡ ኢትዮጵያ ናይ ኤርትራ ኣፍ-ደገ ባሕርን ወደብ ዓሰብን፡ ከም ልባ ክትጥቀመሉ ዘኽእላ
ጥጡሕ ኩነታት ተፈጢሩ ምንባሩ ዘጠራጥር ኣይነበረን። ኣብ ሞንጎ’ዞም ላዕለዎት መራሕቲ መንግስታት ተፈጢሩ ዝነበረ
“ስጡም” ዝምድና ኣስተውዒልካ፡ ኢትዮጵያ፡ ብቕቡል ዓለምለኻዊ ሕግታት ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ብነጻ፡ ኣፍ ደገ ባሕርን ወደብ
ዓሰብን ክትጥቀም ትኽእለሉ ኩነታት ነይሩ ምባል ይከኣል። ይኹን’ምበር፡ ብሸነኽ ኢትዮጵያ፡ ሓይሊ ባሕሪ ክውድብን
ከሰልጥንን’ምበር፡ ንወደብና ዓሰብ፡ እዚ ዝባሃል ኣገልግሎት ከይተጠቐመላ፡ ኩናት ትግራይ ብስምምዕ ፕሪቶርያ ደው ኢሉ።
በዚ ምኽንያት፡ ሰራዊት ፋሽስታዊ ስርዓት ኢሳያስ፡ ካብ ዞባታት፡ ማእከል፣ ምብራቕን ሰሜን ምዕራብን ትግራይ ስሒቡ
ክወጽእ እንከሎ ብዓይንና ተኸታቲልና ኢና። ይኹን’ምበር፡ ካብ ልኣላዊ ግዝኣት ኢትዮጵያ(መሬት ትግራይ) መሊኡ
ኣይወጸን እናተባሃለ ብተደጋጋሚ ክኽሰስ ጸኒሑን ኣሎን። ብፋሽስታዊ ስርዓት ኢሳያስ፡ ብተደጋጋሚ ክዋሃብ እንሰምዖ
መልሲ ድማ፡ “ኣብ’ቲ ብውሳኔ ክምሽን ዶብ፡ ዝተበየነልና ልኣላዊ መሬትና ኢና ዘለና” ዝብል እዩ። ብውጹእ ሓሶት፡ ዓይኒ
ህዝቢ ምሽፋን፡ ከም ኣመል ዝሓዞ ብምዃኑ’ምበር፡ ብዓይኒ ሓቂ፡ ክረአ እንከሎ፡ ማይ ዝቛጽር መልሲ ኣይኮነን። ምኽንያቱ፡
ክሳብ ለይቲ ሎሚ፡ እቲ ብኮምሽን ዶብ ኣብ ካርታ ዝተሓንጸጸ ብይን፡ ናብ መሬት ወሪዱ ሽኻል ኣይተተኸለሉን።
ስለዝኾነ’ውን፡ ብውሳነ ኮምሽን ዶብ መሰረት፡ ኣብ ባይታ ክምልከት ኣብ ክንዲ ምዕያይ፡ “ኣብ ልኣላዊ መሬትና ኢና
ዘለና” ዝብል መልሲ፡ ሓደጋ ኩናት ዝዕድም ምዃኑ ምስትውዓል የድሊ።
ከም ዝፍለጥ ውዕል ፕሮቶርያ፡ ኣብ’ቲ ዝተኻየደ ኣዕናዊ ኩናት ትግራይ፡ ንጡፋት ተሳተፍቲ ካብ ዝነበሩ፡ ዘይተሳተፉ
ኣሎዉ። ሓደ ካብኦም ርእሰ ፋሽስት ኢሳያስ እዩ። እዚ መራሒ’ዚ፡ ስምምዕ ፕሪቶርያ፡ ነቲ ዝሓንጸጾ ውጥን ዘበርዓነሉ
ገይሩ ስለዝረኣዮ፡ ኣብ ጽባሕ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት፡ ‘ተኾሊፍና’ ብምባል፡ ውሽጣዊ ምረቱ
ከምዝዶርጎሖ ኩሉ ዝፈልጦ እዩ።
ንላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ፣ መሓውራቱን ናይ ሚድያ ትካላቱን ምስ እንምልከት ድማ፡ ደግሲ ጎቦጣ ኣፍደገ ባሕርን
ወደብና ዓሰብን፡ ብዓውታ ክቃልሑ ጀሚሮም። እቲ ሕቶ፡ ብዓለም ለኻዊ ሕጊ ቅቡል ዝኾነ ናይ ተጠቃምነት ጉዳይ
ኣይኮነን። ብኣንጻሩ፡ ብሰላማዊ መንገዲ ይኹን ብሓይሊ፡ ዋንነት ኣፍደገ ባሕርን ወደብ ዓሰብን ናይ ምርግጋጽ ጥሙሕ
ምዃኑ ብተደጋጋምን ብዓውታን ክገልጹዎ ሰሚዕና ኢና። ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ’ውን ብሰፊሑ ክዋፈሩሉ
ጸኒሖም’ዮም። ከም ውጽኢቱ፡ ”ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ብዛዕባ ኣፍደገ ባሕርን ወደብን ኣልዒልካ ምዝታይ ዘየሰክፍ ዝኾነሉ ኩነታት
በጺሕና ኣሎና” ክብሉ’ውን ሰሚዕናዮ ኢና።
በዚ ምኽንያት፡ ካብ ቀረባ እዋናት ጀሚሩ፡ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም መንግስታት፡ ኩናት ከይባራዕ፡ ከቢድ ስግኣት ፈጢሩ
ጸኒሑ ኣሎ። ኣብ ሕድሕዶም፡ ከም ሕሱም ክዋቓቐሱ እናተኸታተልና መጺና ኣሎና። ማሕበረ ሰብ ዓለምን
መንግስታትን’ውን፡ በዚ ዝምዕብል ዘሎ ሓደገኛ ኩነታት ስግኣቶም ከካፍሉ ተራእዮም’ዮም።
መንግስታዊ ማሓውራት ፋሽስታዊ ስርዓት ኢሳያስ፡ ”ኢትዮጵያ፡ ብምስምስ ኣፍደገ ባሕርን ወደብን ኣብ ልዕሌና፡ ወራር
ክተካይድ ትዳሎ ኣላ” ብምባል፡ ብተደጋጋሚ ክኸስስ ጸኒሑን ኣሎ። ብኣንጻሩ ድማ፡ ንባዕሉ ካብ ኩሉ ሓራ ገይሩ ክገልጽ
ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ንነብሱ ከም ብጹእ ክዃሓሕል ንዕዘቦ ኣለና። ጥዕና ዝጎደሎ እዩ።
ኣብ’ዚ ሳልስቲ’ዚ መራሒ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ምስ ፓርላማ ሃገሩ ኣብ ዘካየዶ ርክብ፡ ብጉዳይ ዋንነት ኣፍደገ ባሕርን
ወደብን ኣልዒሉ ብሰፊሑ ዘርዚሩ እዩ። አብ መግለጺኡ፡ ካልኦት ንማርስ ንምውናን ላዕልን ታሕትን ኣብ ዝብሉሉ እዋን፡
ንሕና ኣብ ቀረባ ርሕቀት ኣፍደገ ባሕሪ እናሃለና፡ ቀይሕ መስመር ተሓንጺጹልና፡ ብዛዕባ’ዚ ኣይተልዕሉ ክንባሃል ኣይግባእን።
ጉዳይ ዋንነት ባሕሪ፡ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት፡ ብኹናት ክፍታሕ ኣይንርእን። ብሰላማዊ መንገዲ፡ ብሂብካ ናይ
ምቕባል መርሆ፡ መዕለቢ ክርከበሉ ከምዘለዎ ኢና ንኣምን። ናብ ኩናት ኣይንኣቱን፤ ግን ከኣ ንዝመጸና ክንምክት ዘብቅዓና፡
ኩሉ ዓይነት ምድላዋት ጌርና ኣለና ክብል ተኸታቲልና ኣሎና። ኣብ መግለጺኡ ሓደ ብኣወንታ ዝረአን ክዕቀብን ክምዕብልን
ዘለዎ፡ ”ሕቶና ብሰላማዊ መንገዲ ጥራሕ መዕለቢ ክረክብ ኢና ንደሊ” ትብልያ። ግን ከኣ፡ እሞ እዚኣ ብተግባር ትሰርሕዶ
ዝብል ሕቶ ዘልዕል መዳይ ግን ኣሎዋ።
ኣጸቢቕና እናረጋገጽናዮ ከምዝመጻና፡ ክልቲኦም መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ንፖሎቲካዊ ፍልልያት ይኹን፡
ድልየታቶም ብሓይሊ ናይ ምፍታሕ ሱር ዝሰደደ ኣመል ዘሎዎም ምዃኑ ግብራዊ ጉዕዞኦም ምስክር እዩ። በብሸነኾም
ሒዞሞ ካብ ዘለዉ ፖሊሲታት ብምብጋስ ድማ፡ ኩናት ዝዕድም ምዃኑ፡ መረጋገጺ ዝኾኑና ጭብጥታት ክነዘኻኽር።
ሓደ፦ ብወገን ፋሽስታዊ ስርዓት ኢሳያስ፦ ውሳኔ ኮምሽን ዶብ፡ ኣብ ባይታ ወሪዱ ኣብ ዘይተመልከተሉ እዋን፡ ”ኣብ
ልኣላዊ መሬትና ኢና ዘለና” ዝብል ተደጋጋሚ መግለጺ፡ ፈጺሙ ዘየረዳድእ፡ ኩናት ዝዕድም ምዃኑ እዩ። ምኽንያቱ
ፈጺሙ ሓቅነት ዘይብሉ ዓማጺ መርገጺ ብምዃኑ።
ክልተ፦ ብወገን ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ዋንነት ኣፍደገ ባሕርን ወደብን ክህልወና ኣለዎ ዝብል መርገጺ፡ ናብ
ዘተ ዘይዕድም ናብ ኩናት ክተምርሕ ዝድርኽ ምዃኑ እዩ። ምኽንያቱ፡ ኢትዮጵያ፡ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ኣፍደገ
ባሕርን ወደብ ኣልባ ልዑላዊት ሃገር ኮይና ተዶኲና ዝጸንሐት ሃገር እያ። ብዓለም ለኻዊ ስምምዕ፡ ተቐባልነት ዘለዎም
ዉዑላት መሰረት ብምግባር፡ ፍትሓዊ ተጠቃምነት ክተረጋግጽ ዝግባኣ’ምበር በዝሒ ህዝቢ ስለዘሎኒ ኣፍደገ ባሕሪ ይግባኣኒ
እዩ ብምባል፡ ሕቶ ዋንነት ኣፍደገ ባሕርን ውድብን ተልዕል እንተኾይና፡ ፈጺሙ ዘየረዳድእ፡ ኲናት ዝወልድ ፖሊሲ
ምዃኑ ክስመረሉ ይህልዎ።
በቲ ይኹን በቲ ብሓይሊ ድልየትካ ክትፍጽም ምድላይ ድማ፡ ናብ ኣዕናዊ ኲናት ዘምርሕን ህዝብታት ኣደዳ ህልቂት፡
ንብረትን ጥሪትን ድማ፡ ናብ ዝኸፍአ ዕንወት ዝዕድም’ምበር፡ ፈጺሙ ፍታሕ ክወልድ ተራእዩን ተሰሚዑን ኣይፈልጥን።
ኣብ ላዕሊ ከምዝጠቐስናዮ፡ ብዘይ ቅቡላት መርገጺታት፡ ናብ ኩናት ክኣትዉ ዝድርኾም ፖሊሲታት ዝሓቖፉ መንግስታት’ኳ
እንተኾኑ፡ ካብ ህዝባውን ዲፕሎማስያውን ተሓታትነት ንምህዳም፡ ዘይፍንቅሉዎ እምኒ ከምዘየልቦ፡ ተሞኩሮና ሕርሕራይ
ገይሩ ምሂሩና እዩ።
እዞም ሎሚ ኣብ ሕድሕዶም ዝናቖሩ፡ ናብ ኩናት ንምእታው ዝዳናደኑ ዘለዉ መንግስታት፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት፡
ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ፡ ናይ ጽንተት ኩናት ንምውላዕ፡ ኣብ ዝሸባሸቡሉ ዝነበሩ ይኹን፡ ዙርያ መላሽ ከቢቦም ንምጭፍላቑ
ኣብ ዝረባረቡሉ ዝነበሩ እዋን፡ ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮያን ይኹን፡ ንማሕበረ-ሰብ ዓለም ንምቕሻሽ ዝተኸተሉዎም
ስልቲታትን፡ ዘካየዱዎም ሰፋሕቲ ፖለቲካዊ ወፈራታት፡ ናይ ቀረባ እዋን ተዘክሮና እዩ።
ስለዚ በብናይ ባዕሎም ሕቡእ ኣጀንዳታት፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብታትና፡ ናብ ዝኸፍአ ህልቂት ዘምርሕ፡ ዘይዛሪ ኩናት ከይኣጎዱ
እንከሎዉ፡ ተቓውሞና ብዓውታን ብዘይምቁራጽን ክንገልጽ ይህልወና።
ጉዳይ ዶብ፡ ብስምምዕ ኣልጀርስ መሰረት ዝቖመ ኮምሽን ዶብ ዘማሓላለፎ ብይን መሰረት፡ ኣብ ባይታ ክምልከት፡ ጥጡሕ
ባይታ ክፈጥር፡ ኣብ ልዕሊ ርእሰ-ፋሽስታዊ ስርዓት ኢሳያስ፡ ድርኺትና ክሕይል ኣለዎ። በቲ ካልእ ወገን፡ መንግስቲ
ኢትዮጵያ፡ ናይ ጎረባብቱ ሃገራት ልኣላዊ ግዝኣት ኣኽቢሩ፡ ዓለምለኻዊ ተቐባልነት ዘለዎን ዉሑስን ናይ ኣፍደገ ባሕርን
ወደብን ኣገልግሎት ስምምዕ ንምብጻሕ፡ ብሕታዊ ቱኽረቱ ክገብር፡ ድርኺትና ክሕይል ይህልዎ።
ማሕበረ ሰብ ዓለም ብሓፈሻ፡ መራሕቲ መንግስታት ድማ ብፍላይ፡ ኣብ ከባቢና ዘላቒ ሰላም ዘስፍን ድርኺት ክዕርፉ፡
ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታትና ከነሐይል ይግባእ። መሊኡ ዘይተቐንጠጠ ሃዋሁው ኲናት ንምምካን፡ ንዘላቒ ሰላም ከባቢና
ብዘይምሕላል ንቃለስ።
ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን፡
ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ(ሰደግኤ)
24 መጋቢት 2025 ዓ.ም.






