October 11, 2026

ሓደ ዝወደቐ ህዝቢ፡ ጣዕመ ዜማን ጸሎትን’ዩ ዘዘውትር!

0
maxresdefault

Yonas Mastika ሓደ ዝወደቐ ህዝቢ፡ ዝጭበጥ ስኢኑ ብተስፋ ንኽነብር፡ ክኢላታት ዘየምትን፡ ክኢላታት ተዛረብትን ጽን ክብል እዩ ዝውዕል።

ሓደ ዝለዓለ መደናገሪ ሰብ ከኣ፡ ሕልናኡ ቀቲሉ ዝለዓለ ቅኑዕ ናይ ምምሳል ክእለት ኣማዕቢሉ ነቶም ብተስፋ ዝነብሩ ህዝቢ ከደናግር እዩ ማዓልታዊ ዝወፍር፡

ኣብታ ብኹሉ ጸጋታትን፡ ስልጣኔን ዝለዓለት ሃገረ ኣሜሪካ፡ ብኹሉ ዝወደቑ፡ ጸለምቲ ኣሜሪካውያን ተባሂሎም ዝፍለጡ ማሕበረ-ሰብ ውን ኣለዉዋ።

እዞም ማሕበራዊ ህይወቶም ዘወደቐ ህዝቢ ከኣ፡ ኣብ ኣብያተ እምነትን፡ ኣብያተ ምዝንጋዕን ተኣኪቦም፡ ጡዑም ቃላትን ጥዑም ዜማን ከስተማቕሩ እዮም ዝውዕሉ።

ኣብቲ ናይ ውድቀት ዘመኖም ዘማዕበልዎ ዓቕሚ ሰብ እንተሃልዩ ውን፡ ጻዓዱ ከምዝበደልዎም ብዘገርም ናይ ቃላት ክእለት ዝገልጹ ተዛረብትን፡ ጣዕመ ዜማ ዘውሕዙ ከየንትን ጥራይ እዮም።

እዞም ጸለምቲ ኣሜሪካ ተባሂሎም ዝፍለጡ ማሕበረ-ሰብ፡ ኣብ ኣብያተ እምነት ጸሎት ዝመርሕ ፓስተራትን ካህናትን፡ ኣብ ኣብያተ ሙዚቃን ጣዕመ ዜማ ዘውሕዙ ኣቐንቀንትን ሓሊፎም፡ ጠበቓ ኮይኑ ንመሰሎም ዝጣመቕ ናይ ሕጊ ክኢላን፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ኣትዩ ማዕርነቶም ከይዛባዕ ዝሕሉ ዳኛን ኣብ ምፍራይ ኣዝዮም ድኹማት እዮም።

ኩነታት ኤርትራውያን እንተሪኢና ውን፡ ካብ እዋን ገድሊ ክሳብ ሕጂ፡ ንኣስታት ሓደ ዘመን ኣብ ጥዑም ዘረባን፡ ጣዕመ ዜማን፡ ጸሎተ እምነትን፡ እናተመርኮሰ እዩ መጽዩ።

ሓደ ናይ ኤርትራውያን ስደት ኣጽኒዑ ማስተር ዝገበረ Boscacci ዝተባህለ ጣልያናዊ፡ ኣብ መጽናዕቱ ዘዋህለሎ ኩነታት ኤርትራውያን ክገልጽ ከሎ፡ ከምዚ ይብል፡

መንእሰያት ኤርትራ ኣዝዮም ኣብያተ እምነትን፡ ኣብያተ ትልሂትን ዝፈትዉ ኮይኖም፡ ካብ ዝጭበት ንላዕሊ ከኣ፡ ኣብ ተስፋ ስለዝነብሩ፡ ንዝተፈላለዩ ስኮሜሳን ካዚኖን ዝተጋለጹ እዮም። ክብል እዩ ጽሒፉ።

ኣብዚ እዋንዚ እንተሪኢና ከኣ፡ ዘየቋርጽ ብቕልጽምና ክንዕወት ኢና ዝብል ጥዑም ቃላት ዝስማዓሉ ኣኼባ፡

ቁዛመን ተስፋን ዝሓዘ ግጥምታትን ዜማታትን ዝስማዓሉ ናይ ትልሂት መድረኻት፡

ማዓልታዊ ዝጋባእ ኣብያተ እምነትን ጸሎትን፡

ኤርትራውያን ዝመልእዎ ናይ ኩዑሶ ስኮሜሳን ማሽናትን ምህላዉ፡

ነቲ ጣልያነዊ ምሁር ዝጸሓፎ መጽናዕታዊ ጽሑፍ፡ ዘንጸባርቕ ጥራይ ዘይኮነ ዘረጋግጽ ኮይኑ ኢኻ ትረኽቦ።

የግዳስ ዋላ ውሑዳት ይኹኑ እምበር ምትሕስሳብ ዘለዎ ትካላዊ ኣሰራርሓ ዝኽተል ፖለቲካውን ማሕበራውን ትካላት ክህልዉና ዝንቀሳቐሱ ውልቀሰባት ስለዘለዉና ግን፡ ጸገምና ዘርኢ ዘትረፈ ሕሱም ደርቂ ኮይኑ ክሓልፍ፡ ነቶም ጣዕመ ቃላት ዘውሕዙ መደናገርቲ ዘይኮነ፡ ነቶም ትካላውነ ዝኣምኑ ዉሑዳት ከነተባብዕን ክንድግፍን ይግባእ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

en_USEnglish