Badime: Awarded to EritreaEritrean Liberation Flag
ForumContactWebmaster
Problem reading Tigrinya? Install these fonts: GeezUnicode | GeezMahtemUnicode | GeezTypenet
ShabaitEPDPEPDFENSFEDPELFFarajetIslamic IslahAdulis-ArabicRubAnsabaCDRIEEDAAlenalki
ELF Reunion FBArkokobayGeregerSudanSomalia
AljazeeraEthiopiaYemen DjiboutiKenyaVOASudan News Agency

Adoulis| Alenalki | Alnahda |Alhiwar TV Channel قناة الحوار الفضائية. Asena | Asmara-online |Asmarino | Awna | Capitaleritrea | Dehai |Dekebat |EriPlatfrom |Gereger | Hidri | Jeberti | Madote | Meadna |Tesfanews |Togoruba| ER-UNDP |Zemen | Radio Erena  |Live EYSC Facebook | Ethsat.com |  RadioAserna | QieNit |KNONRadio Dallas |Voice of America -Tigrinya | Voice of Eritrea -DC | Voice of Eritrea-Halifax |People's Voice of Eritrea| meskerem |video archives| meskerem youtube

Past Postings? Visit Erigazette.org
 
 
   
 

15 ሽሕ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ናብ መዓስከር ስዱዳት ትግራይ ከምዘእተዎም IOM ገሊጹ

"ሕገ መንግስቲ ሃገርና ብርኡይ ተጣሒሱ፡ ኣብ ገዛእ ሃገርና ንብረትና ተወሪርና"፡ ግዳያት

መብዛሕተኦም ስደተኛታት መናእሰይ እዮምVOA...ጥቅምቲ 20, 2017 15 ሽሕ ኤርትራዊያን ስደተኛታት፣ ካብ ባሕቲ መጋቢት 2017 ጀሚሩ ኣብ ክልል ትግራይ ናብ ዝተኸፈታ መዕቆቢታት ከምዘግዐዘ ዓለም ለኸ ማሕበር ስደተኛታት ኣፍሊጡ።

እቲ ማሕበር ሎሚ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሕ/ሃን ተሓባቢሩ ነቶም ካብ ኤርትራ ዝሰገሩ ሓደሽቲ ስደተኛታት፣ ድሕሪ ሕክምናዊ መርመራ ምልጋስ ካብ እንዳባጉና ናብ ኣርባዕተ መዓስከራት ከምዘእተዎም ሓቢሩ።

ኣብዚ እዋንዚ IOM (ዓለም-ለኸ ማሕበር ስደተኛታት) መዓልታዊ ሚእቲ ሰባት ይቕበልን፣ ሎም ዘበን እቲ ኣዝዩ ዝጻዓቐ ዋሕዚ ኣጋጢሙዎ ከምዘሎን ሓላፊ ማሕበር ስደተኛታት ጨንፈር ሽረ ቓጣብ ኸሊድ ገሊጹ።

ብመሰረት ወግዓዊ ሪፖርታት ዓሚ 21,215 ኤርትራዊያን ስደተኛታት ናብ ኢትዮጵያ ሰጊሮም ኣለው። ሎም ዘበን ድማ ክሳብዚ ዘለናሉ ወርሒ፣ ልዕሊ 20 ሽሕ ኤርትራዊያን ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም ኣለው።

መብዛሕተኦም ስደተኛታት መናእሰይዮም። ብዓለም ለኸ ማሕበር ስደተኛታት ካብ ሞንጎ ዝጋዓዙ እቶም 46 ሚእታዊ ዕድሚኦም ካብ 18 ክሳብ 24 ዓመትዮም።

ናብ ኢትዮጵያ ንምስጋር ንመዓልታት ብእግሮም ከምዝተጓዓዙውን ይዛረቡ:: Read from Source

 
ካርታ ኢትዮጵያ BBC ኣብ ክልል ኦሮምያ ከባቢ ኢሉኣባቦራ፣ ብሰንኪ እቲ ካብ ሓሙስ ጀሚሩ ዝተልዓለ ዕግርግርን ህውከትን ዛጊድ ቁጽሮም ዘይተፈልጡ ተወለደቲ ብሄር ትግራይን ኣምሓራን ከምዝተቐተሉ ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ብፍላይ ኣብ ገጠራት ከባቢ በደሌ፡ ብዙሕ ንብረት ከምዝዓነወን ብፍላይ ድማ ናይ ተወለድቲ ትግራይን ኣምሓራን ሕርሻ ቡንን ስራሕቲ ንግዶምን ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝተቓፀለን እቶም ግዳያት ገሊፆም።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ድማ ህይወቶም ከድሕኑ ኣብ ፖሊስ ጣብያን ፎቓዶ ጫካን ተሓቢኦም ከምዘለዉ ቢቢሲ ብስልኪ ደዊሉ ዘዘራረቦም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ሓቢሮም።

ካብቶም ኣብ ፖሊስ ጣብያ ዝርከቡ ሓደ ሽሙ ክገልጽ ዘይደለየ ተወላዲ ትግራይ ግዳይ እቲ ሓደጋ "ሕገ መንግስቲ ሃገርና ብርኡይ ተጣሒሱ፡ ኣብ ገዛእ ሃገርና ንብረትና ተወሪርና" ብምባል፡ መጥቓዕቲ ይፍፀም ከምዘሎ ገሊፁ።

ኣብቲ ንሱ ዝርከበሉ ፖሊስ ጣብያ ጥራሕ ኣስታት ሓደ ሽሕ ሰብ ካብ ትማሊ ለይቲ ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ንጎሆ ተዓቑቡ ብፖሊስ ይሕሎ ከምዘሎን ሰበይቱን 3 ደቁን'ውን ኣብ ፍርሕን ጸበባን ከምዘለዉ ንቢቢሲ ኣረዲኡ።

Read More

ፖለቲካ ጎሲኻ ድኽመትካ ከተለሊ፡ ክትፍውስ፡ ውዳቤኻ ከተመዓራሪን ቁጠባዊ ዕብየት ከተውሕስን ኣጸጋሚዩ!
ሃብተ ገብረ (ችፖላ)

ፖለቲካ ጎሲኻ ድኽመትካ ከተለሊ፡ ክትፍውስ፡ ውዳቤኻ ከተመዓራሪን ቁጠባዊ ዕብየት ከተውሕስን ኣጸጋሚዩ!
ፕረሲደንት ሃገረ-ኤሪትራ ክቡር ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ብዕለት ጥቅምቲ 7 2017 ምስ ተሌቪጅን ኤሪትራ ዘካየዶ ቃለ
መጠይቕ ተኸታቲለዮ። ንዜቤታዊ ጕዳያት ኣመልኪቱ ዝሃቦ ሰፊሕ መግለጺ ኣቃልቦይ ሲሒቡ ቀንዩ። ንሎሚ ኣብኡ ዘተኮረ ገለ ካብ ትዕዝብታተይ ኸካፍለኩም መሪጸ።
ቀዳማይ ትዕዝብተይ፡ ፕረሲደንት ሃገረ-ኤሪትራ ክቡር ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ሊዒሉ ዝተጠቕሰ ቃለ-መጠይቑ ካብቲ ብዙሕ ቁም-ነገራቱ እታ ዚያዳ ኣቓልቦይ ሲሒባ ትዕዝብተይ ንኸካፍለኩም ዝደረኸትኒ እዛ ትስዕብያ። ንሳ ድማ፡ ብእዋኑ ድኽመትና ኸነለሊ፡ ክንፍውስን ምስ ግዜ ዝኸይድ ናይ ኣወዳድባ ምትዕርራያት ኸነተኣታቱ ኣይበቓዕናን ትብልያ። ክቡር ፕረሲደንት፡ ብእዋኑ ድኽመትና ኸነለሊ፡ ክንፍውስን ምስ ግዜ ዝኸይድ ናይ ኣወዳድባ ምትዕርራያት ኸነተኣታቱን ከም ዘይበቓዕና ሓቢሩ ኽነሱ፡ ዝርዝራዊ ሓቤሬታ ብዛዕባ ምኽንያት ወይ-ከኣ ምኽንያታት ናይ ዘይ-መብቂዒና ግን ኣይሃበን። ዝርዝራዊ ሓቤሬታ ኣይሃብ ድኣምበር፡ ቡቑዓት ዄና ዘይ-ምርካብና ምሕባሩ ክምጎስ፡ እቲ ዝለዓለ በዓል ስልጣን ብምዃኑን፡ ኣብ ሰዓቱ እቲ ድኽመት ብምኽሳቱን፡ መፍትሒ ኽርከበሉ ብዘይምኽኣሉን ድማ ኽውቀስ ይግባእ። ድኽመትና ኣብ ግዚኡ ፈቲሽና መድሃኒት ኸነለሊን ምስ ግዜ ዝኸይድ ናይ ኣወዳድባ ምትዕርራያት ኸነተኣታቱን፡ ዘይመኽኣሊና ምኽንያት ወይ ከኣ ምኽንያታት ድኣ እንታይዩ ንዝብል ሕቶ ዕቱብ መልሲ ኽርከቦ ግድንዩ። ብወገነይ፡ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ምኽንያትዩ ዝብሎ፡ ዓዳሚን ኣሳታፊን ፖለቲካዊ ሃዋህው ክንፈጥር ዘይምኽኣልናዩ። ዓዳምን ኣሳታፊን ፖለቲካዊ ሃዋህው ናይ ምፍጣር ሓላፍነትን ግዴታን ንኽቡር ፕረሲደንት ጥራይ ዝምልከት ዘይኮነ፡ ንኹልና ዜጋታት ዝምልከት ምንባሩን ምዃኑንውን በዚ ኣጋጣሚ ኸዘኻኽር እደሊ። ስለዝኾነ ድማ፡ ኹልና ብሓባር ክንውቀሰሉ ይግባእ። ኮይኑ ግን፡ እቲ ዚያዳ ኣገዳሲዩ ዝብሎ፡ መን ይነቐፈሉ ዘይኮነ፡ እንታይ ድኣ፡ ብኸምይ ኣብ እዋኑ ድኽመትና ነለሊ፡ ንፍውስን ምስ ግዜ ዝኸይድ ናይ ኣወዳድባ ምትዕርራያት ድማ ነተኣታቱን ንዝብሉ ሕቶታት ብቑዕ መልሲ ምርካብዩ

Read More  pdf

  ሕርይራ ጋንታ ተቓውሞ
ኣብ ጀርመን ክትምረቕ?

ብመድረኽ ብሕርያ ዝተጠፍጠፈት ትበሃል ዘላ..
________

ኣብ ከባቢ ፈጻሚት መድረኽ ብዛዕባ ምሕንጻጽ ዶብ እንታይ ዘሰንብድ ኣልጋሲ መርገጻት ይዝረብ ኣሎ?

መስፍን ሓጎስ፡ ኣድሓኖም ገብረማርያም፡ ተስፋሚካኤል ዮውሃስ፡ መሓመድ ብርሃን ብላታ፡ ሕሩይ ተድላ ባይሩ፡ እድሪስ ሑመድ፡..  ኤፍረም ታፈረ፡ ..ወዘተ ዝርከቡዋ ሕርይራ ጋንታ ተቓውሞ ኣብ ጀርመን ክትምረቕ?። (መኣረምታ ወይ መወሰኽታ መርሐባ)

ሕሹኽ መባህልቲ ወያነ ነጸረኣብ አስመላሽ ኣብ ቶጎርባ ዘለጠፎ ጽሑፍ ከም ዝሓበሮ፡ ወያነን ሻዕብያን ይራኸቡ ኣለዉ ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ ግዜ፡ ወያነ፡ ከደ-ከደ ኣብ ዝባሃለሉ ዘሎ ወቕቲ፡ ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ ቀዳመ-ሰንበት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሰሚናር ባይቶ፡ ኣብ ጀርመን ከኣ ኮንፈረንስ መድረኽ ክካየድ ምዃኑ ክሕበር ቀንዩ ኣሎ።


ኣብ
ኢትዮጵያ ዝከየድ ሰሚናር፡ 15 + 6 ዝፍለጣ ውዳባት፡ ብሓያል ጸቕጢ ወያነ ብሰሚናር ኣቢለን ናብ 2 ጉባኤ ክኣትዋ ትጽቢት ዝገበረለን ዘሎ ኰይነን፡ እንትርፎ ዘይምስምማዕ፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን እንትርፎ ካብቲ ዝሓለፈ፡ ንህግደፍ ካብ ሰሩ ክንምሕዎ ሃጠውቀጠው፡ ሓዲስ ነገር ሒዞም  ክወጹ ትጽቢት ዘሎ ኣይመስልን። ምናልባት እውን ከይተሰማምዑ ይወጹ እሞ፡ እተን 15 ውድባት ባልጃኤን ጠርኒፍን ስለ ዘለዋ፡ ከም ኣበሃህላ በሺር ይስሓቕ፡ እንተ ናብ  ሽመልባ እንተ ናብ ሱዳን የምርሓ ይኾና።
 

ኣብ ጀርመን፡ ብሓልዮትን ምወላን መድረኽ ዝካየድ ኮንፈረንስ፡ 9 ውድባት/ሰልፍታትን 11 ሲቪክ ማሕበራትን ዝሳተፈ ኰይነን፡እቲ መድረኽ ኣብዚ ሓጺር ግዜ ዝጠፍጠፍዎ፡ ማዕረ 20 ዝበጽሑ ልልዩት መራሕትን ውልቀሰባትን ዘለውዎ ናይ መድረኽ ናይ ቦርድ ዳይረክተራት ዝምረቑሉ ኣኸባ እዩ ክኸውን። ኣስማት ናይቶም ሓደስቲ ሹመኛታት ንመርካብ ብዙሕ ጻዕሪ' እንተ ኣከያድና ብጀካ እዞም ዝስዕቡ ዛጊት ዝተፈልጥ የለን።
 

ዛጊት አብታ መድረኽ ብሕርያ ዝጠፍጠፍዋ ናይ መድረኸ ናይ ዳይረክተራት ቦረድ  (Board of Directors) ከም ዳይረክተራት ዝተሸየሙ፡ እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም። መስፍን ሓጎስ፡ ኣድሓኖም ገብረማርያም፡ ተስፋሚካኤል ዮውሃንስ፡ መሓመድ ብረሃን ብላታ፡ ሕሩይ ተድላ ባይሩ፡ ኣድሪስ ሑመድ፡..  ..፡ ..ወዘተ እዮም። (መኣረምታ መርሐባ)

መድረኽ ነቶም ኣብዚ ቦረድ ዝሸምዎም በየናይ መዓቀንን መሰፈርን ከም ዝሸምዎም ዝተፈልጠ እኻ እንተዘይሃለወ፡ ናህና ክራተርያ (Criteria) ኣለና ዝበል እዩ መስከረም መልሲ ረኺቡ ዘሎ።
 

ብተመን ዝሰምበደ ብልሕጺ ተዳህል ከም ዝበሃል፡ ኣብዚ ቀረባ ጊዜ፡ ነቲ ኮንፈረንስ ኣመልኪቱ ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ: ንቡዙሓት ዘሰንበደ ይመስል፡፡ እቲ ጋዘጣዊ መግለጺ፡  እቲ ናይ ጀርመን ኮንፈረንሰ ምስቲ ኣብ ትሕቲ ወያነ፤ ኣብቲ ትሕቲ ምሕደራ ጀነራል መስፍን ኣማረ ዝከየድ ናይ ኣዲስ ኣበባ ሰሚናር ተማላላኢ እዩ ስለ ዝበለ እዩ፡ ኣይበልናኩምንዶ፡ እዚኦም እኮ ካብ ህዋ ወያነ ኣይወጹን እዮም ዝበሉ ኣይተሳእኑን። ብተወሳኺ፡ ሓደ-ክልተ ኣባላት ፈጻሚት መድረኽ፡ ዶብ ዘይተሓንጸጸ ብሰነኪ ህግደፍ እምበር ወያነስ ሕራይ ኢሎም ነይሮም እዮም ዝብል ዘረባታት ስለ ዝሰምዑ ከቢድ ስክፍታ ኣሕዲሩ'ሎ ።

እሞ እዚ ናይ ጀርመን ኰንፈረንስ ድልድል ኣብ መንጎ ካብ ወያነ ዝሕንግዳ ዘለዋን ብወያነ ዝምወላ ዘለዋ
ከይኑ ወያነዊ ኣቕጣጫ ንምትሓዝዶ ወይስ ካብ ወያነ ናጻ ዝኾነ ሃገራዊ ተቓውሞ ንምዕኳኽ?          

መልስታት ንፐረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ብጉዳይ ናይ ከትሪ ባንክታት


መኸተ ኣንጻር ናይ ከተሪ ባንከታት?

(ከቢድ ብድሆ ንደግፍቲ መንግሰቲ?

ፕረዚደንት ኢስያስ ኣፈወርቂ: ኣብ ስደት ንእንርከብ፡ ከምዚ ዝስዕብ ሓያል ክሲ ኣቕሪቡለና።
"ካብ ደገ በዘን ናይ ከትሪ ባንክታት ኣቢሎም ናብ ቤተሰብ ገንዘብ ዝሰዱ ዘለዉ፡ ዘይሮም-ዘይሮም ንሓይሊ ዕድጊ ናቕፋ ይቐትልዎ ከም ዘለዉ ክፈልጡ ክኽእሉ ኣለዎም።"
ንኩላትና ዝመልከት እኳ እንተኾነ፡ እቶም ንብረት ኣብ ሃገር ዘልዎም እሞ ገንዘብ ብ10 ሽሐት ዶላር/ኢሮ/ዲናር ዝልእኩ ይምልከት። እሞ ክተት ኣንጻር ናይ ከተሪ ባንከታተ ዝብል ጭርሖን ወፈራን ክካይዱ ምተግበኣዶ? ንሐና ኽኣ ነተን ቁንጣሮ ኣይምሓምቐናን።

እተን ናይ ከትሪ ባንክታት ዝበሃላኸ ዋንኤን መንዩ?

ቀልታ ኪዳነ 20/10/2017  

ምቸም መስከረም ዘይዛረቦን ጤል ዘይትበልዖን የልቦን እንድዩ ደገፍቲ መንግስቲ ዝዀኑ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ደቂ ሃገር ገንዘቦም ብኣሽሓት ንሃገር ዘእትዉዎ ብመንገዲ እተን ናይ ከትሪ ባንክታት ዝበሃላ ምዃኑ ተገሊጹ። ብጣዕሚ ከኣ ገሪሙኒ። ምኽንያቱ እተን ናይ ከትሪ ባንክታት ዝብሃላ ዘለዋ ትሓቢኤን ዘይኮናስ ገዝኤን ከፊተን ብቕትሪ ሰብ እናርኣየንን እናትዓዘበንን ዝኸትራ ዋንነተን ናይ መንግስቲ 09 ምዃነን ስለ ዝፈልጥ። እሞ ኣነ ብዓሻይ ነዚ ዝፈልጦስ መስከረም ኣይፈልጦንዩ ዝብል እምነት የብለይን። ንምዃኑኸ ኣብ ኤርትራ ባንክ መስሪቱ ክሰርሕ ዝኽእል ትካል ወይ ነጋዳይሲ ይትረፍ ገንዘቡ ኣብ ባንክ ኣቐሚጡ ከም ድላዩ ከንቀሳቕስ ዝኽእል ነጋዳይ ኮነ ሰራሕተኛስ ኣሎ ድዩ? መንግስቲ ሓደ ናይ ሕጊ ዝብሃል እቲ ካልእ ከኣ ምስ ህዝቡ ኣብ ከትሪ ዝተዋፈረ  ክልተ ዓይነት ባንክታት ከም ዘለዉዎ ዘይፈልጥከ ኣሎና ድዩ? ሎሚኸ መንግስቲ ንዝእሰር ኣሲሩ ንዝጠፍእ ኣጥፊኡ ነቲ ናይ ከትሪ ስራሕ ንበይኑ ወኒኑዎ ወይ ብሒቱዎ ምህላዉ ሕቡእ ድዩ?
Read more

ክቡር ፕረዚደንት፡ ሸርፊ ባጤራ ንምርግጋእ፡ ዝርቈት ርእሰ ማል ናይ ምውጋድን ንግዲ ኮንትሮባንድ ናይ ምቁጽጻርን ስርሓት ክካየድ ጸኒሑ ኣሎ። ብዘይካዚ፡ ዘይሕጋዊ ድለላን ምውቕቓዕን ንምቁጽጻርን ዕዳጋ ንምርግጋእን እንታይ ይግበር ኣሎ?
 

እቲ ኣርእስቲ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ከም ጉዳይ፡ ኣብ ውሽጢ ዕብየት ናይቲ ቁጠባ፡ ዝሓለፈ ዓመታት ዝሰገርናዮ መስገደላትን ዘጋጥሙና ዘለዉ ብድሆታትን ብግምት ክትዛረበሎም ኣጸጋሚ እዩ። ብኣሃዛት ክትዛረበሎም ከለኻ ዝበለጸ እዩ። ኣብዚ መወዳእታ እዋን፡ እቲ ናይ ደገ ምስንኻላት ወይ ሸርሕታት እንብሎ እናበዝሐ ስለ ዝኸደ፡ እቲ ሒዝናዮ ንኸይድ ዝነበርና ክፉት ፖሊስታት ናቱ ሳዕቤናት ነይርዎ። ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ፡ በብዓቕሙ ክርደኦ ዘለዎ፡ እቲ ብናቕፋ እትወስዶ መሃያ እንታይ ክትገዝኣሉ ትኽእል? ዝብል እዩ። ደሞዝ ኣይተቐየረን። ንዓሰርተ ወይ ዕስራ ዓመት ወይ እውን ልዕሊኡ ይኸውን ደሞዝ ኣብ ቦታኡ እዩ ዘሎ። ካብ ሕብስቲ ጀሚርካ ዝዀነ ንሂወት ዘድልየካ መሰረታዊ ነገር ክትገዝእ፡ ኣብ ኢድካ ናይ ዘሎ ናቕፋ ናይ ምዕዳግ ሓይሊ እዩ ዝውስኖ። ብዙሕ ግዜ፡ ኣብ ነንበይኖም ኣጋጣሚታት ጠቒሰዮ ኣለኹ።

Read More

ምሕደራ ባጤራ ናቕፋን ማሕበረ-ቁጠባዊ ስምብራቱን

መቸስ፡ ባጤራ እንታይ ኢዩ ኢለ እንተዝሓተኩም፡ ምስራኣናዮ ንፈልጦ፡ ኣርእናሞ ክንነግረካ ከምትብሉን ኣይጠራጠርን
ኢየ። ባጤራ ዳኣ፡ እዚ ናቕፋ፣ ዶላር፣ ዩሮ፤ የን፣ ቅርሺ፣ ሪያል፣ ዲናር፣ ፐሶ፣ ራንዲ፣ ፓውንድ ኢስተርሊንግ፣ ክሮና፣ ወ.ዘ.ተ.
ዝባሃል ወረቐት ወይውን ሓጻውን ዶ ኸ ኣይኮነንውን ትብሉ ትኾኑ። እወ፡ ኣይተጋገኹምን፡ እዚኦም ኩሎም ኣስማት ናይ
ዝተፈላለያ ሃገራት ባጤራታት ኢዮም። ባጤራ ግን እቲ ወረቐት ወይውን ሓጻውን ዘይኮነስ፡ እቲ ብድሕሪኦም ዘሎ ሳይንሳዊሓሳብ/ጥበብ ኢዩ። ወዲ-ሰብ ንኣሻሓት ዓመታት ክጥቀመሉ ዝጸንሐን ዘሎን ጥበብ ኮይኑ፡ ኣብ ታሪኽ ወዲ-ሰብ እቲ ዝበልጸሳይንሳዊ ምህዞ (the greatest invention ever) ኢዩ እንዳተባህለ ኢዩ ዝግለጽ። ኣብዚ ነዊሕ ታሪኻዊ ጉዕዞ፡ ዓይነት
ናይቶም
ከም ባጤራ ዘገልግሉ ነገራት ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እንዳተለወጡ መጺኦም፡ ሕጂ ናይ ነገራዊ-ዘይኮነ ባጤራ ወይውን
ኤለክትሮኒካዊ ባጤራ ምጥቃም ተበጺሑ ኣሎ። እቲ ብድሕሪ ባጤራ ዘሎ መሰረታዊ ሳይንሳዊ ሓሳብ/ጥበብ ግን
ኣይተለወጠን።

Read More
ሎሚ ውን ይድገም ኣሎ (ብ በርሀ በራኺ) 15-10-17

ዝኸበርኩም ኣንበብቲ እዛ ሎሚ ውን ይድገም ኣሎ እትብል ኣርእስቲ ጽሑፍቶይ እንታይ ንምግላጽየ፥ ወያነ ካብ ጽባሕ ናጽነት ጀሚሮምዮም ብቁጠባ ንምሕናቕና ክጻብኡና ጀሚሮም። መንግስቲ ኤርትራ ገዚፍ ባጀት ሰሊዑ ንሰራዊት ናይ መጣየሲ፥ ንስድራ ስዉኣት ድማ ናይ ደበስ ገንዘብ ክኸፍል ምስ ጀመረ፥ ወያነ ድማ ሃሱሳት ሰባት ኣዋፊሩ ገንዘብኩም ኣብ ባንኪ ኣይተቐምጡ ድሓር መንግስቲ ኣይህበኩምንዩ እንዳ በሉ ፕሮፓጋንዳዊ ወረ ክነዝሑ ጀሚሮም። ጽንሕ ኢሉ ድማ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ኣብ ትግራይ ገንዘብ ከተቐምጥ ከለኻ ክሳብ 12% ከብጽሖ ጀሚሩ። እቶም ሃሱሳት ደላሎ ድማ ገዛገዛ እንዳዞሩን ኣብ ፍቕዳ እንዳ መስተን ዕዳጋን ርኢኹም ዶ ኣብ ባንክታት ኤርትራ ካብ ዘቐመጥካዮ ገንዘብ ዝተሓተ ውለድ ትረክብ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ባንኪ እንተ ኣቐሚጥኩም ግን ክሳብ 12% ልዕሊኡን ትረኽቡ እንዳበሉ ንህዝቢ ኣታሊሎም ህዝቢ ድማ በዚ ተታሊሉ ብመንገዲ ናይዞም ደላሎ ኣቢሉ ገንዘቡ ገለ ናይ መጣየሲ ገለ ድማ ናይ ደበስ ዝረኸብዎ ንኢትዮጵያ ኣስጊሮሞ።

Read More
ወያነ ፋልሶ ሚልዮናት ባጤራ ናቕፋ ሓቲሙ ክዝርግሕ ጀሚሩ
ሰራውር ናይ ሓበሬታን መጽናዕትን ማእከል,

ቁጠባ ኤርትራ ሓደ ካብቶም ቀንዲ ታርጌታት ናይ ወያነ ምስ ሓገዝቱ ኮይኑ ጸኒሑ ኣሎ ንነዊሕ ግዜ። ሓደ ካብቶም ዝተፈላለዩ መንገድታት ብግሁዱን ዘይግሁድን ዘጠቃለለ መጥቃዕትታት  ኣብ ልዕሊ ባጤራ ናቕፋ እዩ። ከም ዝዝከር ኣብ ዝሓለፋ ዓመታት ወያነ ፋልሶ ናቕፋ ብምሕታም ክብሪ ባጤራ ናቕፋ ንምጅላሕን ናይ ወጻኢ ባጤራ ናብ ኤርትራ ከምዘይኣቱ ንምግባርን ኩሉ ዝካኣሎ ጌሩ። እዚ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝወሰዶ ስጉምቲ፣ መጠን ክብሪ ናቕፋ ናብ ሓቀኛ ቦቱኡ ተመሊሱ።

ጭብጣዊ ሓበሬታ ከም ዘረጋግጾ፣ ሕጂ'ውን ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዙ ወያነ ብዓሰርተታት ሚልዮናት ናቕፋ ብምሕታም ብኹሉ ዶባት  ኢርትራ ብምጽዓኛታትን ብሰኸም ናይ ስባት ጌሩ ናብ ውሽጢ ሃገርና ከስልኾ ጀሚሩ ኣሎ እቲ ዝብዝሓ ክፋል ናይቲ ገንዘብ ግን ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ እዩ ዘሎ።

ኣብዚ እከይ ስራሕ ዝተሓባበሩን ዝሳተፉን ኢዶም ዝሓወሱን ኤርትራውያን ዜጋታት  ከምዘለዉ
Read More
dr Preview of Future Eritrea..
those who are taking and carrying the torch
 

Dr. Ascalu and Dr. Jemila are an exemplary friends who met in Sawa. Coming from different places of Eritrea, once they met to attend their 12th grade and do National Service in Sawa, they established a strong friendship. After they had left Sawa, they studied in the Eritrean Institute of Technology for a year. Then they joined the Orotta School of Medicine in 2007. Here is an excerpts of their interview with Meneasey magazine.
 

Read More

ሚኒስተር ዑስማን፡ ንኤርትራውያን ነበርቲ ዋሽንግተንን ከባቢኣን ሰሚናር ኣካዪዱ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ብ8 ጥቅምቲ ንኤርትራውያን ነበርቲ ዋሽንግቶን-ዲሲን ከባቢኣን - ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ንህሉው ፖለቲካዊ፡ ቊጠባውን ዲፕሎማስያውን ኩነታት ሃገር ዝምልከት ሰሚናር ኣካዪዱ።

 


መደባት ልምዓት ኣብ ዝምልከት፡ ሚኒስተር ዑስማን፡ ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብ ቀዳማይ ኣጀንዳ ህንጸት ሃገራዊ ቊጠባ ምዃኑ፡ ካብዚ ብምብጋስ ድማ ኣብ ምህናጽ ትካላት ትምህርትን ምውዳድ መሳለጥያታቱን ዓበይቲ መደባት ከምእተሳለጡን፡ ሓያሎ ብቑዕ ፍልጠትን ሞያን ዝደለቡ መንእሰያት ይምልመሉ ምህላዎምን ገሊጹ።

 ኣብ ምኽዛን ማይ ዝተዓሙ ስርሓት ድሕሪ ምዝርዛር ከኣ፡ እቲ ዝድለ ቴክኖሎጂን ጸዓትን ምስ ተዋደደሉ፡ ውሕስነት መግቢ ንምርግጋጽን ኪኖኡ ዝጠመተ ምህርቲ ንምፍራይን ብዕቱብ ተታሒዙ ብጽቡቕ ይግስግስ ከምዘሎ ሓቢሩ። ዓቕሚ ዘለዎም ዜጋታት፡ ኣብዚ ዝተጠቕሰ ጽላትን ካልኦት ዓውድታትን ንምውፋር፡ ምቅርራባት ክገብሩን ናይ ምውህላል መደባት ከተኣታትዉን ድማ ኣዘኻኺሩ። ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይውን ብዙሕ ዓወታት ይምዝገብ ከምዘሎ ዝገለጸ ሚኒስተር ዑስማን፡ ኣብዚ መዳይዚ ኣበርክቶ ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ብቐሊል ዝጥመት ስለዘይኮነ፡ ብዝወርጸጸን ዝማዕበለን ኣገባባት ክቕጽል ከምዝግባእ ኣስሚሩሉ። ተሳተፍቲ ኣብ መወዳእታ፡ ኣብቲ ወጺኡ ዘሎ ናይ ወፍሪን ልምዓትን መደባት ተሳታፍነቶም ከም ዘዕዝዙ ኣረጋጊጾም።
(ኣቶ ጸጋይ ኣስመሮም፡ ኣስማት ናይቶም "20 ኤርትራውያንን 20 ኢትዮጵያውያንን ሙሁራት" ህዝቢ መታን ክፈልጦም፡ ዝርዝር ኣስማት ንመስከረም ከካፍል ተማሊ 10/12/2017 ብስልኪ ተሓቲቱ፡ ዝርዝር ኣስማቶም ክካፍል ኣይፈቐደን። መስከረም፡ ን ኣመሓደርቲ "ሰለብሪቲ ኢቨንትስ" ተወኪሱ ዝርዝር ኣሰማቶም ንህዝቢ ክሕበር ክፍትን ኣዩ። መስክርም 10/21/2017 10:56:13 PM)
                 
ዜና ቀዳማይ እብረ ህዝባዊ ዘተ "መዝሙር ሰላም"                  ንኢትዮ-ኤርትራ ክካየድ ኢዩ
==============================
ሽግር ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ ንምፍታሕን ውጽኢቱ ዝኾነ ኣይ ሰላም ኣይ ኲናት ሃዋሁ ንምስዓርን ዝዓለመ ህዝባዊ ዘተ ኣብ'ዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ'ዩ። 
 
ህዝቢ ክልቲኤን ሃገራት ንክልቲኦም ስርዓታት ቀዲሙ ኣብ መስርሕ ሰላም normalization ነዊሕ ርሕቀት ተጓዒዙ ኣሎ። ሰለብሪቲ ኢቨንትስ ዘዳለዎ "መዝሙር ሰላም" ካብ ህዝባዊ ምዕባለ ኣብ መስርሕ ሰላም ዝነቅል ኮይኑ፡ ንስርዓተ ክብርታት ክልቲኡ ሕብረተሰብ ዝዕቅብ። ሰለማዊ ሕውነታዊ ዝምድና ህዝብታት ናብ ንቡር ዝመልስ። ቁጠባዊ ምትእስሳር ኢትዮ-ኤርትራ ዝፈጥር። ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ናይ ፖሎቲካ መራሕቱ እወንታዊ ጸቕጢ ክገብር ዘኽእል ህዝባዊ ዘተ ኢዩ ጻዋዒት "መዝሙር ሰላም"

 

 

 

 

 
 

 

 



 

 
 
 

 

Assena
 
   
; ..
 
 
For More Visit Website

ናብ ሻዕብያ ቅርበት ኣለዎ ዝበሃል ፈይስ-ቡከ።

 

 

 

 

 

  
 
For More Visit Website

 

 
 
 

VOA Tigrinya Facebook

Eritrean Tweets