
Yosief Ghebrehiwet April 1, 2025 ህወሓት ምስ ዝኾነ ዘርብሓኒ ዝበሎ ሓይሊ ብስትራተጂ ወይ ድማ ብሜላ ክሰርሕ ማንም ዘይምንጥሎ መሰል ኣለዎ። ነቲ ዝውክሎን ንጥቕሙ ይሰርሕ ኣለኹ ዝብሎ ህዝቢ ዝጎድእ ምስ ዘይከውንን ድማ ቅቡል ይኸውን።
ናይ ታክቲክ ሜላን፡ ናይ ስትራተጂ መሰረታዊ ጸላእን
ናይ ታክቲክ ወይ ስልታዊ ሜላ መሓዛ ክኸውን ዝግባእ ወገን፣ መሰረታዊ ህላወኻ ዝኣምን ህላወ ህዝብኻ ዝቕበል ርእሰ ውሳነኻ’ውን ዘኽበር ኮይኑ፣ ግን ድማ ኣብ ፖለቲካዊ ኣረኣእያካ ዘይሰማማዕ በዓል ጠብንዣ ውድብ፣ ብታክቲክ ንካልእ ኣካል ንምድኻም ኣብ ዝተወሰነ እዋን ንዝተወሰነ ግዜ ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ።
ናይ ስትራተጂ ጸላኢ፣ ህላወኻ ዘይኣምን ርእሰ ውሳነኻ ዘይቅበል ነቲ መሰረትካ ዝኾነ ህዝቢ ዝተፈላለየ ኣስማት ሂቡ ክጸንት ዝሰርሕን ዝድግፍን ንፖለቲካዊ ኣረኣእያኻ ክህሉ ዘይደሊ ወገን ግን ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ግዜ ዝኾነ ይኹን ስም ሂብካ መሓዛ ክትገብሮ ኣይከኣልን። ኣብዚ ዓለም ውን ኣይተሰምዐን።
ሻዕብያ ብስትራተጂ ዝሃነጾ ሃገራውነትን ዝምርሓሉ ሞራልን ኣብ ምድምሳስ ትግራይ ዝተመስረተ ኮይኑ ብፖለቲካዊ ሕጽቦ ዝቕለስ መርዛም መተከል እዩ። እዚ መተከል እዚ ናይ መወዳእታ መዕረፊኡ ምድምሳስ ትግራይን ትግራዋይን’ዩ። እዚ ብዕላማ ጥራሕ ዘይኮነ ብተግባር ኣብ ውሽጢ ትግራይ ፈተነ ዝተገበረሉን ፍርቂ መንገዲ ዝተዓወተሉን እዩ። ስለ`ዚ ድማ ስትራትጂካዊ ወይ ዘይቅየር ጸላኢ ይግበሮ።
ብልጽግና፣ ዕሸልነት ኣስኪርዎ ኣብ መጻወድያ ሻዕብያ ዝኣተወን፣ ዘየለ መብጽዓ ተግባራዊ ክግበር ንህዝቢ ትግራይ ኣሕሊፉ ዝሃበን፣ ብረት ኣቕኒዑ’ውን ዝጨፍጨፈን ሓይሊ እዩ። ዕላምኡ ድማ ንሻዕብያ ተማእዛዚ ንምዃንን ዝተኣተወሉ ቃል ባሕሪ ንምርካብን ካብ ትግራይ ዝብገስ ሓያል ፖለቲካዊ ሓይሊ ስግኣት`ዩ ብምባል ስለ ዝኣመነን እዩ። ብስትራተጂ ዝተሃነጸሉ ሃገራውነት ዘይብሉን ናይ ርሑቕን ቀረባን ዕላምኡ ዘይፍለጥን ውዳበ እዩ። እዚ ሓይሊ’ዚ መሳርሒ ሻዕብያ ነይሩ እንበር ናይ ገዛእ ርእሱ ስትራተጂ ዝለበሰ ዕላማ ኣይነበሮን። ስለዚ ሕዝዎም ዘሎ ሃብቲ ሃገርን ትካላትን ተጠቂምካ መሳርሒ ክትገብሮ ይካኣል እዩ።
ትግራይ ክሊቲኦም ጸላእታ ብልጽግናን ሻዕብያን መዚና ክትወስዶ ዝግባእ ስትራተጂ እንታይ እዩ ተተባሂሉ ሓይላ ብምዕቃብ ኣብ ልዕሊ እቲ ብልጽግና ዝበሃል ናይ ዕሸላት ምትእክኻብ ጸቅጢ ምግባር መሬታ ምምላስ ህዝባ ምድሓን መንእሰይ ካብ ስደት ምዕጋት ጥራሕ እዩ። ብሓይሊ ወይ`ውን ዲፕሎማሲ። ኣብ ሓደ እዋን ውን ክልቲኡ።
ትግራይ ንብልጽግና ጸቕጢ ንምግባር ሓገዝ ሻዕብያ ትሓተሉ ምኽንያት የለን፣ ጥራሕ ዘይኮነ መስሓቕን ዓቕምን ብቕዓትን ህዝቢ ትግራይን ምኽሓድ እዩ።
ገለ ካድረታት ሰራዊት ትግራይ ንሻዕብያ ክኣልየልኩም ዲኹም ትደልዩ ዝብሉ ኣለዉ።
ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ስርዓት ንምእላይ ንዕላማና ዝሰማማዕ ስትራተጅን፣ ክብርታት ህዝብናን መሬትናን ዝቕበል ኣካይዳ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያን ትግራይን ክሳብ ዝተፈጥረ ናይ ማንም ሓገዝ ኣይንደልን። መንእሰይናን ህዝብናን ወዲብና፣ ቀታሊና ገጢምና ኣብ መዓልታት ከነውግዶ ንኽእል ቦኽባኽ ስርዓት ምዃኑ ኣጸቢቕና ንኣምን ኢና።
እቲ መሰረታዊ ሽግር ናይ ቃልስና ፍቅሪ ሻዕብያ ዘይወጻእሉ ውዳበ ትግራይን፣ ረብሓን ክብርታትን ህዝብና ዘራኽስ ውዳበ ኣዲስ ኣበባን ንቃልስና ዕንቅፋት ምዃኑ ጥራሕ እዩ። በዚ መሰረት ኢና መንእሰይ ትግራይን መንእሰይ ኤርትራን ናይ ስትራተጂ ቃልሲ ተኸቲሎም ብሓደን ኣብ ሓደን ክዓስሉ ንደሊ።
ዮሴፍ ገብረህይወት






